ዶ/ር ሙሉ ነጋ ካሕሳይ ዋና ፈጻሚ ስራሕ ክልል ትግራይ ኮይኑ ተሸይሙ

ዶ/ር ሙሉ ነጋ ዋና ፈጻሚ ስራሕ ክልል ትግራይ ኮይኑ ከምዝተሸመ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ገሊጹ፡፡

እቲ ቀዳማይ ምኒስተር ሎሚ ኣብ ትዊተር ከምዝገለጾ፡ ዶ/ር ሙሉ ነጋ ነቲ ብውሳነ ቤት ምኽሪ ፌደሬሽን ዝተጣየሸ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ክመርሕ ተመዚዙ ኣሎ፡፡

እቲ ዋና ፈጻሚ ናይቲ ክልል ፈጸምቲ ኣካላት ዝመርሑ ኣካላት ካብቶም ኣብቲ ክልል ዝንቀሳቐሱ ፖለቲካዊ ውድባት ክምልምል ምዃኑ እውን ተገሊጹ፡፡

ዶ/ር ሙሉ ነጋ ሓደ ኣባል መሪሕነት እቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝተመስረተ ውድብ ብልጽግና ትግራይ እዩ፡፡

ዶክተር ሙሉ ነጋ ካብ ሚያዝያ 2012 ዓመተ ምሕረት ግእዝ፡ ሚኒስተር ዴኤታ ሚኒስትሪ ሳይንስን ላዕለዋይ ትምህርትን ኮይኑ ከገልግል ዝጸንሐ እዩ።

ቅድሚኡ'ውን ኣብ ዩኒቨርስቲ ኣዲስ ኣበባ ከም መምህርን ተመራማርን ኮይኑ ክሰርሕ ዝጸንሐ እዩ።

ኣብ መንጎ ፌደራልን ነቲ ክልል ዘመሓድር ዘሎን ህወሓትን ዝጸንሐ ዘይምርድዳእ፡ ናብ ወተሃደራዊ ጎንጺ ድሕሪ ምዕባዩ፡ መንግስቲ ፌደራል ንክልል ትግራይ ብዝምልከት ዝተፈላለዩ ስጉምትታት ክወስድ ጸኒሑ ኣሎ።

ቤት ምኽሪ ሚኒስተራት ኣብቲ ክልል ዝጸንዕ ናይ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ኣዋጅ ህጹጽ ግዜ ድሕሪ ምድንጋጉ፡ ብቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ጸዲቑ እዩ።

እቲ ቤት ምኽሪ ፌደሬሽን፡ ክልል ትግራይ፡ ኣብ ልዕሊ'ቲ ኣብ ክልል ትግራይ ዝነበረ ሰራዊት ምክልኻል መጥቃዕቲ ብምፍጻም፡ ሰላምን ጸጥታን እቲ ፌደራል ዘናውጽን ነቲ ሕገ መንግስታዊ ስርዓት ኣብ ሓደጋ ዘእቱን ተግባር ብምፍጻሙ ነቲ ሕገ መንግስቲ ምኽባር ኣድላዪ ምዃኑ ገሊጹ ኔሩ።

መንግስቲ ፌደራል ኣብ ክልል ትግራይ ጣልቃ ክኣቱን ግዚያዊ ምምሕዳር ክትከልን ወሲኑ።

መንግስቲ ክልል ትግራይ'ከ እንታይ ኢሉ?

መንግስቲ ክልል ትግራይ ካብ መስከረም 25 ንደሓር ንክልቲኦም ኣብያተ ምኽርን ንቀዳማይ ምኒስተር ኣብዪን ኣፍልጦ ከምዘይህብ ብምግላጽ፡ ንተወከልቲ ትግራይ ምስሓቡ ዝዝከር እዩ። ካብቶም ሃገራዊ ባይቶታት ዝወሃብ፡ ዝኾነ ውሳነ ድማ ተፈጻምነት ኣይህልዎን ይብል።

ኣብቲ እዋን ቤት ምኽሪ ፌደሬሽን፡ ኣብ ኣብ ትግራይ ዝርከብ ሰራዊት እታ ሃገር መጥቃዕቲ ከምዝተፈጸመ፣ ሰላምን ጸጥታን ፌደራል ዝርብሽን ሕገ መንግስቲ ዝጥሕስን ምንቅስቓስ ተገይሩ እዩ ብምባል ሕገ መንግስቲ ናይ ምኽባር ስራሕ ክስራሕ ከምዝግባእ ገሊጹ ነይሩ፡፡

እቲ ናብ ግጭት ዘምረሐ ምስሕሓብ

እቲ ናብ ናይ ሓይሊ ጎንጺ ዓብዩ ዘሎ ምስሕሓብ መንግስታት ፌደራልን ትግራይን፡ መንግስቲ ፈደራል፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ክካየድ ዝነበሮ ሃገራዊ መረጻ ብምኽንያት ኮሮናቫይረስ ምስ ኣናውሖ፡ ክልል ትግራይ በይናዊ መረጻ ድሕሪ ምክያዳ እዩ እቲ ነገር ተጋዲዱ።

ቤት ምኽሪ ፌደሬሽን፡ መረጻ ትግራይ ዘይሕጋዊ እዩ ምስ ወሰነ መንግስቲ ፌደራል ምስ መንግስቲ ክልል ትግራይ ዝኾነ ዓይነት ርክብ ከይገብርን ባጀት ክቋረጽን ብምውሳኑ እቲ ምስሕሓብ ተሪሩ፡፡

ኣብ መወዳእታ ድማ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ፡ ኣብ ልዕሊ ኣብ ትግራይ ኣብ ዝርከብ እዚ ሰሜን መጥቃዕቲ ከምዝተፈጸመን ወተሃደራዊ ስጉምቲ ክውሰድ ከምዝኣዘዘን ኣብ ቴሌቪዥን እታ ሃገር ምስተዛረበ ክልቲኦም ሓይልታት ናብ ቅሉዕ ኲናት ኣትዮም፡፡

ድሕሪ እዚ ድማ ቤት ምኽሪ ሚኒስተራት፡ ኣብ ልዕሊ ክልል ትግራይ ኣዋጅ ህጹጽ እዋን ከምዝኣወጀን ቤት ምኸሪ ተወክቲ ህዝቢ ነቲ ኣዋጅ ከምዘጽደቖን ይዝከር፡፡

ብተወሳኺ፡ እቲ ኩነታት ምስተፈጠረ መንግስቲ ፌደራል ኣብ ክልል ትግራይ ጣልቃ ክኣትውን ነቲ ክልል ዝመርሕ ጊዝያዊ ምምሕዳር ክጣየስን ቤት ምኽሪ ፌደሬሽን ወሲኑ ነይሩ፡