እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ሰብስልጣን ዘንበረቶ እገዳ ቪዛ 'ዘይርትዓዊ'ዩ' ክትብል ኤርትራ ነቒፋ
ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ሰበስልጣን ዘንበረቶ ናይ ቪዛ እገዳ "ሕጋውነትን፡ ዞባዊ ሰላምን ጸጥታን ዘየደንፍዕ'ዩ" ክትብል ኤርትራ ተቓውሞኣ ገሊጻ።
ምስቲ ኣብ ኢትዮጵያ፡ ክልል ትግራይ ተወሊዑ ዘሎ ኲናት ምትእስሳር ኣለዎም ንዝበሎም፡ ኣብዚ እዋን'ዚ ኣብ ስልጣን ዘለዉ ኮነ፡ ኣብ ስልጣን ዝነበሩ ሰበስልጣን መንግስቲ፡ ኣባላት ሓይልታት ጸጥታን ወልቀሳባትን ናይ ቪዛ እገዳ ከምእትገብር ኣመሪካ ብሰንበት 23 ግንቦት ገሊጻ ነይራ።
ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ሎሚ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ "ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ትግራይ ተፈጢሩ ዘሎ ቅልውላዉ፡ ብሰንኪ'ቲ ሕጂ ፈሪሱ ዘሎ ህወሓት ብ3 ሕዳር 2020 ዝወሰዶ ሓደገኛ ወተሃደራዊ ምልዕዓል ዝተፈጥረ'ዩ" ክብል ከሲሱ።
ብህወሓት ዝምርሑ ሓይልታት ጸጥታ ክልል ትግራይ ነበር፡ ብ3 ሕዳር 2020 ኣብ ልዕሊ'ቲ ኣብቲ ክልል ዓስኪሩ ዝነበረ ብሰሜን እዝ ዝፍለጥ ዝዓበየ ክፋል ሰራዊት ኢትዮጵያ መጥቃዕቲ ድሕሪ ምክያዶም፡ ድሕሪ ሓደ መዓልቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብዪ ኣሕመድ ወተሃደራዊ ስርሒታት ምእዋጁ ይዝከር።
መራሕቲ ናይቲ ኣብ ሕጂ እዋን ኣሸባሪ ጉጅለ ተባሂሉ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ተሰዪሙ ዘሎ ህወሓት፡ እቲ ናይ 3 ሕዳር መጥቃዕቲ "ቅድመ-ምክልኻል" ንምግባር ዝተወስደ ምዃኑ'ዮም ክምጉቱ ጸኒሖም።
"ወተሃደራዊ ውጥን ህወሓት ንኢትዮጵያ ጥራይ ዝዓለመ ዘይኮነ፡ ንኤርትራ'ውን ዓላማ ዝገበረ'ዩ" ክብል መግለጺ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ጠቒሱ።
ሓይልታት ህወሓት፡ ድሕሪ'ቲ ግጭት ምውልዑ፡ ሓያሎ ሮኬታት ናብ ኤርትራ ወንጪፎም ምንባሮም ይዝከር።
ጸሓፊ ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን እቲ ንሰበስልጣን መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ዘጠቓለለ እገዳ ካብ ትማሊ 24 ግንቦት ጀሚሩ ኣብ ግብሪ ከምዝውዕል ብትዊተር ገሊጹ'ሎ።
ኤርትራ፡ እቲ ናይ ኣመሪካ መግለጺ ኣብ ድሮ መበል 30 ዓመት ጽንብል ናጽነታ ምውጽኡ፡ ግዚኡ ዘይሓለወ'ዩ ብምባል ዘለዋ ቁጠዐ ኣይሓብአትን።
"ብግብሪ ዘለዎ ትርጉም ብዘየገድስ፡ እዚ ዝወጸኣ ስጉምትታት ንሕጋውነት ኮነ ንዞባዊ ሰላምን ጸጥታን ዘየደንፍዕ'ዩ" ይብል መግለጺ ኤርትራ።
መንግስቲ ኣመሪካ፡ ግፍዕታት ከምዝፈጸሙ ዝኽሰሱ ሓይልታት ኤርትራ ካብ ክልል ትግራይ ክወጹ ክጽውዕ ምጽንሑ ይፍለጥ። ኤርትራ ነቶም ክስታት ዓመጽን ግህሰት መሰላት ትነጽጎም።
ብወገን ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድን ሰበስልጣን ኤርትራን፡ ሰራዊት ኤርትራ ካብ ትግራይ ክወጹ ከም ዝተሰማምዑ'ኳ እንተገለጹ፡ ክሳብ ሕጂ ከምዘይወጹ ጸብጻባት ይገልጹ።
እቲ ኣብ ውሽጢ ሒደት ሳምንታት ክውዳእ ምዃኑ ዝተነግረሉ ወተሃደራዊ ግጭት፡ ክሳብ ሕጂ ይቕጽል ምህላዉ ጸብጻባት ይሕብሩ።
እቲ ግጭት ኣብቲ ክልል፡ ሰፊሕ ምፍንቓል፡ ጥምየት፡ ምግሃስ መሰላትን ዝርከብዎ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላዉ ኣስዒቡ ምህላዉ ይግለጽ።