ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ንዕልዋ መንግስቲ ማሊ ዝመርሐ ኮሎኔል ደጊሙ ስልጣን ተቖጻጺሩ

ኮሎኔል ኣሲሚ ጎኢታ

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, ኮሎኔል ኣሲሚ ጎኢታ

ፕረዚደንትን ቀዳማይ ሚኒስተርን ማሊ፡ በቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብታ ሃገር ንዝተኻየደ ወተሃደራዊ ዕልዋ መንግስቲ ዝመርሐ ኮሎኔል ካብ ስልጣኖም ተወጊዶም።

ኮሎኔል ኣሲሚ ጎኢታ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ፕረዚደንት ባህ ነዳውን ቀዳማይ ሚኒስተር ሞክታር ኦዋነን ሓላፍነቶም ከም ዘይተዋጽኡን ኣብ እዋን መሰጋገሪ እታ ሃገር ውዲት ከም ዝኣለሙን ሓቢሩ።

እቶም መራሕቲ ኣብ ቀይዲ ዝኣተው፡ ንኽልተ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ካብ መዝነቶም ዝኣለየ ምቅይያር ናይ ስልጣን ዕላዊ ድሕሪ ምግባሮም ድሕሪ ሒደት ሰዓታት እዩ።

ሓፈሻዊ ምርጫ ከምቲ ተወጢኑሉ ዝጸንሐ ኣብ ዝመጽእ ዓመት ክካየድ ምዃኑ እቲ ኮሎኔል ሓቢሩ።

እንተኾነ ግና ነቲ ካብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣፍሪቃዊ ሕብረት፡ ቁጠባዊ ምትሕግጋዝ ሃገራት ምዕራብ ኣፍሪቃ (ኤኮዋስ)፡ ኣውሮጳዊ ሕብረትን ኣመሪካን ዝቐረበሉ፡ ብዘይ ዝኾነ ቅድመ ኩነት ምፍታሕ እቲ ፕረዚደንትን ቀዳማይ ሚኒስተርን ነጺግዎ።

ፕረዚደንት ባህ ነዳውን ቀዳማይ ሚኒስተር ሞክታር ኦዋነን ካብ ሰኑይ ምሸት ጀሚሩ ኣብ ጥቓ ርእሰ ከተማ ባካሞ ኣብ ዝርከብ ወተሃደራዊ መዓስከር እዮም ተቐዪዶም ዘለው።

ኣዛዚ እቲ ወተሃደራዊ ጉጅለ ዝኾነ ኮሎኔል ኣሲማ ጎኢታ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝመርሖ ዕልዋ መንግስቲ ስዒቡ ናይ 18 ኣዋርሕ መሰጋገሪ ቤት ምኽሪ ቆይሙ ነይሩ።

ኢኮዋስ ኣብቲ ቤት ምኽሪ ስልጣን ክሕዙ ዝኽእሉ ኣብ ሰራዊት ዘየለው ክኾኑ ኣለዎም ብዝብል ጸቕጢ ክገብር ጸኒሑ።

ኮሎኔል ጎኢታ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ንፕረዚደንት ኢብራሂም ኬይታ ካብ ስላጣን ኣብ ዝኣለየሉ ብዙሓት ደቂ ማሊ ብሓጎስ እኳ እንተተቐበልዎ፡ እቲ ዝተመስረተ መሰጋገሪ መንግስቲ ብወተሃደራት ዝተዓብለለ ብምዃኑን እቲ ዝተኣተወ መብጽዓ ብምድንጓዩን ቁጥዐኦም ክገልጹ ጸኒሖም እዮም።

ማሕበር ሰራሕተኛታት ዝጸውዖ ስራሕ ደው ናይ ምባል ኣድማ ኣብ ቁጠባ እታ ሃገር ከቢድ ሃስያ ኣስዒቡ እዩ።

ነዚ ስዒቡ፡ እቲ ግዚያዊ ምምሕዳር ምቅይያራት ናይ ስልጣን ምክያዱ ብዘይምሕጓሱ እቲ ኮሎኔል ነዚ ስጉምቲ ከም ዝወሰደ ይንገር።

ልኡኽ ኢኮዋስ ናብ ባማኮ ብምእታው፡ ምስ መራሒ እቲ ወተሃደራዊ ጉጅለ ክዘራረብ ትጽቢት ይግበር።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ድሕሪ ዝተኻየደ ወተሃደራዊ ዕልዋ፡ ኢኮዋስ ኣብ ልዕሊ እታ ሃገር እገዳ ከም ዘንብር ድሕሪ ምጥንቃቑ እዩ ግዚያዊ መሰጋገሪ መንግስቲ ክምስረት ዝተኻእለ።

ነታ ሃገር ትገዝኣ ዝነበረት ፈረንሳ፡ ኣውሮጳዊ ሕብረት ኣብ ልዕሊ እታ ሃገር እገዳ ከም ዘንብር ክትገብር ምዃና ኣጠንቂቓ ኣላ።

እታ ኣፍደገ ባሕሪ ዘይብላ ማሊ፡ ኣብ ኣፍሪቃ ምስ ድኻታት ሃገራት እትስራዕ ኮይና፤ ብዙሕ ክፋላት እታ ሃገር ልምዓት ዝተሓረሞ ምዃኑ ይግለጽ

ኣብታ ሃገር ኣብ 2012 ዝተኻየደ ዕልዋ፡ እስላማውያን ዕጡቓት ነቲ ዘይምርግጋዕ መዝሚዞም ኣብ ሰሜናዊ ማሊ ሓደ ከባቢ ክቆጻጸሩ ኣኽኢሉ እዩ።

ወተሃደራት ፈረንሳ ነቲ ከባቢ ዳግም ንምቁጽጻር እኳ እንተሓገዙ፡ መጥቃዕትታት ጌና ይቕጽል ኣሎ።