ሓንቲ ነብሰጾር ኣደ ኣብ ሓደ ጊዜ ትሸዓተ ቖልዑ ተገላጊላ

ማሊ ነፍሰጾር

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ጓል ማሊ ዝኾነት ነብሰጾር ኣደ ቅድሚ ቅድሚ ሕጂ ብዘይተለመደ ኩነታት ኣብ ሓደ ጊዜ ትሸዓተ ቖልዑ ከምዝተገላገለት ተሓቢሩ።

ትማሊ ሰሉስ ሕማም ሕርሲ ተታሒዛ ኣብ ሞሮኮ ናብ ዝርከብ ሓደ ሆስፒታል ዝኣተወት ጓል 25 ዓመት ሓሊማ ሲሴ ሓሙሽተ ደቂኣንስትዮን ኣርባዕተ ደቂተባዕትዮን ብሰላም ተገላጊላ’ላ።

እታ ዜጋ ማሊ ዝኾነት ነብሰጾር ኣደ ናብ ሆስፒታል ምስኣተወት ነቶም ቆልዑ ብተፈጥሮኣዊ መገዲ ዘይኮነስ ብመጥባሕቲ ተሓጊዛ ከምዝወለደቶም ሚንስትሪ ጥዕና ማሊ ሓቢሩ።

ቅድም ክብል ኣብ ሃገራ ማሊ ኮነ ኣብ ሞሮኮ ብኣልትራሳውንድ ኣብ ዝግበረላ ዝነበረ ክትትል ሸውዓተ ቖልዑ ክትወልድ ከምእትኽእል ክሕበረላ ዝጸንሐ ኮይኑ እቶም ክልተ ተወሰኽቲ ድማ በቲ ማሽን ከይተፈለጡ ምጽንሖም ተገሊጹ።

ሚንስተር ጥዕና ማሊ ዶክተር ፋንታ ሲቢ ትማሊ ከምዝገለጸቶ፡ እታ ኣደ ምስ ዝወለደቶም ትሸዓተ ደቃ ኣብ ጽቡቕ ኩነታት ጥዕና ይርከቡ። ድሕሪ ሰሙናት ናብ ገዝኦም ከምዝምለሱ’ውን ኣፍሊጣ።

“ውጽኢት ናይቲ ጥንሲ ብዘሕጉስ ኩነታት ንኽፍጸም ዝገበሩ ሰብሞያ” ንዝበለቶም ኣባላት ሕክምና ድማ እንቋዕ ሓጎሰኩም ክትብል ንኢዳ።

ንብዙሓት ዘገረመ ጥንሲ ሓሊማ ሲሴ ንቐልቢ መራሕቲ እታ ምዕራብ ኣፍሪቃዊት ሃገር’ውን ስሒቡ’ሎ። እቶም ሰበሰልጣን ፍሉይ ክትትል ንኽግበረላ ብዝብል ናብ ሞሮኮ ከይዳ ክትሓርስ ከምዝገበሩ ጸብጻብ ሮይተርስ የመልክት።

ወሃቢ ቓል ሚንስትሪ ጥዕና ሞሮኮ ራቺድ ኩዳሪ ንወኪል ዜና ፈረንዳ - ኤ ኤፍ ፒ - ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ፡ ቅድሚ ሎሚ ኣብ ሃገሩ ክንድዚ ዝኣክል ብዝሒ ዘለዎም ህጻናት ዝሓረሰት ኣደ ብዛዕባ ምንባራ ከምዘይፈልጥ ተዛሪቡ።