ሳፋሪኮም ድሕሪ ኣዋርሕ ኣብ ኢትዮጵያ ኣገልግሎት ቴሌኮም ከም ዝጅምር ኣፍሊጡ

ሳፋሪኮም ድሕሪ ኣዋርሕ ኣብ ኢትዮጵያ ኣገልግሎት ቴሌኮም ከም ዝጅምር ኣፍሊጡ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ኣብ ቀረባ ኢትዮጵያ ኣብ ዘውጽኣቶ ጨረታ ብምዕዋት ፍቓድ ዝረኸበ ብሳፋሪኮም ዝምራሕ ጥምረት ድሕሪ ኣዋርሕ ኣብታ ሃገር ኣገልግሎት ምሃብ ክጅምር ምዃኑ ወግዓዊ ገይሩ።

እቲ ጥምረት ‘ዓለምለኸ ምትሕብባር ንኢትዮጵያ’ ብዝብል ዝፍለጥ ኮይኑ ብቕድሚ ትማሊ [24 ግንቦት 2021] ብዌብሳይቱ ኣብ ዝዘርግሖ መግለጺ’ዩ ኣብ ወርሒ ጥሪ 2022 ኣገልግሎት ቴሌኮም ምሃብ ከም ዝጅምር ሓቢሩ ዘሎ።

ዓለም ለኸ ምትሕብባር ንኢትዮጵያ ኣብ ትሕቲኡ ንሳፋሪኮም፣ ቮዳኮም ግሩፕ፣ ቮዳፎን ግሩፕ፣ ሱሚቶም ኮርፖረሽንን ሲዲሲ ግሩፕን ዝበሃሉ ዓበይቲ ኩባንያታት ሓቚፉ’ሎ።

ኢትዮጵያ፡ ዓውዲ ቴሌኮም ንናይደገ ሰብ ሃብቲ ንመሸጣ ከም እተቕርብ ምስ ኣፍለጠት ኣብዚ ዓመት ጨረታ ኣውጺኣ ምንባራ ይዝከር።

ካብ ተጫረትቲ ከኣ ንክኽልተ ኩባንያታት ፍቓድ ክወሃብ ምዃኑ ተሓቢሩ ነይሩ።

ብመሰረት እቲ ቅድሚ ሰሙናት ዝተኻየደ ጨረታ ድማ ንዝተፈላለዩ ኩባንያታት ዝጥርንፍ ዓለም ለኸ ምትሕብባር ንኢትዮጵያ ዝተባህለ ጥምረት 850 ሚልዮን ዶላር ብምቕራብ ተዓዋቲ ጨረታ ኮይኑ።

ንኻልኣይ ተጫራቲ ግን ፍቓድ ኣይተወሃበን።

እቲ ጥምረት ብተመጣጣኒ ዋጋ ኣገልግሎት ሞባይልን ኢንተርኔትን ብምሃብ ኣብ ዲጂታላዊ ስግግር ኢትዮጵያ ኣበርክቶ ከም ዝገብር ኣብ መግለጺኡ ሓቢሩ።

“ዲጂታላዊ ስልቲ መነብባሮ ንምፍጣር ምስ ኢትዮጵያውያን ተራኺብና ክንሰርሕ ብምኽኣልና ሕጉሳት ኢና” ኢሉ ዋና ኣፈጻሚ ስራሕ ሳፋሪኮም ፒተር ንዴግዋ።

ቀዳማይ ሚንስትር ኣብዪ ኣሕመድ ኣብቲ ንልዕሊ 120 ዓመታት ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ተባሒቱ ዝነበረ ዓውዲ ቴሌኮም ንናይ ደገ ኩባንያታት ፍቓድ ክወሃብ ምኽኣሉ “ታሪኻዊ ውሳነ” ክብል ገሊጽዎ’ሎ።

ካብ መንግስታዊ ትካላት ልምዓት ኢትዮጵያ ሓደ ዝኾነ ኢትዮቴሌኮም ብዝረኽቦ ኣታዊ ኣብ ቅድሚት ካብ ሞንጎ ዝስርዑ’ኳ እንተኾነ ምስካልኦት ኣብቲ ዞባ ዝርከቡ ተመሳሰልቲ ኩብንያታት ክነጻጸር ከሎ ግን ኣታዊኡ ዝተሓተ ምዃኑ ተንተንቲ እቲ ዓውዲ ይገልጹ።

ኢትዮጵያ ንኢትዮቴሌኮም ሓዊሱ ዝተፈላለዩ መንግስታዊ ትካላት ልምዓት ንምሻጥ ዝወሰነትሉ ቀንዲ ምኽንያት ንዘለዋ ዝለዓለ መጠን ዕዳ ንምኽፋል ከም ዝኾነ ዘረድኡ እቶም ተንተንቲ ብተወሳኺ ድማ ኣገልግሎት ቴሌኮም ብእኹል ንምዝርጋሕን ቅልጡፍ ንምግባርን ከም ዝዓለመ ይሕብሩ።

እቲ ፍቃድ ረኺቡ ዘሎ ጥምረት ናብ ስራሕ ምስኣተወ ነታ ሃገርን ህዝባን ብዙሕ ረብሓታት ሒዙ ከም ዝመጽእ ትጽቢት ይግበር።

ብፍላይ ምስ ምፍጣር ዕድል ስራሕ ዓብዪ ትርጉም ከም ዝህልዎ ይግለጽ።

ሚንስተር ገንዘብን ኢትዮጵያ ዶክተር ብሩክ ታዬ ንኤኤፍፒ ከም ዝሓበሮ: እቲ ኩባንያ ኣብ ውሽጢ ዝቕጽሉ 10 ዓመታት ክሳብ 1.5 ሚልዮን ሓደሽቲ ዕድላት ስራሕ ዝፈጥርን 8.5 ቢልዮን ዶላር ሃብቲ ናብታ ሃገር ዘእትውን’ዩ።

ዋና ኣፈጻሚ ስራሕ ቮዳኮም ግሩፕ ሻሜል ጆሱብ “እቲ ጥምረት ኣሳጋሪ ዝኾነ ኣገልግሎት ቴክኖሎጂ ብምቕራብ ጽቡቕ ተሞክሮ ዝሓዘ እዩ።

ብፍላይ ኣብ ጥዕና፣ ትምህርትን ሕርሻን ደረጅኡ ዝሓለወ ኔትወርክ ቴሌኮም ብምህናጽ ጽቡቕ ስም ሃኒጹ’ሎ። ኣብ ኢትዮጵያ ከኣ ትርጉም ዘለዎ ለውጢ ንምርግጋጽ ክንሰርሕ ኢና” ኢሉ።

ሓላፊ ናይቲ ኣብቲ ጥምረት ኣባል ዝኾነ ሲዲሲ ኣፍሪካ ኣይተ ትንቢተ ኤርሚያስ ብወገኑ “ዘመናዊ፣ ዝተረጋግአን ብቕልጡፍ ዝዓቢን ቁጠባ ክህነጽ ዝኽእል ዘተኣማምንን ተመጣጣኒ ዋጋን ብዘለዎ ዲጂታላዊ መሰረተ ልምዓት [ትሕተ ቅርጺ] እዩ” ክብል ተዛሪቡ።

“10 ሚልዮን ኢትዮጵያውያን ኣብታ ሃገርመሰረታዊ ዝባሃሉ ዕድላት ቁጠባ ንምፍጣር ዘኽእል ምችው ኔትወርክ ንምዝርጋሕ ድልዋት ኢና። እዚ ድማ ንነበርቲ ከተማ፣ ሓረስቶት ከምኡ’ውን ካብ ዓበይቲ ክሳብ ነኣሽቱ ትካላት ንግዲ ዕድል ዝፈጥር’ዩ” ኢሉ።

ዋና ኣፈጻሚ ስራሕ ቮዳፎን ግሩፕ ኒክ ሪድ፡ ኣብ ቁጠባን ልምዓትን ኢትዮጵያ እወንታዊ እጃም ንምፍጻም ድልየት ከም ዘለዎም ኣብቲ መግለጺ ሓቢሩ’ሎ።

ምኽትል ፕረዚደንት ኮርፖሬሽን ሱሚቶሞ ቶሺካዙ ናምቢ ብወገኑ፡ ኣብ ጃፓንን ካልኦት ክፋላት እስያን ዘለዎም ተሞክሮ ከምኡ’ውን ስግግራት ዲጂታል ናብ ኢትዮጵያ ከምጽኡ ድልየት ከም ዘለዎም ኣብቲ መግለጺ ኣፍሊጡ።