ሳፋሪኮምን ቮዳኮምን ናብ ዕዳጋ ቴሌኮም ኢትዮጵያ ንምእታው ይሰርሑ ኣለዉ

ኣርማታት ኢትዮ-ቴሌኮምን ሳፋሪኮምን
መግለጺ ስእሊ, ኣርማታት ኢትዮ-ቴሌኮምን ሳፋሪኮምን

ዝዓበየ ትካል ኣገልግሎት ቴሌኮሚኒኬሽን ኬንያ፡ ሳፋሪኮም፡ ምስ ናይ ደቡብ ኣፍሪቃ መዘንኡ፡ ቮዳኮም፡ ብምዃን ኢትዮጵያ ኣብ ዝቕጽል ዓመት ክትህብ ወጢናቶ ካብ ዘላ ክልተ ናይ ቴለኮም ኣገልግሎት ፍቓድ፡ ነቲ ሓደ ንምርካብ ይሰርሕ ምህላው፡ ሮይተርስ ጸብጺቡ።

ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ እቲ ዝዓበየ መኽሰብ ዝረክብ ትካል ሳፋሪኮም፡ ነቲ ናይ ኬንያ ዓወቱ ኣብ ኢትዮጵያ ክደግሞ ከም ዝደልይ ጊዝያዊ ኣካያዲ ስራሕ እቲ ትካል ማይክል ጆሴፍ ተዛሪቡ።

"ብመንጽር ቴለኮሚኒኬሽን ክርአ ከሎ፡ ኣብ ኣፍሪቃ ተሪፉ ዘሎ እንኮ ዝዓበየ ሽልማት እዩ"።

እንተኾነ ኣብቲ ዕዳጋ ንምስታፍ፡ ብቢልዮናት ዶላር ከም ዝሓትትን ትካሉ ንዘሎ ኩሉ ተኽእሎታት ይፍትሽ ከም ዘሎን፡ ምክትል ኣካያዲ ስራሕ እቲ ብቮዳኮምን ብሪጣንያዊ ቮዳፎንን ዝውነን ትካል ይገልጽ።

ናይ ቴሌኮሚኒኬሽን ግምቢ

ምንጪ ስእሊ, Construction Photography/Avalon

ብዘይካ'ዚ ሕጽረት ሸርፊ ወጻኢ፡ ተደናጉዩ ዘሎ ሕጊ ጽላት ቴለኮሚኒኬሽንን ካልኦት ብድሆታት ከም ዝኾኑ ሚስተር ማይክል ኣብሪሁ።

ማይክል ወሲኹ፡ ሞባይል ቴሌፎን ብምጥቃም ገንዘብ ንምዝውዋር ዘኽእል ግልጋሎት ኤም-ፔሳ (M-Pesa) ንምጅማር፡ ሳፋሪኮም ምስ ሓደ ናይ ኢትዮጵያ ትካል ኣብ ስምምዕ ምብጽሑ ኣፍሊጡ።

ኢትዮጵያ ብዘይካ'ቲ ኣብ ዝቕጽል ዓመት እትህቦም ክልተ ሓደሽቲ ፍቓዳት ቴሌኮም፡ እቲ ብመንግስቲ ዝውነን ኢትዮ-ቴለኮም'ውን ገለ ክፋሉ ንምሻጥ ወሲና ኣላ።