ሃብታማት ሃገራት ንህጻናት ምኽታብ ኣቋሪጸን ንድኻታት ሃገራት ከማቕላ ውድብ ጥዕና ዓለም ጸዊዑ

ዳይረክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ዳይረክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም

ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ሃብታማት ሃገራት ንህጻናት ንምኽታብ ዘውጽአኦ መደባት ኣናዊሓን ዘለወን ብልቃጥ ክታበታት ኮሮናቫይረስ ንድኻ ሃገራት ከካፍላ ተማሕጺኑ።

ዳይረክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ብዓርቢ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ሃብታማት ሃገራት ናብቲ ዓቕሚ ንዘይብለን ሃገራት ክታበት ዘከፋፍል ዘሎ ኮቫክስ ክታበታት ከወፍያ ተማሕጺኑ።

ኣብ ጉዳይ ኣቕርቦት ክታበት ኣብ ሞንጎ ድኻታትን ሃብታማትን ሃገራት ኣዝዩ ዓቢ ጋግ ተፈጢሩ ከምዘሎ እዩ ዝግለጽ።

ኣብ መጀመርታ ወርሒ ታሕሳስ 2020 ክታበት ንኽውሃብ ብውድብ ጥዕና ዓለም ኣፍልጦ ምስ ተውሃበ፡ ሃብታማት ሃገራት ነቲ ዝበዝሐ ክታበታት ከምዝገዝአኦን ገለ ሃገራት ልዕሊ እቲ ንምሉእ ህዝበን ንክኸትባ ዘድልየን ብልቃጣት ጠሊበን ከምዘለዋ ጸብጻባት ውድብ ጥዕና ዓለም የረድእ።

ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም፡ ብዓርቢ ካብ ጂኔቫ ኮይኑ ብማንዛ ኣብ ዘመሓላለፎ ለበዋ፡ ሃብታማት ሃገራት ንምንታይ ንህጻናት ዜጋታተን ክኸትባ ከምዝደልያ ከምዝርድኦ ብምሕባር “ሕጂ ግን ነቲ ዝወጠነኦ ዳግመ ግምት ክገብራሉ ኣለወን” ኢሉ።

እቲ ዝርገሐ ናይ ክታበት ምዕሩዩነት ከምዘየለ ዝገልጽ ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም “ኣብ ትሑትን ማእከላይን ኣታዊ ዘለወን ሃገራት ገሊአን ዋላ ንሰራሕተኛታት ማእከላት ጥዕና’ውን ክኸትባ ኣይከኣላን ዘለዋ”ኢሉ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን ኣብ ኣመሪካ ካብ 12 ክሳብ 15 ዕድሚኦም ኣብ ቀረባ ግዜ ክኽትቡ ከምዝኾኑ ምግላጹ ይዝከር።

ንሱ ብምስዓብ ኣብ ኣመሪካ ኣብዚ ዝተጠቀሰ ክሊ ዕድመ ዝርከቡ ክሳብ 4 ሓምለ መዓልቲ ናጽነት ኣመሪካ ኣብ ዘሎ ግዜ ብውሕዱ እቶም 70 ሚኢታዊት ክኽተቡ ምኳኖም እዩ ገሊጹ።

ካናዳ’ውን ክታበት ፋይዘር ካብ 12 ክሳብ 15 ዓመቶም ንክውሃብ ድሕሪ ምጽዳቓ፡ እታ ኣብ ካናዳ ዝልዓለ መልከፍቲ ኣመዝጊባ ዘላ ዞባ ኣልበርታ ድሮ ንደቂ 12 ዓመት ክትከትቦም ከምዝጀመረት ተፈሊጡ።

ስዊዘርላንድ’ውን ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ጀሚራ ንደቂ 16 ዓመት ንኽትከትብ ቆጸራ ክትሕዝ ከምዝጀመረት ይፍለጥ።

ክሳብ ሕጂ ኣመሪካን ቻይናን እተን ዝበዝሐ ክታበት ዝተጠቐማ ሃገራት ክኾና እንከለዋ ህንዲ ኣብ ሳልሳይ ደረጃ ተሰሪዓ ኣላ።

ዳርጋ ኩለን ሃገራት ኣውሮጳን ኣመሪካን ክታበታት ክጅምራ እንከለዋ ኣብ ኣፍሪቃ ግን ጠቕሊለን ሓንቲ’ውን ትኹን ክታበት ዘይበጽሐን ሃገራት ኣለዋ።

ኮቫክስ ነተን 20 ሚኢታዊት ካብ ብዝሒ ህዝቢ ዓለም ዝሕዛ 92 ድኻታት ሃገራት ክታበት ከከፋፍል ብውድብ ጥዕና ዓለምን መሻርኽቱን ዝቖመ ዝዓበየ ዓለምለኻዊ ተበግሶ እዩ።

ዶክተር ቴድሮስ ኣስሓኖም ትማሊ ኣብቲ ትማሊ ዓርቢ ዝሃቦ መግለጺ፡ እዚ ካልኣይ ዓመቱ ዝረገጸ ኮቪድ ኣብዚ ዓመት እዚ ኣዝዩ ቀታሊ ክኸውን ከምዝኽል ብምትንባህ ኣብ ህንዲ ዝረአ ዘሎ ልዑል መጠነ መልከፍትን ሞትን ኣዝዩ ዘሻቕል ከምዝኾነ ገሊጹ።

ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ጽልዋ ኮቪድ 19 ዝያዳ ኣብተን ድኻታት ሃገራት ክዛይድ ከምዝኽእል’ውን እዩ ዝገልጽ።