ቢል ጌትስን ብዓልቲ ቤቱ መሊንዳ ጌትስን 27 ዓመታት ኣብ ሓዳር ድሕሪ ምጽናሕ ተፋቲሖም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ናይ ዓለምና ሃፍታም ቢል ጌትስን ብዓልቲ ቤቱ መሊንዳ ጌትስን ን27 ዓመታት ኣብ ሓዳር ድሕሪ ምጽናሕ፡ "ድሕሪ ሕጂ ከም መጻምድቲ ኮይንና ብሓባር ክንዓቢ ኣይንኽእልን ኢና" ብምባል ከምዝተፋትሑ ገሊጾም።
ቢል ጌትስን መሊንዳ ጌትስን ኣብቲ ንምፍትሖም ዝገልጽ ብሓባር ኣብ ትዊተር ዝጸሓፍዎ "ብዛዕባ ሓዳርና ነዊሕ ምይይጥ ድሕሪ ምክያድ፡ ክንፋታሕ ናብ ውሳነ በጺሕና" ኢሎም።
ንሶም፡ ኣብ 1980ታት፡ መሊንዳ ኣብቲ ብቢል ጌትስ ዝተመስረተ ማይክሮሶፍት ምስ ተጸንበረት'ዮም ተላልዮም።
እዞም ቢልየነራት ዝኾኑ መጻምድቲ ሰለስተ ቆልዑ ወሊዶ ከምኡ'ውን 'ቢል ኤንድ መሊንዳ ጌትስ' ዝተብሃለ ትካል ግብረ-ሰናይ መስሪቶም።
ትካል ግብረ-ሰናይ 'ቢል ኤንድ መሊንዳ ጌትስ' ኣብ ምጥፋእ ተመሓላለፍቲ ሕማማትን ህጻናት ንኽኽተቡ ንምትብባዕን ቢልዮናት ዶላራት ዝመወለ ትካል እዩ።
ቢል ጌትስ ብሃብቱ ካብ ዓለምና ኣብ ራብዓይ ደረጃ ዝስራዕ ከምዝኾነን፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን 124 ቢልዮን ዶላር ከምዝውንን ፎርብስ ዘውጽኦ ጸብጻብ የረድእ።
ቢል ጌትስ እቲ ኣብ 1970ታት ዝመስረቶ ካብ ዓለምና ዝዓበየ ናይ 'ሶፍትዌር' ትካል ዝኾነ ማይክሮሶፍት ብምፍራይ እዩ ቢልዮናት ዶላራት ከኻዕብት ክኢሉ።
ቢል ጌትስን መሊንዳ ጌትስን ብሓባር ኣብ ትዊተር ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ "ኣብ ዝሓለፈ 27 ዓመታት፡ ሰለስተ ድንቂ ዝኾኑ ደቅና ከነፍርን ከነዕብን ክኢልና ኢና፡ እቲ ህዝቢ ጥዕና ንኽህልዎን ኣፍራዪ ንኽኸውን ኢልና 'ቢል ኤንድ መሊንዳ ጌትስ' ኢልና ዝመስረትናዮ ትካል ግብረ ሰናይ'ውን ኣብ መላእ ዓለም ውጽኢቱ ርኢናዩ ኢና" ኢሎም።
ብምስዓብ "ቢል ኤንድ መሊንዳ ጌትስ' ንኽቅጽል ሓሳብ ክንውሃሃብን ብሓባር ክንሰርሕን ኢና፡ ኣብ ሓዳር ግን ብሓባር ክንቅጽል ከምዘይንኽእል ኣብ ምርድዳእ በጺሕና ኢና" ኢሎም።
ሌለኦም ከመይ ኢሉ እዩ ጀሚሩ?
እዛ ሕጂ ጓል 56 ዓመት ኮይና ዘላ መሊንዳ፡ ኣብ 1987 ኣብ ትካል ማይክሮሶፍት ማናጀር ናይ ክፍሊ ፍርያት ኮይና ምስ ተቆጸረት፡ ኣብ ተመሳሳሊ ዓመት ኣብ ኒው ዮርክ ብስራሕ ኣብ ዝተዳለወ ናይ ድራር መደብ ምስ ቢል ጌትስ ኣብ ሓደ ጣውላ ኮይኖም ተደሪሮም።
ኣብታ ምሸት እቲኣ ብድራር ዝጀመረ ሌላ ናብ ውልቃዊ ርክብን ፍቕርን ማዕቢሉ።
ቢል ጌትስ ብኔትፍሊክስ ኣብ ዝተዳለወ ጸብጻቢ ፊልሚ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ "ንሓድሕድና ኣዚና ኢና ንተሓላለ ነይርና፡ ኣብ ቅድሜና ኸኣ ክልተ ኣማራጺታት እየን ነይረናና፡ ወይ ሓዳር ክንገብር ወይ ከኣ ክንፈላለ" ኢሉ ነይሩ።
መሊንዳ'ውን ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ ቢል ገይት ኣዝዩ ቅጥዑ ዝሓለወን ንልቢ ኣገዳሲ ዝኾነ ብዓል ቤት ከምዘለዋ ገሊጻ ነይራ።
ቢል ጌትስን መሊንዳን ኣብ 1994 እዮም ቃል ኪዳን ኣሲሮም።
ኣብቲ ኣብ ደሴት ሃዋይ ዝተኻየደ መርዓ፡ ቢል ገይት ኣብ እዋን መርዕኡ ዘይተዓደሙን ዘየድልዩን ኣጋይሽ ኣብ ሰማያት ሃዋይ ከይበሩ፡ ንብምሉአን ናይ ሃዋይ ሄሊኮፕተራት ምስ ተኻረየን ኣብ እዋኑ ሓደ ካብ ዓበይቲ ዜናታት እዩ ነይሩ።
ወዲ 65 ዓመት ኮይኑ ዘሎ ቢል ጌትስ ኣብ ስራሓት ግብረ ሰናይ ኣቶኵሩ ንምስራሕ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብገዛእ ፍቃዱ ካብ ኣባልነት ቦርድ ማይክሮሶፍት ከምዝተኣለየ ይዝከር።
'ቢል ኤንድ መሊንዳ ጌትስ' እንታይሰሪሑ?
- እቲ ትሃል ግብረሰናይ ኣብ 2000 እዩ ተመስሪቱ።
- ኣብ ህዝባዊ ጥዕና፡ ትምህርትን ክሊማዊ ለውጥን ኣተኵሩ'ዩ ዝሰርሕ።
- ንኽታበታትን ንምርምር ኮቪድ 19ን ዝውዕል 1.75 ቢልዮን ዶላር ኣወፍዩ።
- ኣብ 2019 ኣብ ዝወጽአ ጸብጻብ ልዕሊ 43 ቢልዮን ዶላር ዝግመት ርእሰ ማል ከምዝነበሮ ተገሊጹ።
- ቢል ጌትን መሊንዳ ጌትስነ ካብ 1994 ክሳብ 2018 ንትካል ግብረ ሰናይ 'ቢል ኤንድ መሊንዳ ጌትስ' ዝውዕል ልዕሊ 36 ቢልዮን ዶላር ወጻኢታት ከምዝገበሩ ሮይተርስ ሓቢሩ።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







