ኣባል ሃገራት ጉጅለ-7፡ 40 ሚልዮን ደቂ ኣንስትዮ ናይ ትምህርቲ ዕድል ክረኽባ ክገብራ እየን

ምንጪ ስእሊ, RICCI COUGHLAN/DFID/FLICKR
ኣባል ጉጅለ-7 ዝኾና ሃብታም ሃገራት፡ ኣብ ዝቕጽሉ ሓሙሽተ ዓመታት፡ ኣብ ድኻታትን ማእከላይ ኣታዊ ዘለወንን ሃገራት ዝርከባ ተወሰኽቲ 40 ሚልዮን ደቂ ኣንስትዮ ናብ መኣዲ ትምህርቲ ክሰዳ ዘኽእል ስምምዕ ክገባራ እየን።
ሚኒስተራት ጉዳያ ወጻኢ እተን ሃገራት ኣብ ለንደን ተራኺቦም ነቲ ገና ኣብ ምምዕባል ኣብ ዝርከባ ሃገራት ዘለዋ ደቂ ኣንስትዮ ንምሕጋዝ ዝውዕል ኣብ ውሽጢ ክልተ ዓመት ዝወሃብ ናይ 15 ቢልዮን ዶላር ሓገዝ ስምምዕ ክገብሩ እዮም።
ኣብቲ ኣብ ክልተ ዓመት ንፈለማ ግዘ ብኣካል ዝካየድ ኣኼባ፡ 20 ሚልዮን ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ዓሰርተ ዓመተን ምንባብ ክኽእላ ዝገብር ሓገዝ ንምግባር እውን ስምምዕ ክገብሩ ምዃኖም ተገሊጹ።
ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዓባይ ብሪጣንያ ዶሚኒክ ራብ፡ ብፍላይ ንደቂ ኣንስትዮ ምምሃር ጠቓሚ ወፍሪ ከምዝኾነ እዩ ዝሕብር።
እቲ ሓድሽ ውጥን ን12 ዓመታት ብቐጻልነት ደቂ ኣንስትዮ ንምምሃር ከምዝሕግዝ ገሊጹ።
ዓባይ ብሪጣንያ፡ ናይቲ ሃገራት ኣመሪካ፣ ፈረንሳይ፣ ጀርመን፣ ካናዳ፣ ጃፓንንን ጥልያንን ዝርከበኦ ጉጅለ ናይዚ እዋን ፕረዚደንት እያ፡፡
ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ራብ፡ ቅድሚ እቲ ሰሉስ ዝጅመር ኣኼባ ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ እተን ኣባል ሃገራት፡ ምስ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ተራኺቦም ብዛዕባ ንግዲ፣ ኢራንን ቻይናን ክዝትዩ እዮም፡፡
እቲ ረቡዕ ክፍረም ትጽቢት ዝግበረሉ ስምምዕ ምምሃር ደቂኣንስትዮ፡ ጾታዊ ማዕርነት ማእከል እቲ ካብ ጸቕጢ ኮቪድ ንምውጻእ ዝግበር ምትሕብባር ንምግባር ዝዓለመ እዩ፡፡
ካብቲ ኣብ ዓለም ዘሎ በዝሒ 796 ሚልዮን ዘይተምሃሩ ሰባት፡ ክልተ ሲሶ ደቂ ኣንስትዮ ከምዝኾና ጸብጻብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት የመልክት፡፡
ብተወሳኺ እቲ ኣሃዝ ከምዝሕብሮ፡ ኣብ ገጠር ዝርከባ 39 ምኢታዊት ደቂ ኣንስትዮ ናይ ካልኣይ ብርኪ ትምህርተን ዝከታተላ ኮይነን፡ እዚ መጠን ካብቶም ኣብ ገጠር ኣብ ተመሳሳሊ ብርኪ ዝበጽሑ 45 ምኢታዊት ደቂ ተባዕትዮ፣ ኣብ ከተማ 59 ምኢታዊት ደቂ ኣንስትዮን 60 ምኢታዊት ደቂ ተባዕትዮን ዝነኣሰ እዩ።
ቅድሚ እቲ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ዘጋደዶ ትሑት ውጽኢት ትምህርቲ፡ 90 ምኢታዊት ኣብ ድኻ ሃገራት ዝርከቡ ህጻናት ኣብ 10 ዓመቶም ቀሊል ጽሑፍኳ ከንብቡ ኣይክእሉን ነይሮም።
ኣባል ሃገራት ጉጅለ-7፡ ኣብ ምሕላው ጾታዊ መሰልን ጥዕና ወሊድን ዝኣተወኦ ቃልኪዳን ከምዘሐድሳን፡ ምክልኻል ጾታ መሰረት ዝገበሩ ዓመጻት ከምዘሐይላን መንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያ ኣፍሊጡ ኣሎ።
መንግስቲ ብሪጣንያ፡ ንፕሮጀክት ምጣነ ስድራ ሕቡራት ሃገራት ዝገብሮ ሓገዝ ነክዩ ተባሂሉ ኣብ ዝውቀሰሉ እዋን እዩ፡ እዚ ትልሚ ጉጅለ-7 ቀሪቡ ዘሎ።
ኣብ ዓለም ብሚልዮን ንዝቑጸራ ደቂ ኣንስትዮ መከላኸሊ ጥንስን ሕክምና ወሊድን ዝህብ ፖፑሌሽን ፈንድ ሕቡራት ሃገራት፡ መንግስቲ ብሪጣንያ ክህቦ ቃል ዝኣተዎ ናይ 154 ሚልዮን ፖውንድ ናብ 23 ሚልዮን ፖውንድ ከምዘውረዶ ገሊጹ እዩ።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







