እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ጉጅለ ልኡኽ ኣመሪካ ዘይምቅዳው እስራኤልን ፍልስጤምን ንምህዳእ ቴል ኣቪቭ ኣትዩ
ጉጅለ ልኡኽ ኣመሪካ፡ ነቲ ኣብ መንጎ እስራኤልን ፍልስጤምን ዝተወልዐ ሓድሽ ግጭት ንምህዳእ ናብ ቴል ኣቪቭ ከምዝኣተወ ተፈሊጡ።
ሃዲ ዓሚር ኣብቲ እስራኤል፣ ፍልስጤምን ሰብ ስልጣን ሕቡራት ሃገራት ዘካይድዎ ልዝብ ክሳተፍ ምዃኑ ተሓቢሩ'ሎ።
ሎሚ ወጋሕታ፡ እስራኤል ኣብ ጋዛ ናይ ነፈርቲ መጥቃዕቲ ከተካይድ እንከላ ዕጡቓት ፍልስጤም ብግድኦም ናብ እስራኤል ሮኬት ወንጪፎም። እቲ ኣብ መንጎ እስራኤልን ፍሊስጤምን ዝተጀመረ ምልውዋጥ ተኹሲ ሽዱሽተ መዓልታት ከቁጽር እንከሎ፡ ኣብቲ ዞባ ኣብ ዘሓለፈ ሒደት ዓመታት ካብ ዝተፈጸመ እቲ ዝኸፍአ ከምዝኾነ ተገሊጹ።
ዝሓለፈ ሰኑይ ዝተጀመረ እቲ ጎንጺ እስራኤልን ፍልስጤምን ነንሓድሕደን ኣብ ምብራቓዊ እዮርሳሌም ክተዃተዃ ምቕናየን ዝፍለጥ እዩ።
እቲ ቦታ ብኣመንቲ ሃይማኖት እስልምና ኮነ ኣዩሁዳውያን ልዑል ክብሪ ዝወሃቦ 'ቅዱስ' ስፍራ እዩ።
ንጋዛ ዘመሓድር ዘሎ እስላማዊ ጉጅለ ሓማስ ንእስራኤል ካብቲ ቦታ ክትወጽእ ከጠንቅቕ ድሕሪ ምጽንሑ ናብ እስራኤል ሮኬታት ክትኩስ ጀሚሩ።
እቲ ጎንጺ ካብ ዝጅመር ንድሓር ኣብ ዘሎ ግዜ ካብ እረራኤል 8 ሰባት ዝሞቱ ኮይኖም ካብ ፍልስጤም ድማ 133 ሰባት ከምዝሞቱ ተገሊጹ።
እስራኤል ሎሚ ቀዳም ኣጋ ወጋሕታ ብሸነኽ ምዕራብ ጋዛ ኣብ ዝርከብ መዓስከር ስደተኛታት ብዘካየደቶ ደብዳብ ነፈርቲ ህጻናትን ደቂ ኣንስትዮን ዝርከብዎም ብውሕዱ 7 ፍልስጤማውያን ከምዝሞቱ ሰበ ስልጣን ሚኒስትሪ ሓለዋ ጥዕና ፍልስጤም ሓቢሮም።
እቶም ኣብ ጋዛ ዝዓሰከሩ ዕጥቛት ብግድኦም በርሼባ ናብ እትበሃል ከተማ እስራኤል ዕላማ ዝገበሩ ሮኬታት ተኵሶም። ትማሊ ዓርቢ'ውን እንተኾነ እቲ ናይ ክልቲኦም ጎንጺ ናብ ከባቢ ምዕራባዊ ገማግም ተጋፊሑ 10 ፍልስጤማውያን ተቐቲሎም ብኣማኢት ዝቑጸሩ ድማ ቆሲሎም።
እቲ ብሃዲ ዓሚር ዝምራሕ ጉጅለ ልኡኽ ኣመሪካ ቅድሚ እቲ ጽባሕ ዝካየድ ናይ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ኣኼባ እዩ ናብ ቴልኣቪቭ ኣቕኒዑ ዘሎ። ቀንዲ ዕላማ ናይዚ ልኡኽ ድማ ክልቲኦም ሓይልታት ነገራት ንኸተሃዳድኡ ንምግባር ከምዝኾነ ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ እስራኤል ገሊጹ'ሎ።
ብሰንኪ እቲ ዝተወልዐ ግጭት ልዕሊ 10 ሽሕ ነበርቲ ጋዛ ካብ መንበሪ ኣባይቶም ከምዝተመዛበሉ ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት የመልክት።