እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ቅልውላው ትግራይ፡ ሓረስቶት 'ሕርሻዊ ንጥፈታቶም ከየካይዱ ተኸልኪሎም' ክብል ሓደ በዓል ስልጣን ከሲሱ
ኣብ ትግራይ ዝርከብ ህዝቢ ሕርሻዊ ንጥፈታቱ ከየካየድ ብመደብ ከም ዝተኸልከለ ሓደ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ግዝያዊ ምምሕዳር እቲ ክልል ተዛሪቡ።
ምኽትል ፈጻሚ ስራሕ እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ኣይተ ኣበበ ገብረሂወት ንቴሌቪዥን ትግራይ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ብስም ዘይጠቐሶም ሓለፍቲ ጸጥታ፡ ሓረስቶት ማሕረሶም ከካይዱ ኣይተፈቕደሎምን ብምባል ዘርኢ ናብቲ ክልል ከይኣቱ ከም ዝኸልከሉ ከሲሱ።
ብሰንኪ'ቲ ስጉምቲ ነቲ ድሮ በቲ ኲናት ዝተፈናቐለን ተጸባዪ ረዲኤት ክኸውን ዝተገደደን ህዝቢ፡ ብጥምየት ክመውት ከም ዝኽእል ድማ ኣጠንቂቑ።
ሓይልታት ክልል ኣምሓራን ወተሃደራት ኤርትራን ተቖጻጺሮሞም ዘለዉ ከባቢታት ካብቶም ማሕረስ ዝተኸልከለሎም ቦታታት ምዃኖም ይግመት።
"ዘርኢ ከይኣቱን፡ ሕርሻ ደው ንምባልን ዝግበር ጻዕርታት፡ 'ህዝቢ ትግራይ ብጥምየት ክበርስ ኣለዎ' ካብ ምባል ሓሊፉ ካልእ መልእኽቲ የብሉን" ክብል ንመደበር ቴሌቪዥን ትግራይ ከም ዝተረዛበ ኤ-ኤፍ-ፒ ሓቢሩ።
ካብ ሓደ ብፈደራላዊ መንግስቲ ዝተመዘዘ ብዓልስልጣን፡ ከምዚ ዓይነት መግለጺ ምውጽኡ፡ ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት ይፍጸም ምህላዉን፡ ኣብ ትግራይ ዘለዉ ሲቪላውያን ብጃምላ ግዳያት ይኾኑ ከምዘለዉን ዘርኢ'ዩ ድማ ይብል።
እቲ ኲናት ዝተወለዓሉ ወቕቲ፡ ቀውዒ ብምንባሩ ሓረስቶት ምህርቶም ክሓፍሱ ከም ዘይክኣሉ ክግለጽ ጸኒሑ'ዩ።
ዝቕጽል ክረምቲ ቅድሚ ምእታዉ ክዘርኡ እንተዘይኪኢሎም ድማ "ቅድሚ ሕጂ ተራእዩ" ዘይፈልጥ ጥምየት ኣብቲ ክልል ከጋጥም ከም ዝኽእል ሰብመዚ ሕርሻ ከጠንቅቑ ምጽንሖም ይፍለጥ።
እቲ ብ3 ሕዳር 2020 ኣብቲ ክልል ዝተጀመረ ኲናት፡ ዋላ'ኳ ኣብ መወዳእታ ናይቲ ወርሒ ከም ዝተወደአ ብመንግስቲ ፈደራል ተገሊጹ እንተነበረ፡ ንልዕሊ 6 ኣዋርሕ ይቕጽል ምህላዉ ይፍለጥ።
እቲ ግጭት፡ ኣብቲ ክልል ሰፊሕ ምፍንቓል ከም ዘስዓበን፡ ልዕሊ 60 ሽሕ ነበርቲ ናብ ሱዳን ክሃድሙ ከም ዝተገደዱን ጸብጻባት ትካላት ረዲኤት የረድኡ።
ኣስታት 4.2 ሚልዮን ህዝቢ ናይቲ ክልል ተጸበይቲ ረዲኤት ኮይኖም ምህላዎም ሕቡራት ሃገራት ይገልጽ።
ቁጽሮም ብንጹር ዘይተፈልጠ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ኣብቲ ኲናት ሞይቶም ክኾኑ ከም ዝኽእሉ ይግመት።
ትካላት ሰባዊ መሰላት፡ እቲ ኣብ ኩነታት ተፈጺሙ ዝብሃል ምግሃስ ሰባዊ መሰላት ብናጻ ኣካል ክጻረ ክጽውዑ ምጽንሖም ይዝከር።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ሰብኣዊ ሓገዝ ዘድልዮ ኣብ ማእከል ኲናት ዝተቐርቀረ ህዝቢ ንምድጋፍ ትካላት ረዲኤት ናብቲ ክልል ክኣትዉ'ኳ እንተ ኣፍቀደ፡ እቲ ናብ ገጠራት ዝበጽሕ ዘሎ ሓገዝ ውሱን ምዃኑ ይግለጽ።
ኣብ መጀመርታ ወርሒ ሕዳር 2020፡ ሓይልታት ጸጥታ ትግራይ ኣብ ልዕሊ'ቲ ኣብቲ ክልል ዓሪዱ ዝነበረ ብዓቕሚ ሰቡን ብዝሒ ኣጽዋራቱን ዝሓየለን ዝበዝሐን ዝብሃል ሰሜን እዝ መጥቃዕቲ ድሕሪ ምፍጻሞምን ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ህወሓት ወተሃደራዊ ስጉምቲ ክውሰድ ምስ ኣወጀን'ዩ ኵናት ጀሚሩ።