እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ህንዲ፡ ልዕሊ 40 ሬሳታት ኣብ ገማግም ሩባ ጋንጀስ ተረኸቡ
ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ህንዲ ኣብ ዝርከብ ፈለግ ጋንጀስ ብውሕዱ 40 ሬሳታት ካብቲ ሩባ ተገፊዑ ከም ዝተረኸበ ሰብ መዚ ህንዲ ሓቢሮም።
እቲ ሬሳታት ኣብቲ ንዞባታት ቢሃረን ኤታ ፓራዲሽን ዘዳውብ ቦታ'ዩ ተረኺቡ።
ወኪል ቢቢሲ'ውን ናብቲ ቦታ ብምኻድ ነቲ ሬሳታት ብምርኣይ ክምስክር ክኢሉ እዩ።
እቲ ሬሳታት ከመይ ኢሉ ናብቲ ቦታ ከም ዝመጽአ ይጻረ እኳ እንተሎ፡ ማዕከናት እታ ሃገር ግን እቲ ሬሳ ብኮሮናቫይረስ ናይ ዝሞቱ ሰባት ክኸውን ከም ዝኽእል'የን ገሚተን።
ገለ ማዕከናት ዜና፡ ብዝሒ ናይቲ ኣብቲ ሩባ ዝተረኸበ ሬሳታት ክሳብ 100 ከም ዝበጽሕ ከቃልሓ እንከለዋ፡ ኩነታት ናይቲ ሬሳ ብምርኣይ፡ እቲ ሬሳታት ኣብቲ ሩባ ነዊሕ መዓልታት ጸኒሑ ክኸውን ከም ዝኽእል ግምተን ኣስፊረን ኣለዋ።
ኣሽኮር ኩማር ዝተባህለ ብዓል መዚ ዞባ ቢሃረ ካብ ቢቢሲ ንዝቐረበሉ ሕቶ ክምልስ እንከሎ "እቲ ሬሳታት ካብ ዞባ ኡታር ፓራደሽ ዝመጽአ'ዩ ክኸውን ዝኽእል" ኢሉ።
ንሱ ብምስዓብ እቲ ሬሳታት ክቕበር ወይ ክቃጸል ከም ዝኽእል'ውን ሓቢሩ።
ገለ ሰብ መዚ፡ እቲ ሬሳታት ገሊኡ ተነፊሑ ገሊኡ ኸኣ ብኸፊል ነዲዱ ከም ዝጸንሐ ንማዕከን ዜና ኤንዲቲቪ ብምሕባር፡ ኣብ ዞባ ኡታህ ፕራደሽ ብኮሮናቫይረስ ዝሞቱ ሰባት ክኾኑ ከም ዝኽእሉ ኣተንቢሆም።
ገለ ነበርትን ጋዜጤኛታትን ንቢቢሲ ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ፡ ኣብ ህንዲ መንደዲ ሬሳ ዝኸውን ዕንጨይቲ ከም ዝኸበረን፡ ንስነ-ስርዓት ቀብሪ ዝወጽእ ወጻኢታት ልዕሊ ዓቕን ከም ዝኾነን ተዛሪቦም።
በዚ ምኽንያት፡ ትሑት ኣታዊታት ዘለዎም ስድራ ነቶም ብኮሮናቫይረስ ዝሞቱ መቕርቦን ኣማራጺ ስለ ዘይብሎም ናብ ውሓዚ ከም ዝድርብይዎም ትዕዝብቶም ኣካፊሎም።
ሓደ ቻንድራ ሞሃን ዝተባህለ ነባሪ እቲ ኸባቢ "ውልቂ ሆስፒታላት ገንዘብ ሰብ'የን ዝብዝብዛ ዘለዋ፤ እቲ ማእከላይ ኣታዊ ዘለዎ ሰብ ንካህንን ንስነስርዓት ቀብርን ዝኸውን ገንዘብ'ውን ኣይገድፋሉን። ሬሳ ካብ ኣምቡላንስ ንኸውርዱልካ ጥራይ 2000 ሩፒ (27 ዶላር) ይሓታቱኻ፤ እቲ ጥራይ ጅቡኡ ዝተረፈ ሰብ ኸኣ ከይፈተወ ሬሳ መቕርቡ ኣብ ሩባ ክድርቢ ይግደድ ኣሎ" ኢሉ።
ዞባ ኡታር ፕራደሽ ኣብ ህንዲ ካብ ዝርከባ ዞባታት እታ ዝበዝሐ ሰብ ዝነብራ ዞባ እያ።
ካልኣይ ማዕበል ለበዳ ኮሮናቫይረስ ንመላእ ህንዲ ይሓቑና'ዩ ዘሎ።
ዝበዝሓ መካነ መቃብራት ህንዲ ሒዘንኦ ዝነበራ ቦታታት ብሓደሽቲ መቓብራት መሊኡ ሕጽረት ቦታታት ኣጋጢምወን ከም ዘሎ'ዩ ዝሕብር።
ኣብ ህንዲ፡ ክሳብ ሎሚ ልዕሊ 22.6 ሰባት ብኮሮናቫረስ ክልከፉ እንከለዉ፡ 246,116 ከኣ ምስ ኮቪድ-19 ብዝተሓሓዝ ሕማማት ከም ዝሞቱ ጆንስ ሆፕኪንስ ዩኒቨርስቲ ይሕብር።
ክኢላታት ጥዕና ግን እቲ ሞት ካብዚ ተገሊጹ ዘሎ ዝተዓጻጸፈ ክኸውን ከም ዝክእል እዮም ዝሕብሩ።