ብምኽንያት ኣዋጅ እቶ እቶ ብፖሊስ ምሕላፍ ዝተኸልከለት ሕምምቲ ህጻን ሞይታ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ኣብ ኬንያ ዝርግሐ ኮሮናቫይረስ ንምግታእ ብዝብል ንዝተኣወጀ ኣዋጅ እቶ እቶ ዘፈጽሙ ዝነበሩ ኣባላት ፖሊስ ንሓንቲ ዝሓመመት ህጻን ሒዛ ናብ ሆስፒታል ትኸይድ ዝነበረት መኪና ምሕላፍ ብምኽልካሎም እታ ህጻን ሞይታ። ኣብዚ ጉዳይ ከኣ ምጽራይ ይካየድ ከምዘሎ ተፈሊጡ።
ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም ጸገም ምስትንፋስ ዘጋጠማ ጓል 4 ወርሒ ህጻን ናብ ሆስፒታል ትውሰድ ከምዝነበረት ሓደ ካብ ኣባላት ስድርኣ ኣብታ ሃገር ንዝሕተም ጋዜጣ ‘ዘ ኔሽን’ ገሊጹ።
ሰብ ሞያ ሕክምና ድማ እታ ህጻን ናብ ዝለዓለ መወከሲ ሆስፒታል ክትኸይድ ስለዝኣዘዙ ናብቲ ካብ ዝነበሩሉ ከባቢ ኣስታት 25 ኪሎሜትር ርሕቐት ዝነበሮ ሆስፒታል ይወስድዋ ነይሮም።
እንተኾነ ኣብ መገዲ ዝጸንሑ ኣባላት ፖሊስ ብምኽንያት ኮሮናቫይረስ ዝተኣወጀ ሰዓታት እቶ እቶ ስለዝነበረ መገዲ ዓጽዮም ከሕልፍዎም ኣይከኣሉን።
ዘዋሪ እታ ታክሲ ነታ ዝሓመመት ህጻን፣ ጓል 16 ዓመት ህጻንን ኣቦ ሓጎኣን ሒዙ ናብቲ ዝተሓበሮም መወከሲ ሆስፒታል ኣብ ዝኸደሉ እዋን ፖሊስ ደው ስለዘበሎ እቲ ካብቲ ቐዳማይ ሆስፒታል ዝተወሃቦም ወረቐት ሕክምና ከርእዮም ፈቲኑ ነይሩ።
እንተኾነ እቶም መገዲ ዝዓጸዉ ኣባላት ፖሊስ ነቲ ናብ መወከሲ ሆስፒታል ክትኸይድ ዝተጽሓፈ ወረቐት እውን ክቕበሉ ኣይከኣሉን።
“ከዘራርቦም ፈቲነ ግን ከኣ ጸማም እዝኒ ሂቦምኒ” ኢሉ ዘዋሪ ታክሲ ኣሮን ኦኪንዶ።
ኣቦሓጎ ናይታ ዝሞተት ህጻን ን40 ደቒቓ መገዲ ተኽልኪሎም ደው ከምዝበሉ ክገልጽ ከሎ፤ ሓደ ኣባል ፖሊስ ግን እታ መኪና ብምኽንያት ምጭንናቕ ትራፊክ ን15 ደቒቓ ደው ክትብል ከምዝተገደደት ንጋዜጣ ዘ ኔሽን ተዛሪቡ።
ናብ ሆስፒታል ምስበጽሑ ድማ “ዶካተር ‘እታ ህጻን ሞይታ እያ ዘላ” ኢሎምና” ክብል ኣቦሓጎኣ ገሊጹ።
ኬንያ ኣብዚ እዋን ዝርግሐ ኮሮናቫይረስ ንምቁጽጻር ብዝብል ካብ ምሸት ካብ ሰዓት 4፡00 (10፡00) ክሳብ ወጋሕታ 10፡00 (04፡00) ዝጸንዕ ኣዋጅ ሰዓታት እቶ እቶ ኣዊጃ ትርከብ።
“እቲ መገዲ እንተዘይዕጸው ነይሩ ህይወት ጓል ጓለይ ምትራፍ ምተኽኣለ” ኢሎም ኣቦሓጎኣ ኣብናይቲ ጋዜጣ ፌስቡክ ኣብ ዝተጠቕዐ ናይ ቪድዮ ዘረብኦም።
ቢቢሲ ኣብቲ ጉዳይ ካብ ፖሊስ መብርሂ ንምረካብ ዘቕረቦ ሕቶ ዛጊድ ምላሽ ኣይረኸበን። ኣብዚ እዋን ከኣ እቲ ጉዳይ ምጽራይ ይግበረሉ ኣሎ።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ፖሊስ ኣብ ዋና ከተማ እታ ሃገር ዝኾነት ናይሮቢ ንቐንዲ መገዲታት ብምዕጻዉ ንሰዓታት ዝጸንሑ ምጭንናቕ ኣሽሓት ሞተረኛታትን ተጓዓዝትን ይረኣዩ ነይሮም።
ሰብመዚ ምስዚ ኩነታት ብዝተሓሓዝ ብዙሕ ነቐፌታታት’ኳ እንተቐረበሎም፤ ነቲ ለበዳ ንምቁጽጻር ኣዋጅ እቶ እቶ ክፍጸም ብጥብቂ ምክትታትል ኣገዳሲ ከምዝኾነ እዮም ዝዛረቡ።
ኣብታ ሃገር ዛጊድ ልዕሊ 161 ሽሕ ሰባት በቲ ቫይረስ ከምዝተትሓዙ ክረጋገጽ ከሎ፤ ቁጽሪ ዝሞቱ ድማ 2700 ሓሊፉ’ሎ።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







