ኣብ መረጻ ኢትዮጵያ ተሳቲፎም ዘይፈልጡ ማሕበረሰብ ኣላጌ

ኣብ ኣላጌ ዝርከብ ቤት ትምህርቲ

ምንጪ ስእሊ, Residents

ካብ ካልኦት ከባቢታት ኢትዮጵያ ብዝተፈለየ ኩነታት፡ ኣብዚ ከባቢ ናይ መረጻ ምንቅስቓስ ኣይረኣይን፡፡ ናይ ሕጹያትን መረጽትን ምዝገባ ኣይተኻየደን፤ ናብቲ ማሕበረሰብ ቀሪቡ '' ናዓይ ምረጹ'' ዝብል ውድብ ይኹን ናይ ውልቀ ተወዳዳሪ'ውን የለን።

እዚ ክስተት ኣብዚ ናይ ሎም ዘበን መረጻ ጥራሕ ዝተርኣየ ዘይኮነስ፡ ኣብቶም ዝሓለፉ ሓሙሽተ መረጻታት እውን እዚ ማሕበረሰብ ዝኾነ ተሳትፎ ኣይነበሮን፡፡ ሕገ መንግስቲ እታ ሃገር፡ ዝኾነ 18 ዓመት ዝመለኦ ዜጋ ክመርጽ ኣለዎ ዝብል'ኳ እንተኾነ፡ እዚ ናይ ምምራጽ መሰል ግን ኣብ ማሕበረሰብ ኣላጌ ተኸቢሩ ኣይፈልጥን፡፡ ንምንታይ?

ኣመሓዳሪ ዘይብሉ ማሕበረሰብ ኣላጌ

ካብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ናብ ኣንፈት ደቡባዊ ምብራቕ 194 ኪሎ ሜትሮ ተጓዒዝካ ከተማ ቡልቡላ ትረክብ፡፡ ካብታ ከተማ 32 ኪሜ ርሒቑ ድማ ኣላጌ ናይ ሕርሻን ኢደ ጥበንብ ኮሌጅ ይርከብ።

ካብ ዝተፈላለየ ከባቢታት እታ ሃገር መጺኦም ኣብ ዙርያ እቲ ኮሌጅ ናብራ ዝመስረቱ ብኣሻሓት ዝቑጸሩ ሰባት እውን ኣለዉ፡፡ ኣብ መንጎ ክልላት ኦሮምያን ደቡብን ዝርከብ እዚ ከባቢ ናብ ዝኾነ ናይ ክልል ምምሕዳር ኣይተኻለለን።ምኽንያቱ አህወዴግ ስልጣን ሒዙ ምምሕዳራዊ ወሰን ክልላት እንትውስን ካብ ክልቲኦም ክልላት ናይ ይግበአኒ ሕቶ ስለዘይተልዓለ'ዩ።

ቴሌቪዥን ኢትዮጵያ ቅድሚ ሰለስተ ዓመታት ኣብ ዝሰርሖ ጸብጻብ፡ እቲ ከባቢ 44 ትርብዒት ኪሎሜትር ስፍሓትን ልዕሊ 10 ሽሕ ነባራይ ከምዘለዎን ብመንግስቲ ፌደራል ከምዝመሓደርን ገሊጹ ነይሩ፡፡

ማሕበረሰብ እቲ ከባቢ ኣገልግሎት ፖሊስ ካብ ክልል ደቡብ፡ ናይ ሕግን ቤት ፍርድን ጉዳያት ድማ ካብ ዞባ ስልጤ ይረክብ፡፡ ናይ 8ይ ክፍሊ ክልላዊ ፈተና ካብ ክልል ኦሮምያ፡ ሃገራዊ መጠቓለሊ ፈተና ድማ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ የዳልወሉ፡፡

ኣብቲ ከባቢ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ናይ መሰናደኦ ትምህርቲ ይጀምር እምበር፡ ናብቲ ብርኪ ዝበጽሑ ተምሃሮ ኣላጌ ግና ክልልኩም ኣብዚ ስለዘይኮነ ኣይትምሃሩን ተባሂሉም ከምዝንከላበቱ ዘዘራረብናዮም ነበርቲ ይገልጹ፡፡ ናብ ኮሌጅ ዘእቱ ነጥቢ ዘምጽኡ ተምሃሮ እውን ተመሳሳሊ ፈተና እዩ ዘጋጥሞም፡፡

''ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዘሎ ኮሌጅ መምህራን ኮተቤ እዩ ብዝተወሰነ ደረጃ ዝሕግዘና፡፡ ናይቲ ኮሌጅ (ኣላጌ) ዲን ደብዳቤ ጽሒፉ፡ ክልል ከምዘይብልና ተረጋጊጹን በብዓመቱ ተምሃሮ ይቕበለልና እዩ'' ይብል ነባሪ እቲ ከባቢ ኣቶ ሹሜ፡፡

ካልእ ዘዘራረብናዮ ሽሙ ከይጥቀስ ዘይደለየ ውልቀ ሰብ ድማ '' ኮተቤ እንድሕር ዘይረኺቡ ካልእ ዕድል የብሉን፤ መሃይም ኮይኑ እዩ ዝተርፍ'' ኢሉ፡፡

ኣብ ኣላጌ ዝርከብ ቤት ትምህርቲ

ምንጪ ስእሊ, Residents

ምስ መረጻ ዘይፋለጥ ከባቢ

ኣቶ ሹሜ ን 41 ዓመታት ኣብቲ ከባቢ ተቐሚጡ እዩ፤ 5 ቆልዑ ድማ ኣፍርዩ፡፡ ኣብ ዝፈላለየ እዋን ኣብቲ ከባቢ ኣብ ዝነበሩ መንግስታዊ ቤት ዕዮታት እውን ሰሪሑ፡፡

''ኣብትን ኣብዝን መረጻ ተኻይዱ ክበሃል ንሰምዕ ኢና፤ እንታይ ከምዝኾነ ግን ኣይንፈልጥን'' ይብል፡፡

ካሊእ ሽሙ ክጥቀስ ዘይደለየ መንእሰይ ብወገኑ ''ነቲ ዝግበር ነገር ከም ተዓዘብቲ ኮይንና ኢና እንርእዮ፡፡ ኣብ ሃገርና እንታይ ይግበር ከምዘሎ ካብ ምርኣይ ወጻእ ተሳተፍቲ ኮይንና ከም መሰል እንገብሮ ነገር የለን፡ ከምዚ ምዃንና የሕዝን'' ብምባል ይገልጽ፡፡

ቅድሚ ሕዚ ናይቲ ኮሌጅ ተምሃሮ፡ ናይቲ ዝመጹእሉ ከባቢ ተወከልቲ ክመርጹ ባይታ ኣጣጢሑ ምንባሩ እቶም ነበርቲ ይዛረቡ፡፡

ካልእ ሽሙ ዘይንጠቕሶ ኣብቲ ከባቢ ንልዕሊ 40 ዓመታት ዝነበረ ወሃቢ ርእይቶ'ውን ኣብ መረጻ ክሳተፍ ድልየት ከምዘለዎን እንተኾነ ዋላ ሓደ ግዜ ነቲ ዕድል ከምዘይረኸበን ይገልጽ፡፡

''ዜግነት ከምዘይብልና ከምዝቑጸር እዩ ዝስመዐኒ'' ኢሉ፡፡

ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባታት ብዛዕባ መረጻ '' ከየልዐልና ተሪፍና ኣይንፈልጥን'' ዝብሉ እቶም ነበርቲ ዛጊት ግን ዋላ ሓደ ፍታሕ ከምዘይተረኸበ ይገልጹ፡፡ ''ኣብ ትሕቲ መንግስቲ ፌደራል ስለዘለኹም ክትመርጹ ኣይትኽእሉን '' ተባሂልና ይብሉ፡፡

ኣብዚ ጉዳይ ቢቢሲ ካብ ቦርድ መረጻ ኢትዮጵያ መልሲ ንምርካብ ዝገበሮ ጻዕሪ ኣይሰመረን፡፡

ካብ ህጻናት ኣምባ ክሳብ ኮሌጅ ሕርሻ

ብኣቆጻጸራ ግእዝ 4 መስከረም 1973፡ ኣብቲ እዋን ኣብ ዝነበረ ክፍለ ሃገር ሽዋ ወረዳ ኣላጌ ናይ ኣብዮታዊ ህጻናት ኣምባ ዝበሃል ትካል ተጣይሹ፡፡ እቲ ብኲናትን ካልኦት ምኽንያታትን ወለዶም ዝሰኣኑ ቆልዑት ንምዕባይ ዝቖመ ትካል ኣብ ሓሙሽተ ከባቢታት ዝተኸፋፈለ ነይሩ፡፡ እቲ ትካል ገዚፍን ሕድሕድ መንደር ናይ ባዕሉ ኣመሓዳሪ ከምዝነበሮም ኣቶ ሹሜ ይዝክር፡፡

ኣቶ ሹሜ ሓዊሱ፡ ኣብቲ ትካል ኣብ ዝነበሩ ዝፈላለዩ ስራሕቲ ንምስታፍ ብኣሻሓት ዝቑጸሩ ሰባት ካብ ዝተፈላለየ ከባቢታት እታ ሃገር መጺኦም፡፡ ብጊዜ ድማ እናተላመዱን ገሊኦም ድማ ተዋሊዶምን ተዛሚዶምን ህይወት ቀጸሉ፡፡

''ኩሉ ካብ ዝተፈላለየ ኣንፈት ዝመጸ እዩ፡፡ ንኡሽቶ ኢትዮጵያ ክትብላ ትኽእል፡፡ ኣብዚ ዘየለ ብሄረሰብ የለን'' ይብል ኣቶ ሹሜ፡፡

እቲ ትካል ክሳብ 1989 ዓ/ም ኣገልግሎት ክህብ ድሕሩ ምጽናሕ ኣብቲ ዓመት ግን እቶም ህጻናት ናብ ካልኦት ማእከላት ተወሲዶም ህጻናት ኣምባ ተዓጽዩ፡፡ ቀጺሉ ኣብ እዋን ኲናት ኢትዮ-ኤርትራ መሐከሚ ጉዱኣት ኲናት ኮይኑ ኣገልጊሉ፤ ኣብ 1994 ዓ/ም ድማ ናብ ኮሌጅ ሕርሻን ኢደ ጥበብን ተቐዪሩ፡፡

እቲ ነዞም ነበርቲ ናይ ምምራጽ መሰል ዝኸልከለ ምሕዳራዊ ገጽ፡ ኣብቶም ነበርቲ ዝተፈላለየ ስምዒት ፈጢሩ እዩ፡፡ ''ከም ኣቕሓ ዝዝክረና የለን'' . . . ''ከም ዜጋ ከመይ ኢለ መሰል ይስእን'' ዝብሉ ቅረታታት ካብ ቃላት እቶም ዘዘራረብናዮም ነበርቲ ኣላጌ ዝሰማዕናዮም እዮም።