እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሜክሲኮ፡ ኣብ ሲቲ ባቡር ብቢንቶ እናሓለፈት እቲ ቢንቶ ስለዝፈረሰ 23 ሰባት ሞይቶም
ሰኑይ ምሸት ኣብ ርእሰ ከተማ ሜክሲኮ፡ ሜክሲኮ ሲቲ፡ ባቡር ትሓልፎ ቢንቶ ባቡር እናሓለፈቶ እንከላ ሮሞቕ ስለዝበለ ብውሕዱ 23 ሰባት ከምዝሞቱ ሰብ መዚ እታ ሃገር ገሊጾም።
እታ ሓያለ ተጎተትቲ ባጎኒታት ዘለዋ ባቡር እቲ ቢንቶ ምስ ፈረሰ ናብቲ ትሕቲ ቢንቶ ዝርከብ ጽረግያ ብምውዳቕ ብውሕዱ ሓንቲ መኪና ከምዝጨፍለቐት'ውን ተሓቢሩ።
ሰራሕተኛታት ህይወት ኣድሕን ካብቲ ሓደጋ ብሕይወት ንዝድሓኑ ኣብ ምውጻእ ይረባረቡ ምህላዎም'ውን ሰብ መዚ እታ ሃገረ ገሊጸም።
ነበርቲ እቲ ከባቢ፡ ኣብቲ ቦታ ኣብ 2017 ምንቕጠቓጥ መሬት ምስ ኣጋጠመ እቲ ቢንቶ ነቒዑ ከምዝነበረ ንመንግስቲ ምሕባሮም ማዕከናት ዜና ሜክሲኮ ኣቃሊሔን።
ሜክሲኮ ኢል ዩኒቨርሳል ዝተባሃለት ጋዜጣ፡ ነበርቲ እቲ ኸባቢ ጥርዓን ምስ ኣቕረቡ መንግስቲ ነቲ ቢንቶ ከምዝጸገኖ ኣብ ዓምድታታ ኣስፊራ ኣላ።
ከንቲባ ከተማ ሜክሲኮ ሲቱ ክላውድያ ሸይንባኡም ናብቲ ቦታ ብኣካል ድሕሪ ምብጻሕ ክሳብ ሕጂ በቲ ሓደጋ 23 ሰባት ሞይቶም ከምዘለዉ ንማዕከናት ዜና ገሊጻ፡ ካብዚ ብተወሳኺ ኣስታት 70 ሰባት'ውን ከቢድን ፎኵስን መጉዳእቲ ኣጋጢምዎም ኣሎ።
ኣብ ውሽጢ እታ ባቡር ዝተቐርቐሩ ሰባት ክህልዉ ስለዝኽእሉ ግን ቁጽሪ ምውታት ካብዚ ዘለዎ ንላዕሊ ክውስኽ ከምዝኽልእ ስግኣት ኣሎ።
ሓንቲ ካብቲ ሓደጋ ብህይወት ዝወጽአት ጓል 26 ዓመት ማረያና፡ ንጋዜጣ ኢል ዩኒቨርሳል ኣብ ዝሃበቶ ቃል "ብርቱዕ ድመጺ ሰሚዕና፡ ንዕኡ ስዒቡ ብዘየላቡ ፍጥነት ብትንትን ኢሉ" ኢላ።
ብምስዓብ "ኣብታ ባቢር ብዙሓተ ደው ዝበሉን ኮፍ ዝበሉን ሰባት ነይሮም እዮም፡ እታ ባቡር ቅጽጽ እያ ኢላ ነይራ" ኢላ፡ ንሳ'ውን በቲ ሓደጋ ርእሳ ናብ ናሕሲ ናይታ ባቡር ተጋጭዩ ከምዝደመየት ገሊጻ።
መጓዓዝያ ባቡር ሜከሲኪ ሲቱ ሓደ ኣብ ዓለም ካብ ዝርከቡ ሰፋሕቲ ጽላታት መጓዓዝያ ኮይኑ ኣብ ዓመት 1.6 ቢልዮን ሰባት ካብን ናብን የመላልስ።
ኣብ ሜክሲኮ ሲቲ ኣብ 1975 ብዘጋጠመ ሓደጋ ባቡር'ውን 31 ሰባት ሞይቶም ነይሮም እዮም።