ስደተኛታት ክኾኑ ከምዝኽእሉ ዝተገመቱ ሰባት ዝሓዘት ጀልባ ብምስባራ 3 ሞይቶም

ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ተሳግር ነይራ ክትከውን ከምዝትኽእል ዝተጠርጠረት ጀልባ፡ ኣብ ገማግም ሳንድያጎ ብዘጋጠማ ጸገም ብምስባራ ሰለስተ ሰባት ከምዝሞቱን ካልኦት ብዙሓት ከምዝተጎድኡን ተገሊጹ፡፡

እታ 12 ሜትሮ ንውሓት ዘለዋ ጀልባ፡ ልዕሊ ዓቕማ ሰባት ጽዒና ከምዝበረትን፡ ሰንበት ንጉሆ ናይ ምስባር ሓደጋ ምስ ኣጋጠማ ኣስታት 30 ሰባት ናብቲ ማይ ከምዝወደቑን ሰበስልጣን ኣፍሊጦም።

ብዝተኻየደ ወፍሪ ምድሓን ድማ ሸውዓተ ሰባት ካብቲ ባሕሪ ከምዝወጹን ጉድኣት ዝበጸሖም ‘ውን ሓገዝ ከምዝተገበረሎም ተገሊጹ።

ካፒቴን ናይታ ጀልባ ብዘይሕጋዊ ምዝውዋር ሰባት ተጠርጢሩ ኣብ ቁጽጽር ኣትዩ ከምዘሎ እቶም ሰበስልጣን ዝሓበሩ ኮይኖም፡ ዜግነት እቶም ስደተኛታ ግን ዛጊድ ኣይተፈለጠን፡፡

ካበቶም ኣብ ምድሓን እቶም ስደተኛታ ዝሳተፉ ሰባት ዝኾነ ሪክ ሮሜሮ፡ ሓገዝ ክገብሩ ናብቲ ከባቢ እንትበጽሑ እታ ጀልባ ‘‘ ተሰባቢራ ነይራ’’ ብምባል ኣዝዩ ሕማቕ ኩነታት ኣየር ከምዝነበረ ተዛሪቡ፡፡

ካብቲ ከባቢ ዝተወሰዱ ምስሊታት፡ ዓበይቲ ስባራት እታ ጀልባ ኣብ ወሰን እቲ ባሕሪ ወዲቖም የርእዩ፡፡

እታ ጀልባ ካበይ ከምዝመጸት ዛጊድ ከምዘይፈለጡ ዝገለጹ ሰበስልጣን እቲ ከባቢ፡ ብዙሓት መሰል ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ዘዘዋውራ ጀልባታት ግን ካብ ሜክሲኮ ከምዝብገሳ ተዛሪቦም፡፡

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 2020፡ በዝሒ ምስ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት ተተሓሒዙ ኣብ ቀይዲ ዝውዕላ ጀላቡ ብ92 ምኢታዊት ከምዝወሰኸ እዩ ዝግለጽ፡፡

ኣብ ዝሓለፈ ሓሙስ ሓለውቲ ዶብ ኣመሪካ፡ ኣብ ንኡሽተይ ጀልባ ዝተጽዓኑ 6 ደቂ ኣንስትዮን 15 ደቂ ተባዕትዮን ሜክሲካውያን ፡ ኣብ ኣብ ገማግም ባሕሪ ሳንዲያጎ ከምዝሓዙ ኣፍሊጦም ነይሮም፡፡

እቶም ስደተኛታት ናብ ኣመሪካ ዘእቱ ሕጋዊ ፍቓድ ዘይብሎም እንትኾን፡ ኣሰጋገርቲ ከምዝኾኑ ዝተጠርጠሩ ክልተ ሰባት ናይ ፌደራል ክሲ ከምዝምስረቶም ሓቢሮም።