ሜክሲኮ፡ ኣብ ሲቲ ባቡር ብቢንቶ እናሓለፈት እቲ ቢንቶ ስለዝፈረሰ 23 ሰባት ሞይቶም

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ሰኑይ ምሸት ኣብ ርእሰ ከተማ ሜክሲኮ፡ ሜክሲኮ ሲቲ፡ ባቡር ትሓልፎ ቢንቶ ባቡር እናሓለፈቶ እንከላ ሮሞቕ ስለዝበለ ብውሕዱ 23 ሰባት ከምዝሞቱ ሰብ መዚ እታ ሃገር ገሊጾም።
እታ ሓያለ ተጎተትቲ ባጎኒታት ዘለዋ ባቡር እቲ ቢንቶ ምስ ፈረሰ ናብቲ ትሕቲ ቢንቶ ዝርከብ ጽረግያ ብምውዳቕ ብውሕዱ ሓንቲ መኪና ከምዝጨፍለቐት'ውን ተሓቢሩ።
ሰራሕተኛታት ህይወት ኣድሕን ካብቲ ሓደጋ ብሕይወት ንዝድሓኑ ኣብ ምውጻእ ይረባረቡ ምህላዎም'ውን ሰብ መዚ እታ ሃገረ ገሊጸም።
ነበርቲ እቲ ከባቢ፡ ኣብቲ ቦታ ኣብ 2017 ምንቕጠቓጥ መሬት ምስ ኣጋጠመ እቲ ቢንቶ ነቒዑ ከምዝነበረ ንመንግስቲ ምሕባሮም ማዕከናት ዜና ሜክሲኮ ኣቃሊሔን።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ሜክሲኮ ኢል ዩኒቨርሳል ዝተባሃለት ጋዜጣ፡ ነበርቲ እቲ ኸባቢ ጥርዓን ምስ ኣቕረቡ መንግስቲ ነቲ ቢንቶ ከምዝጸገኖ ኣብ ዓምድታታ ኣስፊራ ኣላ።
ከንቲባ ከተማ ሜክሲኮ ሲቱ ክላውድያ ሸይንባኡም ናብቲ ቦታ ብኣካል ድሕሪ ምብጻሕ ክሳብ ሕጂ በቲ ሓደጋ 23 ሰባት ሞይቶም ከምዘለዉ ንማዕከናት ዜና ገሊጻ፡ ካብዚ ብተወሳኺ ኣስታት 70 ሰባት'ውን ከቢድን ፎኵስን መጉዳእቲ ኣጋጢምዎም ኣሎ።

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ኣብ ውሽጢ እታ ባቡር ዝተቐርቐሩ ሰባት ክህልዉ ስለዝኽእሉ ግን ቁጽሪ ምውታት ካብዚ ዘለዎ ንላዕሊ ክውስኽ ከምዝኽልእ ስግኣት ኣሎ።
ሓንቲ ካብቲ ሓደጋ ብህይወት ዝወጽአት ጓል 26 ዓመት ማረያና፡ ንጋዜጣ ኢል ዩኒቨርሳል ኣብ ዝሃበቶ ቃል "ብርቱዕ ድመጺ ሰሚዕና፡ ንዕኡ ስዒቡ ብዘየላቡ ፍጥነት ብትንትን ኢሉ" ኢላ።
ብምስዓብ "ኣብታ ባቢር ብዙሓተ ደው ዝበሉን ኮፍ ዝበሉን ሰባት ነይሮም እዮም፡ እታ ባቡር ቅጽጽ እያ ኢላ ነይራ" ኢላ፡ ንሳ'ውን በቲ ሓደጋ ርእሳ ናብ ናሕሲ ናይታ ባቡር ተጋጭዩ ከምዝደመየት ገሊጻ።
መጓዓዝያ ባቡር ሜከሲኪ ሲቱ ሓደ ኣብ ዓለም ካብ ዝርከቡ ሰፋሕቲ ጽላታት መጓዓዝያ ኮይኑ ኣብ ዓመት 1.6 ቢልዮን ሰባት ካብን ናብን የመላልስ።
ኣብ ሜክሲኮ ሲቲ ኣብ 1975 ብዘጋጠመ ሓደጋ ባቡር'ውን 31 ሰባት ሞይቶም ነይሮም እዮም።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







