እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኤማ ኮሮሬል፡ ኣመሪካ ብ 'ምስግጋር ዕጸ ፋርስ' ንዝጠርጠረታ በዓልቲ ቤት ኤል ቻፖ ኣሲራ
በዓልቲ ቤት ኣብ ማእሰርቲ ዝርከብ ፍሉጥ ሜክሲካዊ ኣሰጋጋሪ ሓሽሽ "ኤል ቻፖ" ጉዝማን፡ ብምስግጋር ዕጸ ፋርስ ተጠርጢራ ኣብ ቀይዲ ከም ዝኣተወት ሰብ መዚ ኣመሪካ ገሊጾም።
ጓል 31 ዓመት ኤማ ኮሮኔል ካብ ዋሽንግተን ዲሲ ውጽእ ኢልካ ኣብ ዝርከብ ዓለምለኻዊ መዓርፎ ነፈርቲ ዱሌስ እያ ኣብ ቀይዲ ኣትያ።
ኮኬይን፣ ሜታምፌታሚን፣ ሄሮይንን ማሪዋንን ኣብ ምዝውዋር ኣብ ዝነበረ ውዲት ተሳትፎ ኣለዋ ዝብል ክሲ ቀሪቡላ ኣሎ።
ኣብ'ዚ ሕጂ እዋን ጉዝማን ብምዝውዋር ሓሽሽን ዘይሕጋዊ ገንዘብን ኣብ ኒውዮርክ ንሕልፈት ተፈሪድዎ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ይርከብ።
ሓላፊ ሲናሎዋ ዝበሃል ጉጅለ ምስግጋር ሓሽሽ ዝነበረ ወዲ 63 ዓመት ጉዝማን፡ ናብ ኣመሪካ ልዑል መጠን ሓሽሽ ዝእቱ ዝነበረ ኢሎም ሰብ መዚ ኣመሪካ ይኸሱዎ።
ብ 2019 ኣብ ዝተኻየደ መጋብኣያ፡ "ኤል ቻፖ" ዕጸ ፋርስ ብምዝውዋር ጥራሕ ዘይኮነ፡ ካልእ ጉጅለታት ንዝነበሩ መቐናቕንቱን ይቐትል፡ ከምኡ ድማ ንቆልዑ 13 ዓመት ኣዋልድ ሓሽሽ እናሃበ ይዕምጽ ነይሩ ብዝብል'ዩ ተፈሪዱ።
በዓልቲ ቤቱ 'ውን ብቪድዮ ኣብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ዲሲ ከም እትቐርብ ቤት ጽሕፈት ፍትሒ ኣመሪካ ኣፍሊጡ።
ኣብ ክሊ እቲ እትኽሰሰሉ ዘላ ውዲት ምስግጋር ዕጸ ፋርስ፡ ብ2015 በዓል ቤታ ካብ ቤት ማእሰርቲ ሜክሲኮ ኣብ ምህዳም ተሓባባሪት ነይራ ብዝብል ትኽሰስ።
"ኤል ቻፖ" ካብ'ቲ ተኣሲሩሉ ዝነበረ ጽኑዕ ቤት ማእሰርቲ ሜክሲኮ ብምትሕግጋዝ ደቁ እዩ ኣምሊጡ።
ደቁ ኣብ ጥቓ እቲ ቤት ማእሰርቲ መንበሪ ገዛ ዓዲጎም፡ ጂፒኤስ ዘለዎ ሰዓት ብሕቡእ ናብ'ቲ ቤት ማእሰርቲ ድሕሪ ምእታው ኤል ቻፖ ዝተኣሰረሉ ንጹር ቦታ ምስረኸቡ፡ ካብ'ቲ ዝዓደግዎ ገዛ ናብ'ቲ ቤት ማእሰርቲ ውሽጢ ንውሽጢ ብምኹዓት፡ ብፍሉይ ዝተሰርሐት ሞተር ብሽክለታ ገይሩ ክሃድም እዮም ገይሮምዎ።
ሰነዳት ቤት ፍርዲ ኣመሪካ ከም ዘመላኽቱዎ ድማ፡ በዓልቲ ቤቱ ብ2017 ናብ ኣመሪካ ቅድሚ ምትሕልላፉ ካብ ቤት ማእሰርቲ ንክሃድም ንካልእ ውዲት ትዳሎ ነይራ ይብሉ።
ንሳ ግን ክሳብ ሕጂ ኣብ ዝቐረቡላ ክስታት ዝሃበቶ ርእይቶ የለን።
ኤማ ኮሮኔል ዜግነት ኣመሪካን ሜክሲኮን ዘለዋ ኮይና ኣደ መናቱ ቆልዑት'ያ።