ኣብ ዓለም፡ ዕጸ ፋርስ ብምዝውዋር ዝፍለጥ ውልቀ ሰብ ኣብ ኣምስተርዳም ተታሒዙ

ኣብ ዓለም ቁጽሪ ሓደ ኣሰጋገሪ ዘይሕጋዊ ዕጸ ፋርስ ኣብ ኣምስተርደም ከምዝተትሓዘ ተገሊጹ።

ናይ ማእሰርቲ መትሐዚ ትእዛዝ ዝወጸሉ ካብ መንግስቲ ኣውስትራልያ ምዃኑ ይግለጽ።

ትሲ ቺ ሎፕ ተባሂሉ ዝጽዋዕ መዐወኒ ዕጽ ብምዝውዋር ዝፍለጥ እዚ ፍሉጥ በዓል ሃፍቲ፡ ተወላዲ ቻይና እንተኾነ'ኳ፡ ዜግነቱ ግና ካናዳዊ እዩ።

ኣብ ውሽጢ ኤስያ፡ ዋጋ 70 ቢልዮን ዶላር ዝግመት ዕጽ ዘንቀሳቕስ ኩባንያ ኣለዎ።

ኣብ ዓለም ተደለይቲ ካብ ዝኾኑ ሰባት ሓደ ዝኾነ እዚ ውልቀ ሰብ፡ ኣብ ኣምስተርዳም መዕርፎ ነፈርቲ ሺፖል እዩ ኣብ ቀይዲ ኣትዩ።

ኣውስትራልያ እቲ ውልቀሰብ ተመሓላሊፉ ክወሃባን፡ ከይዲ እቲ ፍርዲ ድማ ኣብ ኣውስትራልያ ክካየድን እያ ትደሊ።

ፌዴራል ፖሊስ ኣውስትራልያ፡ ናብታ ሃገር ካብ ዝኣቱ ዘይሕጋዊ ዕጽ 70 ሚኢታዊት፡ ሳም ጎር ሲንዲኬር ተባሂሉ ብዝፍለጥ እዚ ኩባንያ ትሲ ቺ ዝሽፈን እዩ ኢሉ።

ነዚ ወዲ 56 ዓመት ምስ ሜክሲኮኣዊ 'ኤል ቻፖ' ዘመሳስልዎ ሰባት ኣለዉ።

ፖሊስ ኣውስትራልያ፡ ንልዕሊ ዓሰርተ ዓመት ነዚ ውልቀ ሰብ ክሕዝ ክሃድኖ ጸኒሑ።

ካብ ፖሊስ ዝተውሃበ መግለጺ ከምዘርእዮ፡ ኣብ ኔዘርላንድስ ናይ ማእሰርቲ ትእዛዝ ዝወጽአሉ ቅድሚ ክልተ ዓመት በመገዲ ኢንተርፖል እዩ ነይሩ።

ፖሊስ ኔዘርላንድስ፡ "ኣብ ዓለም ብሕጊ ካብ ዝደለዩ ሓደ እዩ። ብዝበጽሐና ሓበሬታ ድማ ኣብ ቀይዲ ክነእትዎ ክኢልና" ኢሉ ኣብ መግለጺኡ።

ሮይተርስ፡ ቅድሚ ክልተ ዓመት ኣብ ዝሰርሖ ናይ መርመራ ጸብጻብ፡ "ኣብ ኤስያ ቁጽሪ ሓደ ተደላዪ" ኢልዎ ነይሩ፡ ንትሲ ቺን ።

ሮይተርስ ኣብ ጸብጻቡ፡ ኣብ 2018 ጥራይ፡ ሜታፌታሚን ብዝበሃል ኣደንዛዚ ዕጽ መሸጣ ጥራይ 17 ቢልዮን ዶላር ኣታዊ ከምዝረኸበ፡ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ገሚቱ ነይሩ።

እዚ ብመሸጣ ዕጽ ጎይታ ዝኾነ ውልቀሰብ ኣብ ቀይዲ ንምውዓል፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ኣህጉራት ክፍለ ዓለም፡ ዝርከቡ 20 ዝኾኑ ትካለት ድሕነትን ስለላን ከምዝተሳተፉ'ውን እቲ ጽሑፍ ኣረዲኡ።

እቲ ውልቀሰብ፡ ኣብ ቀረባ ዓመታት ኣብ ማካው፣ ሆንግኮንግን ታይዋንን ይነብር ነይሩ።

ኣብ 1990ታት ድማ፡ ኣብ ኣመሪካ ዘይሕጋዊ ዕጽ ብምዝውዋር ክሲ ተመስሪትዎ ን9 ዓመታት ተኣሲሩ ነይሩ ተባሂሉ።

ሚድያታት ኣውስትራልያ፡ ፌዴራል ፖሊስ እታ ሃገር ኣብ ክልተ ዓሰርተ ዓመታት ዘመዝገቦ ዓብዪ ዓወት ክብላ ንኢደን።