እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሊብያ ዕሉል ኣዘዋዋሪ ሰባት ኣብ ቀይዲ ኣውዒላ
ሰበስልጣን ሊብያ ብዘይሕጋዊ ናይ ሰባት ዝውውር ብኢንተርፖል ክድለ ዝጸንሐ ውልቀ ሰብ ኣብ ትሪፖሊ ከም ዝኣሰርዎ ገሊጾም፡፡
ሕጋዊ መንግስቲ ሊብያ ነቲ ብቢጃ ዝፍለጥ ኣብዲ ኣልራህማን ኣልማሊድ ዝተባህለ ውልቀ ሰብ እዩ ትማሊ ረቡዕ ከም ዝኣሰሮ ኣፍሊጡ፡፡
ንነዊሕ ዓመታት ነታ ሃገር ዝመርሐ ሙዓመር ጋዳፊ ኣብ 2011 ዓ.ም ካብ ስልጣን ካብ ዝእለ ሰላም ስኢና እትርከብ ሊብያ፡ ካብ ቀረባ ዓመታት ናብዚ ቀንዲ መገዲ ናብ ኣውሮጳ ዝግበር ጉዕዞ ስደተኛታት ኮይና እያ፡፡
ብተወሳኺ ኣብታ ሃገር ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ግህሰት ይፍጸም ከም ዘሎ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ይሕብሩ፡፡
ኤምባሲ ፈረንሳ ኣብ ሊብያ ንማእሰርቲ ማሊድ ‘‘ዘይሕጋዊ ዝውውር ሰባት ንምቅላስ ጽቡቕ ዜና እዩ’’ ክብል ገሊጹ፡፡
ኣብዲ ኣል-ራህማን ኣል-ማሊድ መን እዩ?
ኣል-ሚላድ ሓላፊ ሓለዋ እቲ ምስ ግህሰት መሰል ስደተኛታትን ዘይሕጋዊ ዝውውር ሰባትን ተተሓሒዙ ዝለዓል፡ ሰሜን ምዕራባዊ ገማግም ከተማ ዛውያ ከም ዝነበረ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ይገልጽ፡፡
ኣብ 2017 ድማ ሰብሞያ ሕቡራት ሃገራት፡ ንዕኡ ካልኦት ሓለውቲ ገማግም ባሕሪ ሊቢያን ስደተኛታት ዝጸዓና ጀልባታት ተኲሶም ክጥሕላ ከም ዝገበሩ ገሊጾም፡፡
ብተወሳኺ ኣብ ከተማ ዛውያ ስደተኛታት ዝጋፍዑሉ ቤት ማእሰርቲ ከም ዝኸፈተን ቀንዲ ተሓባባሪ ዘይሕጋዊ ንግዲ ነዳዲ ከም ዝኾነን ገሊጾም፡፡
ካብ 2014 ናብዚ ልዕሊ 20 ሽሕ ስደተኛታት ባሕሪ ሜዲትራንየን ከቋርጹ ከም ዝሞቱ ዓለማዊ ቤት ጽሕፈት ስደተኛታት ይገልጽ፡፡