እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ስድራ ድምጻዊ ሃጫሉ ሁንዴሳ ኣብ ጉዳይ ፍርዲ ቅሬታ ከምዘለዎም ገሊጸም
ስድራ ውሩይ ድምጻዊ ሃጫሉ ሁንዴሳ፡ በቲ ንቕትለት ሃጫሉ ኣመልኪቱ ዝግብር ዘሎ መርመራን ናይ ቤት ፍርዲ ኣካይዳን ዘለዎም ርኢቶ ኣካፊሎሙና ኣለዉ።
ንእሽተይ ሓዉ ንድምጻዊ ሃጫሉ ሁንዴሳ፡ ሲሳይ ሁንዴሳ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕተት "ንትሽዓተ ወርሒ ከይተዛረብና ስቅ ኢልና ዝጸናሕናሉ፡ ዝኾነ ኣካል ካብ ሞት ሃጫሉ ፖሎቲካዊ መኽሰብ ንኸይረክብ ኢልና ኢና" ኢሉ።
ምስ ሞት ድምጻዊ ሃጫሉ ሁንዴሳ ተተሓሒዙ ዝግበር ዘሎ መርመራን ኣካይዳ ናይቲ ቤት ፍርድን ኣመልኪቱ ኸኣ "ፖሎቲካዊ ጸወታ'ዮም ዝጻወቱ ዘለዉ: እዚ ኩልና ስድራ ንፈልጦ ኢና" ኢሉ።
ኣብዚ ትሽዓተ ኣዋርሕ ወሲዱ ዘሎ መስርሕ ፍርዲ "ናብ መጋባእያ ከይኣትዉ ምኽልካልን ካልእ ስጉምትታትን" ኣብ ልዕሊ እቲ ስድራ ክውሰዱ ምጽንሖም ሲሳይ ይሕብር።
ንመስርሕ ፍርድን ክስን ዝካታተልዎ ዘለዉ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፌዴራልን ኣኽባሪ ሕግን ብወገኖም እቲ መስርሕ ፍርዲ ንሕገ መንግስቲ እታ ሃገር ተኸቲሉ ይካየድ ምህላዉ'ዮም ዝገልጹ።
ድምጻዊ ሃጫሉ ሁንዴሳ ብኣቆጻጽራ ግእዝ 22 ሰነ 2012 ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ መኪንኡ እዩ ተቐቲሉ።
በቲ ቕትለት ዝተጠርጠሩ ኣርባዕተ ሰባት ክሲ ተመስሪትዎም ጉዳዮም ብቤት ፍርዲ ይረአ ኣሎ።
ካብቶም ተኸሲሶም ዝነበሩ ራብዓይቲ ተኸሳሲት ላምሮት ከማል ኮይና፡ ብነጻ ክትፍኖ: ሳልሳይ ተኸሳሲ ኣብዲ ኣለማየሁ ከኣ ብ10 ሽሕ ብር ዋሕስ ክፍታሕ ቤትፍርዲ ወሲኑ እዩ።
ቀዳማይ ተኸሳሲ ጥላሁን ያሚ ብቐጥታ ቅትለት ሃጫሉ ሁንዴሳ ምፍጻሙ ዘረጋግጽ ብቑዕ ናይ ሰብ ኮነ ናይ ሰነድ መርትዖ ስለዘይተረኽበ ክሱስ ነቲ ክሲ ክኸላኸል ቤትፍርዲ ምውሳኑ ይዝከር።
ኣብቲ መዝገብ ካልኣይ ተኸሳሲ ዝኾነ ከበደ ገመቹ ምስ ቀዳማይ ተኸሳሲ ጥላሁን ያሚ ብምዃን ነቲ መቕተልቲ ብምፍጻሙ ክከላኸል ተወሲኑ እዩ።
እንተኾነ ግና ከበደ ገመቹ ምስ ቀዳማይ ተኸሳሲ ጥላሁን ያሚ "ጉድኣት ኣውሪድና ንስረቆ" ብምባል፤ ዝምታ ንምፍጻም ብምስምማዕ ሓቢሩ ምኻዱ ከም ዝተረጋገጸ ተሓቢሩ እዩ።
ስለዚ ነቲ ተግባር ተዳልዩ ከምዘይፈጸሞ ብምግላጽ እቲ ጉዳይ ብገበናዊ ሕጊ 1996 ዓንቀጽ 540 ክረአ ብይን ተዋሂቡ።
ሳልሳይ ተኸሳሲ ኣብዲ ኣለማየሁ ኣብ ቅትለት ሃጫሉ ብቐጥታ ከም ዝተሳተፈ ዘረጋግጽ መርትዖ ኣይተረኸቦን፤ እንተኸነ ግና: ነቲ ቕትለት ርእይዎ ክንሱ ንፖሊስ ዘይምሕባሩ ናይ ዋሕስ መሰሉ ተሓልዩ ካብ ደገ ጉዳዩ ክከታተል ቤትፍርዲ ወሲኑ ኣሎ።
ስድራን ኣኽባሪ ሕግንከ እንታይ ይብሉ?
ሓዉ ንሃጫሉ፡ ሲሳይ ኩሉ ስድራ እቲ ቕትለት ብሳልሳይን ዘይሻራውን ዝኾነ ኣካል ክምርመር ድሌት ከምዝነበሮም እዩ ዝሕብር።
እንተኾነ ነዚ ሓሳቦም እዚ ከቕርብሉ ዝኽእሉ መገዲ ኩሉ ተዓጽይዎም ምንባሩ ንቢቢሲ ሓቢሩ።
ውሃቢ ቃል ላዕለዋይ ኣኽባሪ ሕጊ ኣቶ ኣወል ሱልጣን ነቲ ስድራ ሃጫሉ ዘቕረብዎ ቅሬታ ክምልስ እንከሎ፡ ካብ ፖሊስን ኣኽባሪ ሕግን ንላዕሊ ዘይሻራዊ ኮይኑ ነዚ ቕትለት ክርኢ ዝኽእል ካልእ ኣካል ከምዘየለ እዩ ዝገልጽ።
ልዕሊ ዓቕሚ እዞም ኣካላት ዝኾነ ነገር ምስ ዘጋጥም፡ ንፈተውቲ ሃገራት ጸዊዕካ ሓገዘን ከበርክታ ዝግብረሉ ኣጋጣሚ ከምዘሎ ዝሕብር ውሃቢ ቃል ላዕለዋይ ኣኽባሪ ሕጊ ኣቶ ኣወል ሱልጣን፡ ምስ ቕትለት ሃጫሉ ተታሓሒዙ ዝግብር ዘሎ መርመራን መስርሕ ቤት ፍርድን ግና ሓገዝ ዘሕትት ኣይኮነን ኢሉ።
ንሱ ወሲኹ "ስድራ ሃጫሉ ከምዚ ዓይነት ሕቶ ምልዓሎም ጌጋ ዘይክኸውን ይኽእል እዩ" እኳ እንተበለ ተግባራዊ ክኸውን ዘፍቅድ ሕጊ ግን ከምዘየለ የረድእ።
ብዛዕባ ቕትለት ሃጫሉ ዝተገበረ መርመራ ፍልይ ብዝበለ መልክዕ ቅልጡፉን ተሪርን ምንባሩ ዝሕብር ኣቶ ኣወል ሱልጣን ኣብ መስርሕ መርመራ ስድራ ሃጫሉ ዝርከብዎም የድልዩ እዮም ዝተብሃሉ ዘሳተፈ ምንባሩ ጠቂሱ።
"ኣብ መስርሕ እቲ ፍርድን መርመራን ምስ ስድራ ሃጫሉ ጽቡቕ ዝኾነ ርከብ እዩ ነይርና" ኢሉ።
እቲ መስርሕ መርመራ ተሪር ምንባሩ ንኸረድእ ኸኣ፡ ካብ ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ኣብ መርመራ ገበን ልዑል ብቕዓት ዘለዎም ከምኡ'ውን ካብ ላዕላዋይ ኣኽባሪ ሕጊ ኸኣ ዳይረክተራት መርመራ ገበን ዝርከብዎም ካብ ኩሉ ዝተዋጽኡ መርመርቲ ዘሳተፈ ምንባሩ ሓቢሩ።
ምስ ሃጫሉ ኣብ ሓደ ገዛ ዝነብር ዝነበረ ሓዉ ንሃጫሉ ሲሳይ፡ ሃጫሉ ዝተቐተለሉ ምሸት ብፖሊስ ተኣሲሩ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ከምዝሓደረን ንግሆ ከምዝፈትሕዎን ንቢቢሲ ገሊጹ።
ምስ ተፈተሐ፡ ኣብታ ሓዉ ዝተቐተለላ ምሸት እንታይ ከምዝተፈጸመን እንታይ ከምዝረኣየን ዝሓተቶ ኣካል ከምዘየለ ብምሕባር እቲ መስርሕ መርመራ ንስድራ ሃጫሉ ዘሳተፈ ከምዘይነበረ ከምኡ'ውን ስድራ ሃጫሉ ጉቡእ ዝኾነ መስርሕ መርመራ ተኻይዱ ኢሉ ከምዘይኣምን ገሊጹ።
"ንኣብነት እኹል ምርትዖታት ዘለዎን ሃጫሉ ምስ ሰብ መራኸቢ ዝጥቐመላ ተሌፎኑ ኣብ ኢድ መርመርቲ እያ ዘላ፡ ኤግዚቢት ተታሒዙ ዝነበረ እዩ ኢሎም ኣብ ዝመለሱልና 480 ሽሕ ብርን ከም ቅያር ዝጥቀመላ ዝነበረ ቴሎፎንን መሊሶሙልና እዮም።
"እንተኾነ እታ እኹል ሰነድ ዘለዋ ቴሌፎንን ከምኡ'ውን ሽጉጥ ናይ ሃጫሉ ኣብ ኢዶም እዩ ዘሎ፡ እታ ቴሌፎን ብዘይምኽንያት ኣይኮኑን ዘይመለሱልና ኢልና ኢና ንሓስብ" ይብል ሲሳይ።
ስድራ፡ ሃጫሉ ኣብቲ ተቐቲልዎ ዝተብሃለ ቦታ ምቕታሉ ከምዘጠራጥሮምን "ሕጂ ብዘሎ ኩነታት ፍትሒ ክንረክብ ኢና ኢልና ኣይንሓስብን ኢና" ዝብል ግምት ከምዘለዎም ሲሳይ ይሕብር።
ውሃቢ ቃል ላዕለዋይ ኣኽባሪ ሕጊ ኣቶ ኣወል ሱልጣን ብወገኑ ቴሌፎን ሽጉጥን ናይ ሃጫሉን ከምኡ'ውን ኣብታ መኪና ዝነበረ ኩሉ ዓይነት ንብረት እኹል መርመራ ከምዝተገበረሉ እዩ ዝገልጽ።
ብዛዕባ እቲ ስደራ ኣይተመለሰልናን ዝብልዎ ዘለዉ ንብረት ኸኣ፡ ብጀካ እቲ ቤት ፍርዲ ኣብ መስርሕ ክርክር ኣድላዪ እዩ ዝበሎ ንብረት ዝተረፈ ኩሉ ንስደራ ከምዝተረከበ ገሊጹ።
ሓዉ ንሃጫሉ ሲሳይ ንቢቢሲ ከምዝሓበሮ "ንዓና ተስፋ ዘቑረጸና ነገር ንጽባሓይቱ፡ ንዓኣ [ራብዓይቲ ተኸሳሲት ላምሮት ከማል] ምኽሳስ ኣይድልይን እዩ እቲ ትፈልጦ ነገር እንተነጊራትና ክትፍታሕ ትኽእል እያ ተባሂሉ መግልጺ ምስ ተውሃበ'ዩ" ይብል።
ሲሳይ፡ ራብዓይቲ ተኸሳሲት ምስ ቕትለት ሃጫሉ ምትሕሓዝ ኣለዋ ኢሉ ከምዝኣምን እዩ ዝገልጽ።
እንተኾነ "ንሳ ከይትሕተት ዝኾነ ተዋስኦ ክስራሕ ጸኒሑ'ዩ" ይውስኽ።
"እዚ መስርሕ ተዋስኦ እዩ፡ ብድኹማት ሰባት ዝተጻሓፈ ተዋስኦ፡ ድኹማት ሰባት ዝዋስእዎ ድራማ፡ ኣይኮነንዶ ንሕና ሓውና ዝተጎድኣና ዝኾነ ብማዕዶ ኮይኑ ዝዕዘብ'ውን ዝንዕቆ ድራማ እዩ" ይብል ሲሳይ።
"ሕጂ ዝኽየድ ዘሎ መስርሕ ፍርዲ ኬድካ ኬድካ ናብቲ ቀዳማይ ተከሳሲ ንኽትጥቕለል እዩ ዝግበር ዘሎ" ስድራ ብምልኡ: ቤት ፍርዲ ዘይሻራዊ ኮይኑ ነቲ መስርሕ ይፍጽሞ ኣሎ ኢሎም ከምዘይኣምኑ ድሕሪ ምግላጽ "ሰብ ሓቂ ከይሓትት ንኽፈርሕ ንድሕሪት ንኽምለስ ብዙሕ ነገር ተገይሩ እዩ" ኢሉ።
"ሰብ ዓይኑ እናረኣየ ድራማ ካብ ዝስርሓሉ፡ ገዲፍናዮ ኣለና ኢሎም ነቲ መስርሕ እንተዝገድፍዎ ምሓሸ" ዝብል ሲሳይ "ቤት ፍርዲ ካብዚ ጉዳይ ኢዱ የልዕል" ኢሉ።
"እዚ ክብል እንከለኹ፡ ምሉእ ንምሉእ ነቲ ጉዳይ ገዲፍዎ ይውጻእ ዘይኮነስ ካብዚ ዝካየድ ዘሎ ፖሎቲካዊ ጸወታ ይተኣለ፡ እቲ መርመራ ዘይሻራዊ ብዝኾነ ኣካል ምስ ተመርመረ ቤት ፍርዲ ኸኣ ሻራ ከይሓዘ ይርኣየልና ኢና ንብል ዘለና" ብምባል መብርሂ ሂቡ።
ውሃቢ ቃል ላዕለዋይ ኣኽባሪ ሕጊ ኣቶ ኣወል ሱልጣን ካልኣይን ሳልሳይን ተኸሰስቲ ነብሶም ክከላኸሉ ዝተብሃለሉ ሕጂ'ውን እቲ መስርሕ ፍርዲ ስለዘይተወደአ፡ ምስ ተወደአ ይግባይ ዝሕተቶ እንተኾይኑ ክግበር ከምዝከኣል ኣብሪሁ።
ራብዓይቲ ተኸሳሲት ብነጻ ምስንባታ ኣብ ዝምልከት ኸኣ ኣኽባሪ ሕጊ ናብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ይግባይ ኢሉ ቆጸራ ተዋሂብዎ ከምዘሎ እዩ ዝገልጽ።
እቲ ትፈታሕ ዝብል ብላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ዝተውሃበ ውሳነ ከምዝጸንሕ ተገይሩ ሕጂ'ውን ራብዓይቲ ተኸሳሲት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምእትርከብ ውሃቢ ቃል ላዕለዋይ ኣኽባሪ ሕጊ ኣቶ ኣወል ሱልጣን ይሕብር።
ራብዓይቲ ተኸሳሲት ብዛዕባ እቲ ቕትለት ትፈልጦ ነገር እንተሓቢራ ንሳ ኣብ ልዕሊ እቶም ቐንዲ ገበን ዝፈጸሙ ከም ምስክር ኮይና ክትቐርብ ልሙድ ምኳኑን ዓቓቢ ሕጊ'ውን ነዚ ምርኩስ ብምግባር ነቲ መግለጺ ከምዝሃበ ኣቶ ኣወል ሱልጣን ይሕብር።
ኣቶ ኣወል ሱልጣን "እንተኾነ ኣብ መስርሕ መርመራ ንሳ ኣብቲ ቕትለት ኢድ ከምዘለዋ ዘርኢ መርትዖ ስለዝረኸብና ተኸሳሲት ገይርና ናብ ቤት ፍርዲ ኣቐሪብናያ ኢና" ይብል።
ካብዚ ብምብጋስ ኣኽባሪ ሕጊ ንሳ ንኽይትኽሰስ ዝገበሮ ነገር ከምዘየለ ኣቶ ኣወል ሱልጣን ይጠቅስ።
ኣብዚ ጸብጻብ ንላምሮት ከማል ወይ'ውን ጠበቓኣ ዘለዎም ሓሳብ ንምምላእ ዝገበርናዮ ጻዕሪ ኣይሰመረልናን፡ እንተኾነ ኣብ ዝኾነ ግዜ መልሶም ንምቅላሕ ድልዋት ኢና።
ቤት ፍርዲኸ እንታይ ይብል?
ፕረዚደንት ናይቲ ንመስርሕ ፍርዲ ዝከታተል ዘሎ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፌደራል ኣቶ ብርሃነመስቀል ዋቅጋሪ ብዛዕባ እቲ ብስድራ ድምጻዊ ሃጫሉ ሁንዴሳ ቀሪቡ ዘሎ ቅሬታ ንቢቢሲ መልሲ ሂቡ ኣሎ።
ኣቶ ብርሃነመስቀል፡ እቲ ቤት ፍርድን ነቲ መስርሕ ዝኸታተሉ ዘለዉ ፈራዶን ካብ ናይ ዝኾነ ኣካል ሻራ: ሓራ ኮይኖም ነቲ መስርሕ ይከታተልዎ ከምዘለዉ እዩ ዝገልጽ።
እንተኾነ ይብል ኣቶ ብርሃነመስቀል "እንተኾነ ኣብ ስርዓተ ፍትሒ: ቤት ፍርዲ በይኑ ኣይኮነን ዝሰርሕ፡ ፖሊስ ይምርምር፡ ዓቓቢ ሕጊ ይኸስስ ድሕሪ እዚ እዩ ፍርዲ ዝመጽእ" ይብል።
"ካብ መጀመርታ ፖሊስ ከመይ እዩ መርመራ ኣካይዱ፡ ዓቓቢ ሕጊኸ በየናይ ኣገባብ እዩ ክሲ መስሪቱ፡ ነቲ ክሲኸ ከመይ እዩ መስሪትዎ ዝብሉ ነገራት ኣለዉ: ኩሉ እዚ ናብ ቤት ፍርዲ ቀሪቡ ስለዝረአ እቲ ዝቐርብ ቅሬታታት ናብ ቤት ፍርዲ እዩ ዝመጽእ" ይብል።
ኣቶ ብርሃነመስቀል ብምስዓብ "ዳኛታት ነጻን ዘይሻራውያንን ኮይኖም ኣብ ሕጊ ተሞርኵሶም'ዮም ስርሖም ዘካይዱ ዘለዉ" ኢሉ።
ራብዓይቲ ተኸሳሲት ላምሮት ብነጻ ምውጻኣ ስድራ ሃጫሉ ንዘቕርብዎ ዘለው ቅሬታ ኣመልኪቱ ኸኣ "ቤት ፍርዲ ንዝቐረበሉ ነገራት እዩ ዝመዝን፡ ቤት ፍርዲ ነቲ ዝቐረበ መርትዖታት ምርኩስ ብምግባር እዩ ብይኑ ዝህብ ካልእ እንታይ ክገብር ይኽእል?" ዝብል መልሲ እዩ ሂብሉ።
ኣቶ ብርሃነመስቀል ብዛዕባ እቲ መስርሕ መርመራን መስርሕ ፍርድን ናይ ሃጫሉ ሁንዴሳ ብዝምልከት ቤት ፍርዲ ዝኾነ ዝቐረቦ ቅሬታ ከምዘየለ ብምሕባር "ዝኾነ ቅሬታ ወይ ዘይምዕጋብ እንተሃልዩ ሎሚ፡ ጽባሕ፡ ድሕሪ ጽባሕ ኩሉ ግዜ ማዕጾና ርሑው'ዩ" ኢሉ።
ስድራ ሃጫሉ ሁንዴሳ መርመራን መስርሕ ፍርድን ቕትለት ሃጫሉ ብዘይሻራዊ ኣካል ይርኣየልና ምባሎም ብዝምልከት ኸኣ ኣቶ ብርሃነመስቀል "ቤት ፍርዲ ሓደ እዩ፡ ካልእ ሓዲሽ ዝቐውም ቤት ፍርዲ የለን፡ ኣብዚ ዘሎ ቤት ፍርዲ እምነትና ከነላሕልሕ የብልናን" ኢሉ።