ድምጺ ሚልዮናት ዝነበረ ሃጫሉ ሁንዴሳ፡ ኣብ ሓደ ወርሑ እንትዝከር

ብብዙሓት ኣድነቕቱ ዝፍቶ ስነ-ጥበባዊ ሃጫሉ ሁንዴሳ፡ ሰነ 15/2012 ዓ/ም [ብኣቆጻጽራ ግእዝ] እዩ ንመወዳእታ ግዘ ኣብ መስኮት ተሌቬዝን ኦኤምኤን ዝቐረበ።

ድሕሪ ሓደ ሰሙን 22/2012 ምሸት ድማ ዜና ቕትለቱ ተሰሚዑ፤ 24/2012 ከኣ ኣብ ዝተወለደላ ከተማ ኣምቦ ስርዓተ ቀብሩ ተፈፂሙ።

ቅትለት ሃጫሉ ንሚልዮናት ዘሰንበደ፣ ዘሕዘነን ዘቖጠዐን ኣጋጣሚ እዩ። ነቲ ቅትለት ስዒቡ ብዝተፈጠረ ናዕቢ ድማ፡ ህይወት ልዕሊ 200 ሰባት እንትጠፍእ፡ ናይ ብዙሓት መንበሪ ኣባይትን ንብረትን ኣሽሓት ሰባት ድማ ዓንዩ እዩ።

ምስቲ ስዒቡ ዝተፈጠረ ናዕቢ ብዝተሓሓዝ ልዕሊ 7 ሽሕ ሰባት ከምዝተኣሰሩ መግለፂ ሰብመዚ እታ ሃገር የረድእ።

ቃለ-መሕተት ኦኤምኤን

ስነ-ጥበባዊ ሃጫሉ ሁንዴሳ ቅድሚ ምቕታሉ ቅድሚ ሓደ ሰሙን ምስ ኦሮሚያ ሚድያ ኔትዎርክ ዝገበሮ ቃለ-መሕተት ነይሩ።

ሃጫሉ ንመወዳእታ ግዘ ንህዝቢ ዝተርኣየ'ውን ኣብዚ ቃለ-መሕተት እዩ።

ሃጫሉ ኣብዚ ቃለ-መሕተት፡ ብፍላይ ብዛዕባ ሓወልቲ ሃጸይ ሚኒሊክ ኣመልኪቱ ዝሃቦም ርኢቶታት ኣዘራራቢ ኮይኑ ነይሩ።

23 ሰነ፡ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ ናይ ኦኤምኤን ቢሮ፡ ብፌደራል ፖሊስ እታ ሃገር ተፈቲሹን ተዓፅዩን።

ንሃጫሉ ሁንዴሳ ንመወዳእታ ጊዜ ቃለ-መሕተት ዝገበረ ጋዜጠኛ ጉዮ ዋሪዮ'ውን ተኣሲሩ።

ኣብቲ ዕለት፡ ኮሚሽነር ኮሚሽን ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ፡ ጌቱ አርጋው፡ ኣብ ሃገራዊ ቴሌዥን ቀሪቡ፡ በቲ ገበን ዝተጠርጠሩ ገለ ሰባት ኣብ ቀይዲ ከምዝኣተዉ ኣፍሊጡ።

ቅትለት ሃጫሉ፡ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ክቃላሕ ዝጀመረ ግን ካብ ሰዓት 5፡30 ጀሚሩ እዩ ነይሩ።

ሃጫሉ፡ ብጥይት ምስተወቕዐ፡ ናብ ሆስፒታል ጥሩነሽ ቤጂንግ ተወሲዱ ዝነበረ ኾይኑ፡ ካብኡ ድማ ሬስኡ ንምርመራ ናብ ሆስፒታል ጳውሎስ ተልኢኹ ነይሩ።

ቁጠዐን ዕግርግርን

ቀትለት ሃጫሉ ሁንዴሳ ስዒቡ፡ ብፍላይ ኣብ ኣዲስ ኣበባን ኣብ ዝተፈላለዩ ከተማታት ኦሮምያን ህዝባዊ ቁጥዐን ጎንጽታትን ተራእዮም።

ኣብ ጽባሒትኡ ድማ፡ ኣብ ከም ከተማታት ኣዳማ፣ ጅማን ጭሮን ሰልፍታት ተቓውሞ ተኻይዶም እዮም።

ናብ ከተማታት ምዕራብን ምብራቕን ኦሮምያ ዝወስዱ መንገድታት ድማ ተዓጽዮም ነይሮም።

ብፍላይ ኣብ ከባብታት ባሌን ኣርሲን፡ ገለ ዓሌታውነትን ሃይማኖታውነትን ተንጸባሪቕዎ ዝተብሃለ ጎንጺ ተልዒሉ፤ ህይወት ሰባት ሓሊፉ፣ ንብረት ድማ ዓንዩ።

'ኣዲስ ኣበባ እዩ ዝቕበር'

ሬሳ ሃጫሉ ሁንዴሳ ብኣሻሓት ዝቑጸሩ ሰባት ተዓጂቡ ካብ ኣዲስ ኣበባ ክንቀሳቐስ ምስ ጀመረ 'ኣበይ ይቀበር?' ብዝብል ዘይምርድዳእ ተፈጢሩ።

ሰበ ስልጣን መንግስቲ፡ ፍቓድ ስድርኡ እዩ ብምባል፡ ሃጫሉ ኣብ ከተማ ኣምቦ ክቕበር ይደልዩ ነይሮም።

ፈተውቲ ናይቲ ስነጥበባዊ ድማ፡ ሓመድ ድብኡ ኣብ ርእሰ ከተማ እታ ሃገር ክፍጸም ኣለዎ ዝብል ሓሳብ ኣልዒሎም።

ሬሳ ኣርቲስት ሃጫሉ፡ ናብ ኣምቦ ኣብ ጉዕዞ እንተሎ፡ ብመሰረት ጽዕንቶ እቶም መናእሰይ ናብ ኣዲስ ኣበባ ተመሊሱ ኣብ ማእከል ባህሊ ኦሮሞ ንዝተወሰኑ ሰዓታት ጸኒሑ።

ካብኡ ግን፡ ብድፍኢት መንግስቲ ብሆሊኮፕተር ተጻዒኑ ናብ ጥቓ ከተማ ኣምቦ ክውሰድ ተገይሩ።

ማእሰርቲ በዓል ጃዋር መሓመድን በቀለ ገርባን

መንግስቲ ነቲ ሬሳ ናብ ኣምቦ ምስ ኣግዓዘ ብኻሊእ ገጽ ድማ፡ ኣብቲ መሰነይታ ዝተረኸቡ በዓል ጀዋር መሓመድን ኣይተ በቀለ ገርባን ኣብ ቀይዲ ውዒሎም።

ፖሊስ ብጽባሒትኡ ከምዝገለጾ፡ ብሓፈሻ ምስ እኒ ጃዋር 35 ሰባት እዮም ተኣሲሮም።

ኣብቲ እዋን ዝቐረበ ክሲ፡ 'በዓል ጀዋር መሓመድ እቲ ሬሳ ናብ ኣምቦ ከይኸይድ ዓንቂፎም-ዝብል እዩ ነይሩ።

ኣብ ጽባሒትኡ ዝተቛረጸ ኣገልግሎት ኢንተርኔት ድማ ንሰለስተ ሰሙናት ተዓጽዩ ጸኒሑ።

ኣምነስቲ ኢንተርናሽልን ካልኦት ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን፡ እቲ ኢንተርኔት ብህጹጽ ክኽፈት ሓቲቶም ነይሮም።

ኣብዪ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ካብ ዝመጽእ፡ ኣብ ዝሓለፉ ልዕሊ 2 ዓመታት፡ ኢንተርኔት እንትዕጾ ንራብዓይ ግዜኡ እዩ።

ኣብ ሓመድ ድበ-ኣምቦ

ሰነ 24፡ ሬሳ ሃጫሉ ኣብ ከተማ ኣምቦ ኣብ ዝበጽሐሉ እዋን፡ ብዝተፈጥረ ጎንጺ ኣኮኡ ንሃጫሉ ሓዊሱ 5 ኣባላት ስድራ ተቐቲሎም።

ካልኦት ሰለስተ ኣባላት ስድራ ድማ፡ ብጥይት ተወቒዖም ጉድኣት ከምዝበጽሖም ሓው ንሃጫሉ ሃብታሙ ሁንዴሳ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

ሰነ 25፡ ስነስርዓት ቀብሪ ድምጻዊ ሃጫሉ ሁንዴሳ ኣብታ ከተማ ውሽጢ ዝርከብ ገዳም ኢየሱስ ቤተ ክርስቲያን ተፈጺሙ።

ኣብ ስታድየም ዩኒቨርሲቲ ኣምቦ ኣብ ዝተኻየደ ምፍናው ሬሳ ሃጫሉ፡ ብሰንኪ ስግኣት ድሕነት ውሕድ ሰብ ጥራሕ ክርከብ እዩ ተፈቒዱ።

ካብ ዝተፈላለዩ ከተማታት ኦሮምያ፡ ክቐብሩ ዝመጽኡ ሰባት፡ ፖሊስ መንብዒ ጋዝ ተጠቒሙ ከምዘባረሮም ገለ ነበርቲ ንቢቢሲ ገሊጾም ነይሮም።

ጥርጡራት ገበን

ሓምለ 3፡ ላዕለወይቲ ዓቃቢት ሕጊ ኢትዮጵያ ወይዘሮ ኣዳነች ኣቤቤ፡ ብቕትለት እቲ ስነጥበባዊ ዝተጠርጠሩ ዝበለቶም፡ ጥላሁን ያሚ፣ ኣብዲ ኣለማዮን ከበደ ገመቹን ዝበሃሉ ሰባት ከምዝኾኑ ጠቒሳ።

ጥላሑን ያሚ ብጥይት ተኲሱ ከምዝቐተሎ ተዛሪባ።

ሰለስቲኦም ውልቀሰባት፡ ኦነግ-ሸኔ ካብ ዝተብሃለ ጉጅለ ዝተውሃቦም ተልእኾ ከምዝፈጸሙ ወሲኻ ሓቢራ።

እንተኾነ፡ ቅድሚ መግለጺ እታ ዓቓቢት ሕጊ፡ ሰብ ስልጣን መንግስቲ ኣብ ልዕሊ 'ጸላእቲ' ዝበልዎም ጉጅለታት፡ ኢድ ምውጥዋጥ ጀሚሮም ነይሮም።

ስለዝኾነ ድማ፡ ኣብ'ቲ ከይዲ ሕቶታት ግልጽነት ኣልዒሉ፤ ብፍላይ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ነቐፌታታት ተሰሚዓም።

ኣምነስቲ ኢንተርናሽናልን ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራትን፡ እቲ ገበን 'ብዘይሻራዊ ኣካል ክጻረ'ን ቅድሚ መርመራ ምጥቕቓን ክተርፍን ሓቲቶም ነይሮም።

ተቓውሞታት ኣብ ዲያስፖራ

ቅትለት ኣርቲስት ሃጫሉ ስዒቡ፡ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ጥራሕ ከይኮነስ ኣብ ካልኦት ክፋላት ዓለም ብፍላይ ድማ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ከተማታት ኣመሪካ፣ ኣብ ከተማታት ኣውሮጳ፣ ኣብ ማእከላይ ምብራቕን ኣውስትራልያን ሰልፍታት ተቓውሞ ተኻይዶም እዮም።

መብዛሕተኦም ተወለድቲ ኦሮሞ ዝርከብዎም እዞም ተቓውሞታት፡ ንስርዓት ኣብዪ ዝቃወሙ ኮይኖም፤ ሰልፈኛታት ንሃጫሉ መንግስቲ ባዕሉ ከምዘቐተሎ ብምኽሳስ ኣብዪ ኣሕመድ ስልጣን ክለቕቕ ዝሓቱ ነይሮም።

ካልኦት ንዓርሶም 'ኢትዮጵያውያን' እናበሉ ዝጽውዑ ሰልፈኛታት ድማ፡ ነቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ዝድግፉን ዓሌት መሰረት ዝገበረ መጥቃዕቲ ጠጠው ክብል ዝሓቱን ነይሮም።

"ወደይ ጅግና እዩ"

ኣይተ ሁንዴሳ ቦንሳ፡ ወዶም እንትዝክሩ፡ "ወደይ ጅግና እዩ፤ ንሓቂ እዩ ዝሞተ" ኢሎም።

ሃጫሉ ካብ ብቖልዕኡ ጀሚሩ ደፋርን ሓቀኛን ከምዝነበረ ዝዛረቡ፡ ኣቶ ሁንዴሳ፡ 'ክቕተል ዝኸኣለ ንወገኑ ተገዳስነት ሰለዘርአየ እዩ' ይብሉ።

"ዘሕርቐኒ ግን ከምኡ ጀጋኑ ብዝኾኑ ዘይኮነስ ብገንዘብ ብዝተገዝኡ ፈራሓት ኣብ መንገዲ ምትራፉ እዩ" ኢሎም።

ብዛዕባ ሃጫሉ

ሃጫሉ ሁንዴሳ፡ ካብ ኣዲስ ኣበባ ንኣንፈት ምዕራብ 100 ኪሎሜትር ርሒቓ ኣብ እትርከብ ከተማ ኣምቦ እዩ ተወሊዱ ዓብዩ።

ኣዲኡ ወይዘሮ ጉደቱ ሆራ፡ ሃጫሉ ካብ ቁልዕነቱ ጀሚሩ ታሪክ ምስማዕን ምዝንታውን ከምዝፎቱ ተረዲአን፡ የተባበዐኦ ከምዝነበራ ብተደጋጋሚ ተዛሪቡ እዩ።

ኣቦኡ ሁንዴሳ ቦንሳ ድማ ኣብ ትምህርቱ ክነፍዕን ዶክተር ወይ ድማ መምህር ዩንቨርሲቲ ክኾነሎም ይደልዩ ነይሮም።

ሃጫሉ ግን ዝንባልኡ ናብ ሙዚቃ እዩ ነይሩ። ኣብ ዓሰርተታት ዕድምኡ እዩ ሙዚቃ ክጻወት ጀሚሩ።

ሃጫሉ፡ ተምሃሪ ካልኣይ ደረጃ ኣብ ዝነበረሉ ኣብ 1998 ተኣሲሩ፡ ንሓሙሽተ ዓመታት ኣብ ማእሰርቲ ኣሕሊፉ እዩ።

ፖለቲካዊ መልእኽቲ ዝሓዘሉን ንቃልሲ ኦሮሞ ዘንጸባርቑን ሙዚቃታት ምድራፍ ደው ከብል መታን ከምዝተኣሰረ እዩ ዝዛረብ ነይሩ።

ንሱ ግን፡ ኣብ ውሽጢ ቤት ማእሰርቲ ኾይኑ'ውን ብዙሓት ግጥምታት ከምዝጸሐፈ እዩ ዝንገር።

ንሚልዮናት መናእሰይ ድምጺ ዝኮኖም ሃጫሉ ፡ 'ሳኚ ሞቲ' ብዝብል ስርሑ እዩ ብዝበለጸ ውሩይ ኮይኑ።

ወዲ 36 ዓመት ሃጫሉ፡ በዓል ሓዳርን ኣቦ 3 ቖልዑን ነይሩ።

ኣርቲስት ሃጫሉ፡ ናብ ህዝቢ ዘይወጽኡ 7 ስራሕቲ ሙዚቃ ከምዘለውዎ ስድርኡ ይዛረቡ።