ብቕትለት ሃጫሉ ሁንዴሳ ዝተጠርጠሩ ሰባት ነቲ ገበን ኣይፈጸምናን ኢሎም

ብቕትለት ሃጫሉ ተጠርጢሮም ቤት ፍርዲ ዝቐረቡ ተኸሰስቲ፡ ነቲ ገበን ከምዘይፈጸሙ ንቤት ፍርዲ ገሊጾም፡፡

እቶም ጥላሁን ያሚ፣ ከበደ ገመቹ፣ ኣብዲ ኣለማየሁን ላምሮት ከማልን ዝተባህሉ ኣርባዕተ ጥርጡራት ነፍሲወከፎም ‘ነቲ ገበን ኣይፈጸምናን፤ ጥፍኣት እውን የብልናን’ ብምባል ሎሚ ንቤት ፍርዲ ተዛሪቦም፡፡

እቶም ጥርጡራት፡ ሎሚ ኣብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፌደራል፡ መጋባእያ ሕግን ጸረ ራዕድን ኣብ ዝቐረቡሉ እዋን እዮም ነቲ ወንጀል ከምዘይፈጸሙ ገሊጾም ዘለዉ፡፡

ቅድም ክብል ካብ ቀዳማይ ክሳብ ሳልሳይ ዘለዉ ተኸሰስቲ ጠበቓ ክገብሩ ዓቕሚ ከም ዘይብሎም ክገልጹ ከለዉ ራብዓይቲ ተኸሳሲት ላምሮት ከማል ድማ ዝውክላ ፍቓደኛ ጠበቓ ክትረክብ ከም ዘይከኣለት ገሊጻ ነይራ፡፡

ቤት ፍርዲ ድማ መከላኸሊ እንተሃልይዎም ከቕርቡን መንግስቲ ጠበቓ ከቑመሎምን ኣዚዙ ንሎሚ ቆጸራ ሂቡዎም ነይሩ።

በዚ መሰረት ነቶም ተኸሰስቲ ዝተመደበ ጠበቓ ቀሪቡ፤ ኮይኑ ግና እቲ ጠበቓ ብመሰረት ሕገ መንግስቲ ኢፌድሪ ዓንቀጽ 20.5፡ ካብ 1ይ ክሳብ 3ይ ንዘለዉ ተኸሰስቲ ክውክሎም ከም ዝኽእልን ን 4ይ ተኸሳሲት ዝተውሃቦ ውክልና ግና ክለዓለሉን ሓቲቱ።

ዓንቀጽ 20.5፡ ተኸሰስቲ ብዝደለይዎ ናይ ሕጊ ጠበቓ ክውከሉ ወይ ጠበቓ ከቑሙ ብዘይ ምኽኣሎም ፍትሒ ዝጎድለሉ ኩነታት እንተጋጥም፡ ካብ መንግስቲ ጠበቓ ክረኽቡ መሰል ኣለዎም ይብል፡፡

እቲ ጠበቓ: ራብዓይቲ ተኸሳሲት ጠበቓ ስኢና እምበር ዓቕሚ ኣይወሓዳን ዝብል ሓሳብ ዘቕረበ ኮይኑ፤ እቲ ቤት ፍርዲ ግን ነቲ ሓሳብ ውዱቕ ብምግባር ክውክላ ኣዚዝዎ'ሎ፡፡

መከላኸሊ ብዝምልከት ድማ፡ እቲ ጠበቓ እቶም ተኸሰስቲ መከላኸሊ ከምዘይብሎም ገሊጹ፡፡

ዓቃቢ ሕጊ፡ ፖሊስ መሰኻኽር ከቕርብ ትእዛዝ ክወሃቦ ንቤት ፍርዲ ዝሓተተ እንትኾን፡ እቲ ቤት ፍርዲ ግን ዓቃቢ ሕጊ ባዕሉ መሰኻኽር ከቕርብ ኣዚዙ፡፡

በዚ መሰረት ካብ 23 ክሳብ 25 ሕዳር/2013 መሰኻኽር ሒዙ ክቐርብ እቲ ቤት ፍርዲ ኣዚዙ'ሎ፡፡

እቶም 4 ተኸሰስቲ ኣብ 1996 ኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ ንዝወጸ መቕጽዒ ሕጊ ዓንቀጽ 32/1 ሀ፡ ከምኡ እውን ገበን ራዕዲ ንምክልኻልን ንምቁጽጻርን ዝወጸ ኣዋጅ ቁጽሪ 1176/2012 ዓንቀጽ 3/2 ብምጥሓስ እዮም ተኸሲሶም ዘለዉ፡፡