እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ፌደራሊስት ኮንግረስ ኦሮሞ፡ ምእሳር ላዕለዎት መራሕቱ ከምዘሻቕሎ ገሊጹ
ላዕለዎት ኣመራርሓ ፌደራሊስት ኮንግረስ ኦሮሞ [ኦፌኮ] ዝኾኑ ጀዋር መሓመድ፣ ኣቶ በቀለ ገርባን ኣቶ ሓምዛ ቦረናን ዝርከብዎም እሱራት ኣብ ቤት ማእሰርቲ 'ማእከላዊ' ከምዝርከቡ እቲ ፓርቲ ኣፍሊጡ።
ምስ ሰነ ስርዓት ቀብሪ ኣርቲስት ሃጫሉ ሁንዴሳ ብዝተኣሳሰር፡ መንግስቲ ኣብ ቀይዲ ዘውዓሎም እዞም ላዕለዎት ኣመራርሓ ዝርከብዎም ብርክት ዝበሉ ኣባላት እቲ ውድብ፡ ዝርከብሉ ጭቡት ኩነታት ግን ምፍላጥ ከምዘይተኽኣለ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት እቲ ውድብ ኣቶ ጥሩነህ ገምታ ንቢቢሲ ገሊጹ።
ካብ መንጎ እቶም ኣብ ቀይዲ ዝወዓሉ ሰባት፡ ጓል ኣቶ በቀለ ገርባን ዘዋሪ መኪንኡን ከምዝርከብዎም ድማ ተፈሊጡ።
ኣብዚ ሕዚ እዋን ምስኦም ብዝዛመድ ጥራይ ብዝሒ እሱራት 40 በጺሑ ከምዘሎ ድማ ኣቶ ጥሩነህ ተዛሪቡ።
ከምኡ'ውን፡ ኣብ መላእ ኦሮምያ ብዝተልዓለ ተቓውሞ ብዝሒ ዝተቐትሉ ልዕሊ እቲ መንግስቲ ዝገለጾ እዩ ኢሉ።
መንግስቲ ክልል ኦሮምያ፡ ትማሊ ነቲ ተቓውሞ ስዒቡ 50 ሰባት ከምዝተቐትሉ እዩ ገሊጹ ነይሩ።
ላዕለዎት ኣመራርሓ እቲ ውድብ ምእሳሮም፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ውድብን ህዝብን ዓብዪ ሻቕሎት ከምዝፈጠረ ኣቶ ጥሩነህ ሓቢሩ።