'ኣብ ሓደ እዋን ኣብ ህይወተይ መጕየዪ ጫማ'ውን ኣይነበረንን' - ዛንታ ፈይሳ ሊሌሳ

"ንቃልሲ 'ቢሊሱማ' (ሓርነት፡ ሰላም፡ ናጽነት)፡ ብፍልይ ዝበለ ኣገባብ ከሐይሎ ክውስን ይዝከረኒ።

እቲ ብነሓሰ 2016 ኣብ ጕያ ማራቶን ሪዮ-ድ'ጃኔሮ ብኸመይ ከም ዝጀመረን፡ ትርጕም ናይ'ቲ ውድድር ክውድእ ከሎኹ ዝተኸስተ ፍጻሜ - ዝተማሳቐሉ ኣእዳወይ ሰፍ ኣቢለ ነቲ መስመር-መዛዘሚ ክሰግር - ክሳብ ሕጂ ይገርመኒ።"

እቲ ምምስቓል ኣእዳዉ ዝፈጠሮ ኣስተጋብኦ ዓቢ ነበረ።

እንሆ ኸኣ ዶ/ር. ስተፋኒ ስተጋል ዝተባህለት ደራሲት ነቲ ዓለም ብምልኡ ዝረኣዮ ፍጻሜ ወሲዳ ብመልክዕ መጽሓፍ ቀሪጻ ኣቕረበቶ ኣላ።

እቲ መጽሓፍ "A Time to be Born - The Feyisa Lilesa Story" (ንኽውለድ ጊዜኡ'ዩ - ዛንታ ፈይሳ ሊሌሳ) ዘርእስቱ ኰይኑ፡ እዚ ዓመት'ዚ ብ 'ረድ-ሲ-ፕረስ' ተሓቲሙ ንመሸጣ ቀሪቡ ኣሎ።

እቲ መጽሓፍ ኣብ ሸሞንተ ምዕራፋት ተኸፊሉ 255 ገጻት ሒዙ ይርከብ።

"ሓደ ካብ'ቶም ጐሊሖም ዝዝከሩኒ ነገራት" ይብል ፈዪሳ፡ "ሞ-ፋራሕ፡ እቲ ብነዊሕ-ዝርሕቀቱ ጕያ ኣብ ዓለም ዝና ዘትረፈ እንግሊዛዊ (ሶማል ዝሞበቈሉ) ጐያያይ ዝሃበኒ ህያብን ምኽርን ይዝከረኒ" ኢሉ።

ወሲኹ፡ "እቲ ጕያ ምስ ኣብቅዐ ሞ-ፋራሕ በቲ ዝወሰድኩዎ ስጕምቲ ተመሲጡ ናይ ጕያ ጫምኡ ከም ህያብ ሃበኒ" ይብል።

'ኣብ ሓደ እዋን ኣብ ህይወተይ ከምዚ ከማኻ'የ ነይረ፡ መጕየዪ ጫማ'ውን ኣይነበረንን' እንዳበለ ዓይኑ ብንብዓት ቍጽርጽር በለ፣ ወሲኹ ድማ 'ብንእሽተይ ነታ ኣብ ጸገም ዝነበረት ሃገረይ ከኣ ንድሕሪት ገዲፈ ክስደድ ተገደድኩ' ዜስምዕ ናይ ኣጆኻ ዘረባ ኣስምዓኒ" እናበለ ፈይሳ የዕልል።

እቲ መጽሓፍ ኣብ ክዉንነት ዝተሞርኰሰ ዛንታ ናይ ሓደ ህቡብ ጐያዪ ጥራይ ኣይኰነን፣ ታሪኽ ሓደ ህዝቢ'ዩ - ታሪኽ ቃልሲ ህዝቢ ኦሮሞ።

ፈይሳ ዝወሰዶ ስጕምቲ - ኣእዳዉ ኣማሳቒሉ ንዓለም ኣቤት ዝበለሉ እዋን - ኣብ ዉሽጢ ኢትዮጵያን ግዳምን ስምዒታት ህዝቢ ኦሮሞን ግዱሳት ሰባትን ቐስቀሰ።

እቲ ድርሰትን ደራሲትን

እቲ መጽሓፍ ብቀዳማይ ኣካል ኢዩ ተጻሒፉ።

እዚ ማለት ፈይሳ ባዕሉ ኣብ ዘዘንተዎ ዝተሞርኰሰ ድርሰት ኰይኑ፡ ብመልክዕ ኣነ እናበለ'ዩ ተጻሒፉ።

ኰይኑ ድማ ኣንባቢ ኢድ ፈይሳ ሒዙ ነቲ ታሪኽ ብቐረባ ብምድህሳስ ምስ'ቶም ዚፈጥሮም ስምዒታት ክብ-ለጠቕ እናበለ ይጕዓዝ ከም ማለት'ዩ።

ተዘክሮታት ፈይሳ ሓያል'ዩ፣ ናብራ ኣብታ ዝዓበየላ ቍሸት፡ መልክዕ-መሬት ከባቢኡ፡ ባህሪ ሕያዎት ወለዱ፡ ክዓቢ ኸሎ ዘስተብሃለሎም ወጽዓታት ...ወዘተ. እናጸብጸበ ከዘንቱ ከሎ ምንባብ መሳጢ ተሞኵሮ'ዩ።

ኣንባቢ መንነት ፈይሳ ከመይ ኢሉ ከም እተሃንጸ ድማ ክርዳእ ይኽእል።

ኵነታት ፈይሳን ኵነታት ህዝቢ ኦሮምን ብዝያዳ ንምርዳእ በቲ ንደራሲት ነቲ ዛንታ ንምጽሓፍ እንታይ ከም ዝደረኻ ንጀምር።

ዶ/ር ስተፋኒ ስተጋል፡ ኣውስትራልያዊት መምህርን ደራስትን፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝነበረትሉ እዋን መርኣያ ተቓውሞ ፈይሳ ምስ ረኣየት'ያ ብዛዕባ ኢትዮጵያ ንምፍላጥ ህርብትና ዘጥረየትን ብዛዕብኡ ንኽትጽሕፍ ከኣ ዝተበገሰትን።

"ኢትዮጵያ ጥንታዊትን ትንግርታዊትን ከምኡ'ውን ምስ ጥሜትን ውግኣትን ዝተኣሳሰሩ ሕልኽልኽ ዝበለ ታሪኽ ዘሎዋ ምዃና ጥራይ ዘይኰነትስ ዓዲ ጐየይቲ ምዃና'ውን ንቀልበይ ዝሰሓበት ሃገር'ያ" ትብል ደራሲት።

"ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ወርሒ ነሓሰ 2016 ኢየ ንመጀመርያ እዋን ከም ወለንተኛ መምህር ኰይነ በጺሐ። ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝኣቶኹሉ መዓልቲ ንጽባሒቱ ዓቢ ሰላማዊ ሰልፊ ተኻየደ፣ ሽዑ'የ ነቲ ህዝቢ ብቐረባ ከጽንዖ ዝጀመርኩ - ህይወቱ ዀነ ቅሬታኡ" ኢላ ወሰኸትሉ።

እቲ እናኸፍአ ዝኸይድ ዝነበረ ኵነታት ኢትዮጵያ - ቅድምን ድሕርን ህጹጽ-ኣዋጅ - ብቐረባ እናጽንዐት ክትስንዶ ጀመረት።

ብዛዕባ ፈዪሳ ኣብ ሪዮ ድ'ጃኔሮ ዘርኣዮ እምቢተኛ መርገጺኡ ስለ ዝዓጀባ ድማ ታሪኹ ንኽትስንድ ምስኡ ኣብ ስምምዕ በጽሐት።

"እቲ ናይ ፈለማ ተሞኵሮ ኢትዮጵያ ዝነበረኒ ዓቕሚ ተዀልኲለ፡ ምስ ፈዪሳ ዝመስረትኩዎ ፍሕሹው ርክብ ብምኽዕባት፡ ምስ ሰባት ዝፈጠርኩዎ ዓንኬላት-ርክብ ብምምዕባል፡ ምስ ብዙሓት ሰባት ዘካየድኩዎ ቃለ-መጠይቓት ብምኽታል ነዚ ዘይርሳዕ ዛንታ ንኸበርክት ከኣልኩ" ትብል ዶ/ር ስተጋል።

ኣብ ልዕሊ ፈይሳ ዘሎዋ ኣድናቖት ብዙሕ'ዩ፣ ምኽንያቱ ብትብዓትን ብኡነተኛነትን ብኵነታቱን ብኵነታት ህዝቢ ኦሮሞን ዝነበሮ ኣፍልጦ ምስኣ ብግልጺ ብምክፋሉ።

21 ነሓሰ 2016

ደራሲት፡ ኣብ መእተዊ መጽሓፋ ዘንበረቶ ናይ ፈይሳ ጥቕሲ ከምዚ የስምዕ፡-

"ብዕለት 21/9/2016፡ ኣብ ኦሊምክ ማራቶን ሪዮ ድ'ጃኔሮ ዝተሳተፍኩሉ እዋን ሕልናይ ዓሪቡ ነበረ።

ኣብ ሓሳበይ እቲ ዉድድር ዘይኰነስ ሓሳብ ናይ'ቶም ብኣማኢት ዝቝጸሩ ኣሰብኡትን ኣንስትን፡ መብዝሕትኦም መሰታታተይ፡ ብዘስካሕክሕ ኣገባብ ብመንግስቲ ዝተቐትሉ ሰባት ነበረ።

ተዘክሮታት ናይ ቀረባ ኣዕሩኽተይ፡ ኣባላት ስድራቤተይ፡ ኣዝማደይ፡ ፈለጥተይ፡ ደቂ ኦሮሞ ብምዃኖም ዝተቐትሉ፡ ኣካሎም ዝጐደሉ፡ ዝተኣስሩ፡ ዝተጨውዩ፡ ዝተሳቐዩ፡ ሰብኣውነቶም ዝተቐንጠጠ ተሰኪመ'የ ዝጐየኹ።

እወ፡ ካብ ቍልዕነተይ ጀሚሩ ኣብ ኣተኣልያ ህዝበይ ዝረኣኹዎን ዝሰማዕኩዎን ፍትሒ-ኣልቦነት፡ ጭፍለቓ፡ ኢሰብኣውነት ተሰኪመ እጐዪ ነበርኩ።

ሎሚ ንክብሪ ናይ'ቶም ዝተሳቐዩን ጌና ዝሳቐዩ ዘሎዉን ክብል ዝተመሳቐሉ ኣእዳወይ ከም መግለጺ ሰላማዊ ተቓዉሞይ ሰፍ ከብል ወሰንኩ።"

ዕለት 21 ነሓሰ 2016፡ ሰንበት መዓልቲ ምዃና'ዩ፡ ኣብ ሪዮ ድ'ጃኔሮ ዝተኻየደ ውድድር ኦሊምፒክ-ማራቶን ኬንያዊ ጐያያይ ኢልዩድ ኪፕቾጊ ኣብ ዉሽጢ 2፡08.44 ቀዳማይ ብምዃን ስለ ዝሰዓረ ኣይኰነትን ትዝከር።

እንታይ ድኣ በቲ ካልኣይ ኰይኑ ተቓውሞኡ ብዝተመሳቐሉ ኣእዳዉ ንዓለም ዘርኣየ ኢትዮጵያዊ ፈይሳ ሊሌሳ'ያ ትዝከር።

እታ መዓልቲ'ቲኣ ኣብ ኣእምሮ ብዙሓት ሰባት ተቐሪጻ ተረፈት።

ብህዝቢ ኦሮም ዘይፈልጥ ንክፈልጥ፡ ኵነታት ህዝቢ ኦሮሞ ድማ ኣብ ግዳም ብዓውታ ከም ዝቃላሕ ገበረት።

ማዕከናት-ዜና ዓለም ዝተማሳቐሉ ኣእዳው ፈይሳ ንኽገልጻ ንኵነታት ህዝቢ ኦሮሞ ክገልጻ ተገደዳ።

እታ ኣብ ኢትዮጵያ ዀይና ነቲ ቅድድም-ጕያ እትከታተል ዝነበረት ኢፍቱ ሙሊሳ፡ በዓልቲ ቤቱ ንፈይሳ፡ ብተቓውሞ በዓል-ቤታ፡ እሞኸኣ ኣብቲ ዝዓበየ ኣህጕራዊ መድርኽ ኰይኑ ክቃወም፡ ኣብ ሻቕሎት ኣተወት።

"ባህሪኡን መርገጺኡን ኣዐርየ ስለ ዝፈልጦ ግን ኣይተገረምኩን ... ኣብ ዉሽጡ ብዙሕ ሕርቃን ስለ ዘሎዎ'ዩ" በለት።

እቲ ዛንታ ፈይሳ፡ ከም ሰቡ፡ ፖለቲካውን ቍጠባውን ማሕበረ-ሰባውን ወጽዓታት ህዝቢ ኦሮሞ የሕምሞ ስለ ዝነበረ ሕርቃኑ እናዛየደ ይኸይድ ከም ዝነበረ ይገልጽ፣ መንግስቲ ንመሬት ኦሮም ኽግብት ክርኢ ኣይጻወሮን ነበረ ይብል።

እቲ ዝቐረበ ዛንታ ፈይሳ ከመይ ኢሉ ነቲ ክእለት ጕያኡ ምስ ሕርቃኑ ሓዋዊሱ ይቃለስ ምንባሩ ኣንባቢ ክርድኦ ይኽእል።

እቶም ምዕራፋት ብሓፈሽኡ

ፈይሳ ብ 1 የካቲት 1990 ኣብ ቱሉ ቡልቱማ ዝበሃል ገጠር (ዞባ ጃልዱ) ተወሊዱ ማል እናጓሰየ'ዩ ዓብዩ።

እዚ ወተሃደር ንክኸውን ሕልሚ ዝነበሮ ቖልዓ ብዛዕባ ንእስነቱን ኣተዓባብያኡን ክገልጽ ከሎ ንኣንባቢ ኣብ መንበር ኣሲሩ'ዩ ዝሕዞ።

ፈይሳ ጅግንነት ኣበበ በቂላን ሃይለ ገብረስላሴን ከይተፈልዮ፡ ካብ ባህልን ልምድን ኦሮሞ ከይረሓቐ፡ ጽዋን ብሂልን ኣቦታቱ እናሰምዐ፡ ደቂ ዓዱ ብኣፍራስ ክጋልቡ እናረኣየ፡ ብቋንቍኡ እናተዛረበ ኢዩ ዓብዩ።

ንቤት-ትምህርቲ ብጕያ ክኸይድን ክምለስን፡ ጐላጕል ዓዱ ጥሒሱ ናብ ናይ ቀዳመ-ቀዳም ዕዳጋታት ክመላለስ፡ ደራሁን ኣባጊዕን ክሸይጥን ክሻይጥን ዘኣመሰሉ ዛንታታት ምንባብ፡ እቲ ጂኦግራፍያዊ ኣቀማምጣን ማሕበራዊ ስርዒታትን ኮማዊ ምትእስሳርን ብምርዳእ እቶም ዛንታት ኣብ ሓንጐል ኣንባቢ ተቐሪጾም ይተርፉ።

እዚ ቀሪቡ ዘሎ ዛንታ ፈዪሳ ምንባብ ብዛዕባ ህይወት ደቂ ኦሮሞ፡ ማለት ብዛዕባ ባህሎምን ልምዶምን፡ እምነቶምን ቋንቋኦምን፡ ድሌቶምን ስሚዒቶምን፡ ብዓቢኡ ኸኣ ታሪኾምን መጻኢ ዕድላቶምን ንምፍላጥ ኣዝዩ ሓጋዚ'ዩ።

ፈዪሳ ኣብ ፖለቲካ ኢትዮጵያ ጠሊቑ ብምእታው ርእይቶታቱ ቅሬታኡን ብግልጺ ኣቕሪቡዎ ኣሎ።

ኣብ ገለ-ገለ ሸነኻት ናይቲ መጽሓፍ ነቶም ዘቕረቦም ዛንታት ንምርድኦምን ምኵምሳዖምን ጊዜ ይወስድ፣ እቲ መጽሓፍ ዓጺፍካ ኮፍ ኢልካ ምስ ሕልናኻ ንምዝራብ'ውን ይዕድም።

ኣብ'ቶም ምዕራፋት ሰፊሮም ዘሎዉ ፍሉያት ዛዕባታት ሓደ-ብሓደ ምጽብጻብ ነቲ ትሕዝቶ ኣሕሊፍካ ከም ምሃብ ክቝጸር ስለ ዝኽእል፡ ነቶም ቀንዲ ተጓንፎታት ካብ ምርቋሕ ሓሊፍና ንኣንባቢ ብፍትሓዊ ዘይኰነ ኣገባብ ክንድርጕሓሉ ኣይግባእን።

እቲ ዛንታ ክንዮ ፈዪሳ ሊሌሳ ሓሊፉ ዛንታ ሓደ ግዙፍ ዞባ ስለ ዝሓቍፍ ኣንባቢ ካብ ምዕራፍ ናብ ምዕራፍ ክሳገር ሓሲቡ ባዕላዊ ፍርዲ ክህበሉ ይግደድ'ዩ።

ብሓጺሩ፡ ፈይሳ ንምንታይ'ዩ ሓያል ሃገራዊ (ኦሮማዊ) ስምዒት ከጥሪ ዝኸኣለ? ካብ ዝተወልደላ ገጠር ናብ 'ፍንፍኔ'(ኣዲስ ኣበባ) ምስ ሰገረ ኣንታይ ኣጓነፎ? ህይወቱ ኣብ ውትህድርና ከመይ ይመስል ነበረ?

ካብ ኣህጕራዊ ቅድድማት እንታይ ክምሃር ከኣለ? ከመይ ኢሉ ኣብታ ንህይወቱን ህይወት ካልኦትን ዝለወጠት መዓልቲ - ምምስቓል ኣእዳዉ - በጽሐ? ኣብ ዓዲ ስደት (ሕ.መ.ኣ.) ዘሕለፈን ክልተ ዓመታት ከመይ ይመስላ?

ስለምንታይ ንኢትዮጵያ ክምለስ ዝወሰነ? ምስ ተመልሰ'ኸ እንታይ ኣጓነፎ? ... ዘኣመሰሉ ሕቶታት ብሰፊሑ መልስታቶም ኣብቲ መጽሓፍ ሰፊሩ ኣሎ።

ኣንባቢ ክግንዘቦ ዘሎዎ ሓቂ'ሎ፣ እቲ ታሪኽ ኦሮምያን ምስኡ ዝተኣሳሰረ ታሪኽ ኢትዮጵያን ምንባብ ነቲ ዝፈልጦ ይሕድሶ፡ ነቲ ዘይፈልጦ ኸኣ ብርቂ ይዀኖ።

ስለዚ ፈይሳ ብህይወቱን ብህይወት መሰልቱን መቕርብኡን ክዛረብ ምንባብ መሳጢ'ዩ ክበሃል ይከኣል።

እቲ ዘገርም ነገር ደራሲት ምስኡ ኮፍ ኢላ ነቲ ዝተሓላለኸ ዛንታ ሓደ ብሓደ፡ ብቀደም ተኸተል፡ እርይ-ቍጽር ኣቢላ ጠርኒፋ ንኣንባቢ ከተቕርብ ብምኽኣላ ልዑል ምስጋና ይግብኣ።

እቲ መጽሓፍ ብቕልጡፍ ምስ ዝትርጐም ሓፋሽ ህዝቢ ንኸንብቦ ዕድል ይረክብ።

ኣብ መጠረስታኡ ፈይሳ ብ 21 ጥቅምቲ ንኢትዮጵያ ይምለስ። ደራሲት ብ2018ን 2019ን 2020ን ዝተኸሰቱ ክዉነታት ብምጥቃስ ሕቶታት ተልዕል።

ሞት ሃጫሉ ሃንዴሳ ብምጥቃስ - እቲ ግኑን ወዲ ኦሮም ደራፋይን ተቓላሳይን - ኣብቲ እዋን ዝሞቱ ሰባት ብምጥቃስ ንሕልሚ ፈይሳ ዝምክት ዛዕባ ተልዕል።

ፈይሳ ካብ ዝምለስ ንደሓር ብኣሽሓት ዝተኣስሩ ደቂ ኦሮም ብምጥቃስ፡ ኣስማት ናይ ጃዋር መሓመድን በቀለ ገርባ ብምርቋሕ ነቲ መጽሓፍ ትድምድሞ።