ኢሬቻ 2013፡ ኣከባብራ በዓል ህዝቢ ኦሮሞ ብስእሊ

ዓመታዊ በዓል ኢሬቻ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይኽበር ኣሎ። በሰንኪ ኮሮናቫይረስ ከምቲ ናይ ዝሓለፉ ዓመታት ብዙሕ ህዝቢ ኣብቲ በዓል ከም ዘይዕደም ቀዲሙ ተገሊጹ ነይሩ። እቲ በዓል ጽባሕ ሰንበት ካብ ኣዲስ ኣበባ 40 ኪሎሜተር ርሒቓ ኣብ እትርከብ ከተማ ቢሾፍቱ’ውን ክኽበር እዩ። ቅድሚ እቲ በዓል ዝተፈላለዩ ምድላዋት ክግበሩ ጸኒሖም ኣለው። ጽኑዕ ሓለዋ ጸጥታ ከም ዘሎ’ውን ይግለጽ።