ልኡል ፊሊፕ፡ ጉዕዞ ሂወቱ ብስእሊ

መስፍን ኤዲንብራ, 1977
መግለጺ ስእሊ, ልኡል ፊሊፕ፡ ኣብ ግሪኽ፡ ኣብ ሓንቲ ኮርፉ ዝተባህለት ደሴት ብ10 ሰነ 1921 ተወሊዶም። ሓረገ-ትውልዶም ድማ ካብ ዴንማርክን፡ ጀርመን፡ ሩስያን ብሪጣንያን ዘጠቓለለ'ዩ።
1px transparent line
ፊሊፕ ኣብ ግዜ ቁልዕነቱ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images / Alamy

መግለጺ ስእሊ, ልኡል ፊሊፕ፡ ንወለዱ ልኡል ኣንድሪው ናይ ግሪኽን ልእልቲ ኣሊስ ናይ ባተንበርግን እንኮ ወዶም'ዮም
ልኡል ፊሊፕ፡ ፈለማ ትምህርቱ ኣብ ፈረንሳ፡ ሰንት ክላውድ፡ ማክጃነት ኣብ ዝተባህለ ኣመሪካዊ ቤት ትምህርቲ'ዩ ጀሚሩ፡ ኣብዚ ስእሊ ድማ ምስ መማህርቱ ይረአ (ካብ ጸጋም ካልኣይ)። ወዲ 7 ዓመት ምስ ኮነ ድማ ምስቶም ኣብ ዓዲ-እንግሊዝ ዝነበሩ እንዳ ማውንትባተን ተባሂሎም ዝፍለጡ ቤተሰቡ ክቕመጥ ከይዱ፡ ኣብኡ ኸኣ ኣብ ሓደ ሳሪ ዝተባህለ ቦታ ቅድመ-ትምህርቲ ተኸታቲሉ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ልኡል ፊሊፕ፡ ፈለማ ትምህርቱ ኣብ ፈረንሳ፡ ሰንት ክላውድ፡ ማክጃነት ኣብ ዝተባህለ ኣመሪካዊ ቤት ትምህርቲ'ዩ ጀሚሩ፡ ኣብዚ ስእሊ ድማ ምስ መማህርቱ ይረአ (ካብ ጸጋም ካልኣይ)። ወዲ 7 ዓመት ምስ ኮነ ድማ ምስቶም ኣብ ዓዲ-እንግሊዝ ዝነበሩ እንዳ ማውንትባተን ተባሂሎም ዝፍለጡ ቤተሰቡ ክቕመጥ ከይዱ፡ ኣብኡ ኸኣ ኣብ ሓደ ሳሪ ዝተባህለ ቦታ ቅድመ-ትምህርቲ ተኸታቲሉ።
ወዲ 16 ዓመት ልኡል ፊሊፕ ኣብ ጎርዶንስታዉን

ምንጪ ስእሊ, PA

መግለጺ ስእሊ, ጸኒሑ ኸኣ ኣብ ሓደ ጎርዶንስታዉን ዝተባህለ ኣሕዳሪ ቤት ትምህርቲ ኣትዩ፡ ብስፖርት ማዕቢሉ።
1px transparent line
ልእልቲ ኤሊሳቤጥ (ካብ ጸጋም ሳልሰይቲ) ምስቲ ሽዑ ሰልጣኒ መኮንን ሓይሊ ባሕሪ ዝነበረ ልኡል ፊሊፕ ናይ ግሪኽን ዴንማርክን (የማናይ ሸነኽ ኣብ ድሕሪት ጻዕዳ ቆቢዕ ሓይሊ ቫሕሪ ገይሩ ዘሎ) ንፈለማ እዋን ብኣካል ዝተራኸብሉ ኣጋጣሚ። እዚ ስእሊ፡ ብ23 ሓምለ 1939፡ ኣብቲ ኣብ ዳርትማውዝ ዝርከብ ኮሌጅ ሓይሊ ባሕሪ ኣብ ዝበጽሕሉ ዝተሳእለ'ዩ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ልእልቲ ኤሊሳቤጥ (ካብ ጸጋም ሳልሰይቲ) ምስቲ ሽዑ ሰልጣኒ መኮንን ሓይሊ ባሕሪ ዝነበረ ልኡል ፊሊፕ ናይ ግሪኽን ዴንማርክን (የማናይ ሸነኽ ኣብ ድሕሪት ጻዕዳ ቆቢዕ ሓይሊ ቫሕሪ ገይሩ ዘሎ) ንፈለማ እዋን ብኣካል ዝተራኸብሉ ኣጋጣሚ። እዚ ስእሊ፡ ብ23 ሓምለ 1939፡ ኣብቲ ኣብ ዳርትማውዝ ዝርከብ ኮሌጅ ሓይሊ ባሕሪ ኣብ ዝበጽሕሉ ዝተሳእለ'ዩ።
መስፍን ኤዲንብራ , ሓይሊ ባሕሪ ንግስነት, ፖርትስማውዝ

ምንጪ ስእሊ, PA

መግለጺ ስእሊ, ኣብ እዋን ካልኣይ ኲናት ዓለም፡ ልኡል ፊሊፕ፡ ምስታ ኤች-ኤም-ኤስ ቫልያንት ዝተባህለት ተመዲቡ ኣብቲ ኲናት ተሳቲፉ። ኣብ 1941 ሓይሊ ባሕሪ ኢጣልያ ኣብ ማያት ግሪኽ ምስተኸርደነ፡ ፊሊፕ ኣዛዚ ናይቲ ነቲ ጸላም ኣብሪሁ ዘቃልዖ ኣሃዱ'ዩ ነይሩ። ኣብቲ ዝግበር ዝበረ ርክባት'ውን ስሙ ተጠቒሱ ነይሩ።
1px transparent line
ምስ ልእሊ ኤሊሳቤጥ ከምዝተሓጽዩ ድማ ኣብ ሓምለ 1947 ብወግዒ ተገሊጹ።

ምንጪ ስእሊ, PA

መግለጺ ስእሊ, ምስ ልእሊ ኤሊሳቤጥ ከምዝተሓጽዩ ድማ ኣብ ሓምለ 1947 ብወግዒ ተገሊጹ።
1px transparent line
ልእልቲ ኤሊሳቤጥን ልኡል ፊሊፕን ኣብ መዓልቲ መርዓኦም ዝተሳእልዎ፡ 20 ሕዳር 1947

ምንጪ ስእሊ, PA

መግለጺ ስእሊ, ብ20 ሕዳር ናይቲ ዓመት ድማ ተመርዕዮም
1px transparent line
መስፍን ኤዲንብራ ካብታ ኣብ ማይ ዝንሸራተተላ ዝነበረ ተሽከርካሪት እናዘለለ እንከሎ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኣብ 1951፡ ኣብ ማርማሪስ፡ ቱርኪ፡ መስፍን ኤዲንብራ ካብታ ኣብ ማይ ዝንሸራተተላ ዝነበረ ተሽከርካሪት እናዘለለ እንከሎ ሓደ ሰኣላይ ስኢልዎ። እቲ እዋን፡ ንመወዳእታ ግዜ ኣዛዚ መርከብ ሓይሊ ባሕሪ ኤች-ኤም-ኤስ ማግቢስ ኮይኑ ዝተመደበሉ'ዩ ነይሩ።
እዚ ድማ፡ እቲ ልኡል ኣብ ውድድር ፍርቂ-ፍጻመ ዋንጫ ሮሃምተን፡ ኣብ ኮውድረይ ፖሎ እናተጻወተ ዘርኢ'ዩ። ሓደ ካብቶም ቀንዲ ተጻወቲ ፖሎ ብሪጣንያ'ዩ ነይሩ።

ምንጪ ስእሊ, PA

መግለጺ ስእሊ, እዚ ድማ፡ እቲ ልኡል ኣብ ውድድር ፍርቂ-ፍጻመ ዋንጫ ሮሃምተን፡ ኣብ ኮውድረይ ፖሎ እናተጻወተ ዘርኢ'ዩ። ሓደ ካብቶም ቀንዲ ተጻወቲ ፖሎ ብሪጣንያ'ዩ ነይሩ።
1px transparent line
እቲ መስፍን፡ ኣብ ጸወታ ክሪኬት'ውን ተገዳስነት ነይሩዎ'ዩ። ኣብዚ ስእሊ፡ እታ ፍሉጣት ተጻወቲ ክሪኬትን ዓዲ-ንግሊዝ ዝነበሩዋ ጋንትኡ፡ ኣንጻር'ታ ብመስፍን ኖርፎልክ ትምራሕ ጋንታ ተጻወቲ ሳሰክስ እናተጻወተ እንኸሎ ይረአ።

ምንጪ ስእሊ, PA

መግለጺ ስእሊ, እቲ መስፍን፡ ኣብ ጸወታ ክሪኬት'ውን ተገዳስነት ነይሩዎ'ዩ። ኣብዚ ስእሊ፡ እታ ፍሉጣት ተጻወቲ ክሪኬትን ዓዲ-እንግሊዝ ዝነበሩዋ ጋንትኡ፡ ኣንጻር'ታ ብመስፍን ኖርፎልክ ትምራሕ ጋንታ ተጻወቲ ሳሰክስ እናተጻወተ እንኸሎ ይረአ።
ልእልቲ ኤሊሳቤጥን ልኡል ፊሊፕን ምስ ኣርባዕተ ደቆም
መግለጺ ስእሊ, እቲ መስፍን ንግስቲን ኣርባዕተ ቆልዑ ነይሮሞም፡ (ካብ ጸጋም) ኤድዋርድ፡ ኣንድሪው፡ ኣንን ቻርለስን፡ ኣብ 1960ታት ዝተሳእልዎ።
ክልቲኦም ሰብ ሓዳር፡ ብሩራዊ እዮበልዮ መርዓኦም ናብቲ ኣብ ስኮትላድ ዝርከብ ቤተንግስነት ባልሞራል ዘሎ ሕርሽኦም ኣብ ዝኸድሉ እዋን።

ምንጪ ስእሊ, PA

መግለጺ ስእሊ, ክልቲኦም ሰብ ሓዳር፡ ብሩራዊ እዮበልዮ መርዓኦም ናብቲ ኣብ ስኮትላድ ዝርከብ ቤተንግስነት ባልሞራል ዘሎ ሕርሽኦም ኣብ ዝኸድሉ እዋን።
ኣብ መወዳእታ ናይቲ ዓመት ድማ፡ ሓንቲ ኮንኮርድ ዝተባህለት ፍልይቲ ናይ መጓዓዝያ ነፋሪት ብልዕሊ'ታ ኣብ ማእከላይ ኣትላንቲካዊ ውቅያኖስ ዝጓዓዙላ ዝነበሩ መርከብ፡ እናወዛወዙላ ሓሊፋ።

ምንጪ ስእሊ, PA

መግለጺ ስእሊ, እቲ ልኡል፡ እታ ንግስቲ ኣብ 1977 ብሩራዊ እዮቤልዮ ንግስነታ ንምብዓል ኣብ ዘካየደቶ ዑደት ኣሰንዩዋ ነይሩ። ኣብዚ ስእሊ'ዚ፡ ክልቲኦም ናብ ኒውዝላንድ ኣብ ዝተጓዕዝሉ እዋን፡ ባህላዊ ክዳን መበቆላውያን ህዝቢ ማኦሪ ተኸዲኖም፡ ነቲ ኣብ ሓደ ኣብ ከተማ ጊዝበን ዝርከብ ናይ ራግቢ ሜዳ ዝተጸምበለ ፌስቲቫል ከፊቶም።
ኣብ መወዳእታ ናይቲ ዓመት ድማ፡ ሓንቲ ኮንኮርድ ዝተባህለት ፍልይቲ ናይ መጓዓዝያ ነፋሪት ብልዕሊ'ታ ኣብ ማእከላይ ኣትላንቲካዊ ውቅያኖስ ዝጓዓዙላ ዝነበሩ መርከብ፡ እናወዛወዙላ ሓሊፋ።

ምንጪ ስእሊ, PA

መግለጺ ስእሊ, ኣብ መወዳእታ ናይቲ ዓመት ድማ፡ ሓንቲ ኮንኮርድ ዝተባህለት ፍልይቲ ናይ መጓዓዝያ ነፋሪት ብልዕሊ'ታ ኣብ ማእከላይ ኣትላንቲካዊ ውቅያኖስ ዝጓዓዙላ ዝነበሩ መርከብ፡ እናወዛወዙላ ሓሊፋ።
ኣብ ነሓሰ 1979፡ ወዲ ሓወብኣ ነታ ንግስቲ ዝኾነ ሎርድ ማውንትባተን፡ ኣይ-ኣር-ኤ ዝተባህለ ዕጡቕ ጉጅለ ሰሜን ኣየርላንድ ብዘጻወዶ ቦምባ ተቐቲሉ። ሽዑ መስፍን ኤዲንብራ ነቲ ዜና ምስ ሰምዐ፡ ነቲ ኣብ ኖርማንዲ ፈረንሳ ዝገብሮ ዝነበረ ምምራሕ ሰረገላ ኣቋሪጹ ናብ ብሪጣንያ ተመሊሱ።

ምንጪ ስእሊ, PA

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ነሓሰ 1979፡ ወዲ ሓወብኣ ነታ ንግስቲ ዝኾነ ሎርድ ማውንትባተን፡ ኣይ-ኣር-ኤ ዝተባህለ ዕጡቕ ጉጅለ ሰሜን ኣየርላንድ ብዘጻወዶ ቦምባ ተቐቲሉ። ሽዑ መስፍን ኤዲንብራ ነቲ ዜና ምስ ሰምዐ፡ ነቲ ኣብ ኖርማንዲ ፈረንሳ ዝገብሮ ዝነበረ ምምራሕ ሰረገላ ኣቋሪጹ ናብ ብሪጣንያ ተመሊሱ።
መስፍን ኤዲንብራ፡ ኣብ ሓርማዝ ተወጢሑ ኣብ ሕዛእቲ ካንሃ፡ 1983, 1983

ምንጪ ስእሊ, PA

መግለጺ ስእሊ, ተፈጥሮን ዕቃበን ንምሉእ ሂወቱ ካብ ዝማረኹ ነገራት'ዮም። ፕረዚደንት ማዕከን ሂወትዘገዳም ዓለም (WWF) ኮይኑ ምምራጹ'ውን ባህርያዊ'ዩ ነይሩ።
ኣብ 1985 እቲ መስፍን ኤዲንብራ፡ በቶም ንኣሽቱ ልኡላት ዊልያምን ሃሪን ዝርከብዎም ኣባላት ቤተሰቡ ተኸቢቡ፡ ብነፈርቲ ዝተዓጀበ ወታሃደራዊ ጽምብል እናተዓዘቡ።

ምንጪ ስእሊ, PA

መግለጺ ስእሊ, ኣብ 1985 እቲ መስፍን ኤዲንብራ፡ በቶም ንኣሽቱ ልኡላት ዊልያምን ሃሪን ዝርከብዎም ኣባላት ቤተሰቡ ተኸቢቡ፡ ብነፈርቲ ዝተዓጀበ ወታሃደራዊ ጽምብል እናተዓዘቡ።
ኣብ 1996፡ ሽዑ ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ዝነበረ ነልሰን ማንዴላ ኣብ ብሪጣንያ ወግዓዊ ምብጻሕ ኣብ ዘካየደሉ፡ ናይ ክብሪ ንግስነታዊ ወታሃደራዊ ሰላምታ እናተገብረሉ እንከሎ ልኡል ፊሊፕ ኣሰንይዎ እናኸደ።

ምንጪ ስእሊ, PA

መግለጺ ስእሊ, ኣብ 1996፡ ሽዑ ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ዝነበረ ነልሰን ማንዴላ ኣብ ብሪጣንያ ወግዓዊ ምብጻሕ ኣብ ዘካየደሉ፡ ናይ ክብሪ ንግስነታዊ ወታሃደራዊ ሰላምታ እናተገብረሉ እንከሎ ልኡል ፊሊፕ ኣሰንይዎ እናኸደ።
ልኡል ፊሊፕ፡ ኣብቲ ንልዕሊ 60 ዓመታት ዝቕጽለ ንግስነታ፡ እንተላይ ኣብቲ ኣብ 2002 ዝጸንበለቶ ወርቃዊ ኢዮቤልዮ ንግስነታ ደጋፊኣ'ዩ ነይሩ።

ምንጪ ስእሊ, PA

መግለጺ ስእሊ, ልኡል ፊሊፕ፡ ኣብቲ ንልዕሊ 60 ዓመታት ዝቕጽለ ንግስነታ፡ እንተላይ ኣብቲ ኣብ 2002 ዝጸንበለቶ ወርቃዊ ኢዮቤልዮ ንግስነታ ደጋፊኣ'ዩ ነይሩ።
ኣብ 1995፡ ዓቕሚ ናኣሽቱ መንእሰያት ንምድንፋዕ ዝዓለመ ሽልማት መስፍን ኤዲንብራ መስሪቱ። ኣብዚ ስእሊ፡ ኣብቲ ኣብ 2010 ኣብ ኤዲንብራ ዝካየደ ምሃብ ወርቃዊ ሽልማት ናይቲ ተበግሶ፡ ምስ መንእሰያት እናተዋዘየ ይርአ።

ምንጪ ስእሊ, PA

መግለጺ ስእሊ, ኣብ 1995፡ ዓቕሚ ናኣሽቱ መንእሰያት ንምድንፋዕ ዝዓለመ ሽልማት መስፍን ኤዲንብራ መስሪቱ። ኣብዚ ስእሊ፡ ኣብቲ ኣብ 2010 ኣብ ኤዲንብራ ዝካየደ ምሃብ ወርቃዊ ሽልማት ናይቲ ተበግሶ፡ ምስ መንእሰያት እናተዋዘየ ይርአ።
ዋላ ምስ ዓበየ'ውን እንተኾነ፡ እቲ መስፍን ካብ ስፖርታዊ ውድድራት ዓዲ ኣይወዓለን፡ ከምዚ ኣብ 2005 ዘካየዶ ምግላብ ሰረገላ።

ምንጪ ስእሊ, PA

መግለጺ ስእሊ, ዋላ ምስ ዓበየ'ውን እንተኾነ፡ እቲ መስፍን ካብ ስፖርታዊ ውድድራት ዓዲ ኣይወዓለን፡ ከምዚ ኣብ 2005 ዘካየዶ ምግላብ ሰረገላ።
ነቶም ኣብ 2011 ቃል-ኪዳን ዝኣሰሩ ወዲ-ወዱ መስፍን ኤዲንብራ ልኡል ዊልያም፡ ኬት ሚድልተንን ደገፎም ንምግላጽ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ኣብ ፊት ቤተንግስነት ተኣኪቦም።, 29 ማዝያ 2011

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, ነቶም ኣብ 2011 ቃል-ኪዳን ዝኣሰሩ ወዲ-ወዱ መስፍን ኤዲንብራ ልኡል ዊልያም፡ ኬት ሚድልተንን ደገፎም ንምግላጽ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ኣብ ፊት ቤተንግስነት ተኣኪቦም።
መስፍን ኤዲንብራ ልኡል ፊሊፕ ኣብ ኣልማዛዊ እዮቤልዮ ንግስነት ንግስቲ ኢዱ እናወዛወዘ፡ ፈለግ ቴምስ፡ ለንደን

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, ድሕሪ 12 ኣዋርሕ ድማ፡ ብ3 ሰነ 2012 እታ ንግስቲ ኣልማዛዊ እዮቤልዮ ኣብ ዘብዓለትሉ እዋን፡ ኣብታ 'ስፒሪት ኦፍ ቻርትወል' ዝተባህለት ውቅብቲ ጃልባ ንግስነት ኣሰንዩዋ ኣብቲ ብማእከል ለንደን ዝሓልፍ ፈለግ ቴምስ ተጓዒዙ። ኣብቲ ብዝናብ ዝተሰነየ ጽምብል ንሱን እታ ንግስትን ብ1000 ጃላቡ ተሰንዮም ነቲ 80 ደቒቕ ዝወሰደ 7 ማይል ጉዕዞ ደው ኢሎም ወዲኦሞ። እንተኾነ ግን፡ ቅድሚ'ቲ ንጽባሒቱ ዝተኻየደ ጽንብል ኣልማዛዊ እዮቤልዮ፡ ናይ ፍሕኛ ረኽሲ ገይሩ ሆስፒታል ኣትዩ ነይሩ።
ድሕሪ ምሕዋዩ ድማ፡ ምስ ጓሉ ልእልቲ ኣን ብምዃን ኣብቲ ኣብ 2012 ዝተኻየደ ውድድርራት ኦሊፒክ ለንደን፡ ጓል-ጓሉ ዛራ ፊሊፕስ እትርከቦ ጋንታ ውድድር ፈረስ ንምስታፍ ኪኢሉ'ዩ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ድሕሪ ምሕዋዩ ድማ፡ ምስ ጓሉ ልእልቲ ኣን ብምዃን ኣብቲ ኣብ 2012 ዝተኻየደ ውድድርራት ኦሊፒክ ለንደን፡ ጓል-ጓሉ ዛራ ፊሊፕስ እትርከቦ ጋንታ ውድድር ፈረስ ንምስታፍ ኪኢሉ'ዩ።
1px transparent line
ኣብ ሰነ 2013፡ እቲ መስፍን፡ መበል 60 ዓመት ጽምብል ንግስነት ናይታ ንግስቲ ንምብዓል ኣብ ቤተክርስትያን ዌስትሚኒስተር ኣብዪ ተሳቲፉ።

ምንጪ ስእሊ, PA Media

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ሰነ 2013፡ እቲ መስፍን፡ መበል 60 ዓመት ጽምብል ንግስነት ናይታ ንግስቲ ንምብዓል ኣብ ቤተክርስትያን ዌስትሚኒስተር ኣብዪ ተሳቲፉ።
ኣብ 2014 ድማ፡ እታ ንግስቲ ኣብ ሰሜን ኣየርላንድ ዑደት ኣብ ዘካየደትሉ ኣሰንዩዋ ተጓዒዙ። ሽዑ ንመዘክር ሂሊስቦሮ ካስል፡ ቤልፋስት እናፈረመ እንከሎ ዝተሳእሎ።

ምንጪ ስእሊ, PA Media

መግለጺ ስእሊ, ኣብ 2014 ድማ፡ እታ ንግስቲ ኣብ ሰሜን ኣየርላንድ ዑደት ኣብ ዘካየደትሉ ኣሰንዩዋ ተጓዒዙ። ሽዑ ንመዘክር ሂሊስቦሮ ካስል፡ ቤልፋስት እናፈረመ እንከሎ ዝተሳእሎ።
ሽግ ዝኽሪ ኣብ ቤተንግስንት ዊንዘር

ምንጪ ስእሊ, PA Media

መግለጺ ስእሊ, ዳግማዊት ንግስቲ ኤሊሳቤጥ ብመስፍን ኤዲንብራ ተሰንያ፡ ንመበል 70 ዓመት ዝኽሪ ዓወት ካልኣይ ኲናት ዓለም ንምጽንባል ካብ ዝተወልዑ ልዕሊ 200 ሽጋት ነታ ቀዳመይቲ ወሊዓ።
እቲ መስፍንን ወዱ ቻርለስን፡ ኣብቲ ኣብ ፖውንድሪ ዝተኻየደ ምምራቕ ሓወልቲ ንግስቲ ዓባይ (ኣዲኣ ንንግስቲ ኤሊሳቤጥ) እናተዋዘዩ: ለንደን: ጥቅምቲ 2016

ምንጪ ስእሊ, PA Media

መግለጺ ስእሊ, እቲ መስፍንን ወዱ ቻርለስን፡ ኣብቲ ኣብ ፖውንድሪ ዝተኻየደ ምምራቕ ሓወልቲ ንግስቲ ዓባይ (ኣዲኣ ንንግስቲ ኤሊሳቤጥ) እናተዋዘዩ።
ኣብ ሚያዝያ 2017፡ ልኡል ፊሊፕ ነታ ንማእከል ክንክን ሓራምዝ ናይቲ ኣብ በደፈርድሼር ዝርከብ መካነ እንስሳ ዊፒስኔድ ዝመረቐት ብዓልቲ ቤቱ ኣሰንዩዋ ኣብ ዝኸደሉ እዋን። ኣብ ዝቐጸለ ግንቦት ግን፡ ምስ ምሉእ ደፍ ናይታ ንግስቲ፡ ኣብ መበል 95 ዓመቱ ወግዓዊ ንጥፈታት ደው ከምዘብል ኣፍሊጡ።

ምንጪ ስእሊ, PA Media

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ሚያዝያ 2017፡ ልኡል ፊሊፕ ነታ ንማእከል ክንክን ሓራምዝ ናይቲ ኣብ በደፈርድሼር ዝርከብ መካነ እንስሳ ዊፒስኔድ ዝመረቐት ብዓልቲ ቤቱ ኣሰንዩዋ ኣብ ዝኸደሉ እዋን። ኣብ ዝቐጸለ ግንቦት ግን፡ ምስ ምሉእ ደፍ ናይታ ንግስቲ፡ ኣብ መበል 95 ዓመቱ ወግዓዊ ንጥፈታት ደው ከምዘብል ኣፍሊጡ።
ኣብ ጎኒ'ታ ንግስቲ ብምዃን እቲ መስፍን፡ ኣብቲ ብ23 ግንቦት 2017 ዝተኻየደ ስነስርዓት ዝኽሪ ናይቶም ኣብ ማንቸስተር፡ ኣብ ምርኢት ኣመሪካዊት ደራፊት ኣርያና ግራንደ ዝተቐትሉ ግዳያት ተሳቲፉ

ምንጪ ስእሊ, PA Media

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ጎኒ'ታ ንግስቲ ብምዃን እቲ መስፍን፡ ኣብቲ ብ23 ግንቦት 2017 ዝተኻየደ ስነስርዓት ዝኽሪ ናይቶም ኣብ ማንቸስተር፡ ኣብ ምርኢት ኣመሪካዊት ደራፊት ኣርያና ግራንደ ዝተቐትሉ ግዳያት ተሳቲፉ
መስፍን ኤድንብራ ልኡል ፊሊፕ፡ ኣብ ታሪኽ ብሪጣንያ እቲ ዝነውሐ ዓመታት ዘገልገለ መጻምድቲ ንጉስ ወይ ንግስቲ ኮይኑ ኣሎ።

ምንጪ ስእሊ, PA Media

መግለጺ ስእሊ, መስፍን ኤድንብራ ልኡል ፊሊፕ፡ ኣብ ታሪኽ ብሪጣንያ እቲ ዝነውሐ ዓመታት ዘገልገለ መጻምድቲ ንጉስ ወይ ንግስቲ ኮይኑ ኣሎ።

ኩሎም ስእልታት ብመሰል ሕትመት ዝተሓለዉ'ዮም