እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣሜሪካዊ ራፐር ዲኤምኤክስ ብዘጋጠሞ ናይ ልቢ ሕማም ሆስፒታል ኣትዩ
ኣሜሪካዊ ናይ ራፕ ሙዚቀኛን ተዋሳእን ዲኤምኤክስ፡ ብሰንኪ ዘጋጠሞ ናይ ልቢ ሕማም ናብ ሆስፒታል ከምዝኣተወ ጠበቕኡ ሙሪ ሪችማን ሓቢሩ።
እቲ ስነ ጥበባዊ ምኽንያት መሕመሚኡ ልዑል መጠን መድሓኒት ስለዝወሰደ ድዩስ ኣይኮነን ብዛዕባ ዝብል ጉዳይ ግን፡ ሓበሬታ ከምዘይብሉ ሪችማን ተዛሪቡ።
ተጠቃሚ መዐወኒ ወልፍታት ከምዝኾነ ዝዝረበሉ ዲኤምኤክስ፡ ብተደጋጋሚ ናብ ናይ ተሃድሶ ማእኸል ኣትዩ ከምዝነበረ ይፍለጥ።
ብናይ ሂፕሆፕ ስራሕቲ ሙዚቃ ልዑል ናእዳ ዝረኸበ ዲኤምኤክስ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ፊልምታት ካብ ምውሳእ ብተወሳኺ ምስ እኒ ጄይ ዚ፣ ጃ ሩል፣ ኢቭን ኤልኤል ኩል ጄን ብሓባር ደሪፉ’ዩ።
ኣብ ስራሕቲ ስነ ጥበብ ንኣስታት 20 ዓመታት ዝጸንሐ ወዲ 50 ዓመት ዲኤምኤክስ፡ ብቕድሚ ትማሊ ናብ ሆስፒታል ከምዝኣተወ 'ዩ ጠበቕኡ ሓቢሩ። “ፈለማ ናይ መተንፈሲ መሳርሒ ተገጢምሉ’ዩ ዘስተንፍስ ነይሩ፣ ሕጂ ግን፡ ብዘይ ናይ መስተንፈሲ መሳርሒ ከተንፍስ ጀሚሩ ኣሎ” ድማ ኢሉ።
ኣቦ 15 ቆልዑት ከምዝኾነ ዝዝረበሉ እዚ ራፐር፡ ቅድሚ ሕጂ ናይ ኵናት መሳርሕታትን መዐወኒ ዕጸ ፋርስን ብምሓዝ፡ ኢሉ’ውን ብሸለልትነት መኪና ብምዝዋር ናብ ቤት ማእሰርቲ ኣትዩ ነይሩ።
ኣብ 2018 ኣቆጻጽራ ፈረንጂ ብምትላል ግብሪ ተኸሲሱ ናብ ቤት ፍርዲ ኣብ ዝቐረበሉ ግዜ፡ ነቲ ተረኛ ዳይና ካብ ናይ ሙዚቃ ስርሓቱ ሓደ ሙዚቃ ስለዝደረፈሉ ማዕኸናት ዜና ኣጀንዳ ገይረንኦ ይፈልጣ እየን። ነቲ ደርፊ ዝሰምዐ ዳይና ብወገኑ “ዲኤምኤክስ ጥዑም ሰብ’ዩ” ድሕሪ ምባል፡ ናይ ሓደ ዓመት ማእሰርቲ ጥራይ ፈሪዱሉ።
ጠበቓ እቲ ውሩይ ራፐር፡ ሪችማን “ኣርል ታሪክ ከዘንቱ ዝኽእል ጥዑም ሰብ’ዩ” ድሕሪ ምባል፡ በቲ ዘጋጠሞ ናይ ጥዕና ጸገም ዓሚዩቕ ሓዘን ከምዝተሰምዖ ተዛሪቡ።