ንኤርትራዊ ኣመሪካዊ ራፐር ኒፕሰይ ሃስል መን ቀቲልዎ?

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 31 መጋቢት፡ ራፐር ኒፕሰይ ሃስል ኣብ ትዊተሩ ነዚ ዝስዕብ ጽሑፍ ጠቂዑ ነይሩ።

ነዛ "ብርቱዓት ጸላእቲ ክህልውኻ፡ ዕድሎት እዩ'' ዝብል መልእኽቲ ዝሓዘት ሓጺር ጽሕፍቲ ምስ ጠቀዐ፡ ድሕሪ 30 ደቓይቕ ተቐቲሉ።

ካብ ናይ ሓለዋ ካሜራ ዝተረኸበ ምስሊ፡ ሓደ ሽጉጥ ዝሓዘ ሰብ ናብ ኒፕሰይ ተጸጊዑ ክትኩስ ከሎ የርእይ። እዚ ድማ ኣብ ኣፍ ደገ እቲ ብኒፕሰይ ዝውነን መሸጢ ክዳውንቲ'ዩ ኣጋጢሙ። እዚ መሸጢ ክዳውንቲ ድማ ኣብ ሎስ ኤንጀለስ እዩ ዝርከብ።

እቲ ውልቀሰብ፡ ተኩሱ ንድሕሪት ከንሳሕብ ይረኣይሞ ተመሊሱ ከኣ ይትኩሰሉ።

እንደገና ናብ ድሕሪት ኣንሳሒቡ ይጸንሕ'ሞ፡ ተመሊሱ መጺኡ ከኣ ናብቲ ራፐር ክትኩሰሉን ብጥይት ርእሱ ክወቕዖን ይረኣይ።

እዚ ቅትለት ኣብ መላእ ዓለም ንዝርከቡ ኣድነቕቲ ናይቲ ፍሉጥ ኤርትራዊ ኣመሪካዊ ራፐር ኤርሚያስ ኣስገዶም (ኒፕሰይ ሃስል) ዘሰንበደ ኮይኑ፡ በዓል ድሬክን ሪሃናን ሓዊሱ ብዙሓት ፍሉጣት ሰባት ሓዘኖም ገለጾም።

ብዙሕ ከይጸንሐ ከኣ፡ ብዛዕባ እቲ ቅትለት ወረታት ብቕልጡፍ ክዝርጋሕ ጀሚሩ።

ቢቢሲ 'ሚስጢር ቅትለት ኒፕሰይ ሃስል' ብዝብል ኣብ ዘቕረቦ ሰነዳዊ ምድላው፡ ንዝተፈላለዩ ሰባት ኣዘራሪቡ ነይሩ።

ኩነታት ህይወትን፡ ሞትን ናይቲ ፍሉጥ ሙዚቀኛ ንምምርማር፡ ንዝፈልጥዎ ሰባት፣ ንፖሊስ ሎስ ኣንጀለስን ኣባላት ጉጅለ ወሮበላታትን ኣዘራሪቡ'ሎ።

ኒፕሰይ ሃስል መን ነይሩ?

ራፐር ኒፕሰይ ሃስል - ትኽክለኛ ስሙ ኤርሚያስ ኣስገዶም - ብ 1985 ኣብ ክሬንሻው ተወሊዱ።

ኣብ ማሕበረሰቡ ከም ጅግና ይረኣይ ነይሩ። ናይ ባዕሉ ሙዚቃ ኣሕታሚ ትካል ዝነበሮ ኮይኑ ኣብ ሙዚቃታቱ ምሉእ መሰል ዋንነት ኣለዎ።

ብስራሕቱ እናተፈለጠ ዝመጽእ ኒፕሰይ ኣብ ትሑት መነባብሮ ዝርከቡ መናእሰይ ዝርብሑሎም ፕሮጀክትታት ሳይንስን ቴክኖሎጂን ይሕግዝ ነይሩ።

"ሰባት ምስ ኒፕሰይ ዘለዎም ርክብ ክሕይል ካብ ዝገበሩ ምኽንያታት እቲ ሓደ 'ከም ጸለምቲ ዘድልየና ኩሉ ባዕልና ክንሃንጽ ኣለና። ብህይወት ንምንባር ኣብ ጸዓዱ ጽግዕተኛታት ክንኸውን የብልናን' ዝብል መልእኽቱ እዩ" ይብል ኣድናቒኡ ቻቮኔ ተይለር።

"ናብቲ ዝሰርሖ ክንሕወስ የተባብዓና ነይሩ። ኩሉ ደርፍታቱ'ውን 'ምሳይ ተጸምበሩ፤ ንማሕበረሰብና በዓልና ነመሓድር' ዝብል ነይሩ" ክብል ወሲኹ ገሊጹ።

ብኻልእ ገጽ ድማ፡ ኣካታዒ ሰብ'ውን እዩ ነይሩ። ብ2018 ኣብ ኢንስታግራም ብዝጠቅዖ ትሕዝቶ፡ ኣብ ልዕሊ ሕደ-ጾታውያን ዘለዎ ዝምቡዕ ኣመለኻኽታ ገሊጹ ብዝብል ተነቒፉን ኣዘራራቢ ኮይኑን ነይሩ።

ምስ ሕጊ ዝተጋጨወሎም ኣጋጣምታት'ውን ብዙሓት እዮም።

ኣብቲ ዝዓበየሉ ከባቢ ምስ ዝነበረ ጉጅለ ወሮበላታት ኣባል ዝነበረ ኒፕሰይ፡ ብዛዕባ እቲ ንሱ ኣብ ዝዓበየሉ ጎደናታት ዘሎ ከቢድ ህይወትን ዝዓበየሉ ልምዲ ወሮበላነትን ኣብ ሙዚቅኡ ገሊጽዎ'ዩ።

ሜታ

ኒፕሰይ ምስ ተቐተለ ብድሕሪ ኣማውትኡ መን'ዩ ዘሎ ኣብ ዝብል ዝተፈላለዩ ሕሜታታት ክስምዑ ጀሚሮም።

ኣካታዕቲ ዝኾኑ ሓሳባት'ውን ተዘርጊሖም። ቀተልቲ ዝተበሃሉ ዝተፈላለዩ ጉጅለታት ተሮቊሖም።

ፖሊስ፣ መንግስቲ፣ ኩባንያታት መድሓኒትን ኢሉሚናቲን ምስ ቅትለቱ ብዝተሓሓዝ ኣስማቶም ተላዒሉ።

ካብ ዝመውት ድሕሪ ቁሩብ ኣዋርሕ፡ ፖሊስ ንኒፕሰይን ንንግዳዊ ንጥፈታቱን ይምርምር ከም ዘሎ ምስ ኣፍለጠ፡ ነቲ ኣብ ጉዳይ ኣማውትኡ ዝቐርብ ዝነበረ ተባራዒ ሓሳባት ነዳዲ ኮይንዎ።

ቤት ጽሕፈት ዓቃቢ ሕጊ ሎስ ኣንጀለስ፡ ንናይቲ ከባቢ ወሮበላታት ከም መዘናግዒ ዘገልግልን ፈተነታት ቅትለት፣ ተኹሲን ዘመተን ዝካየደሉ ብኒፕሰይ ዝውነን መንበሪ ክትትል ከካይደሉ ከም ዝጀመሩ ኣፍሊጦም ነይሮም።

ፖሊስ ሎስ ኣንጀለስ ኣብዚ ጉዳይ ርእይትኡ ክህብ ብተደጋጋሚ ተሓቲቱ መልሲ ክህብ ኣይከኣለን።

ሕጊ ጎደናታት

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ሚያዝያ፡ ፖሊስ ምስ ቅትለት ኒፕሰይ ብዝተኣሳሰር ንወዲ 29 ዓመት ኤሪክ ሆልደር ኣብ ቀይዲ ኣውዒሉ።

ንሱ ብገብን ቅተለት ኒፕሰይ ዝተጠርጠረ እዩ፤ ሆልደር ነቲ ገበን ከም ዘይፈጸመ እዩ ዝገልጽ።

ነቲ ቅትለት ከም ዝፈጸመ እንተተረጋጊጹ ግን ክሳብ ዕድመ ልክዕ ማእሰርቲ ይጽበዮ።

መስርሕ ፍርዲ ሚያዝያ ክጅምር ትጽቢት ይግበር።

እቲ ዝገርም ድማ ኤሪክን ኒፕሰይን ኣባላት ሓደ ጉጅለ [ጋንግ] ምንባሮም'ዩ። ኣብ መጋባእያ ቅድመ-ፍርዲ ካብ ዝቐረቡ መረዳእታታት እቲ ሓደ፡ ቅድሚ ሞት ኒፕሰይ ዝነበሮም ዝርርብ'ዩ።

ኣብቲ ዝርርብ ኒፕሰይ ንኤሪክ ሆልደር 'ስኒች' (ቁጥሚ) ክብል ደጋጊሙ ከም ዝገለጾ ቀሪቡ'ዩ። እዛ 'ስኒች' እትብል ቃል ኣብቲ ብጽሑፍ ዝቐረበ መረዳእታ 24 ግዜ ተጻሒፋ'ላ።

ኣብ ሎስ ኣንጀለስ ናይ ዝርከብ ሓደ 'ጋንግ' ኣባል ዝኾነ ውልቀሰብ ከም ዝሕብሮ፡ ምኽንያት ሞት ኒፕሰይ እዚ ክኸውን ይኽእል'ዩ።

"[ንዝኾነ ሰብ 'ስኒች' ኢልካ ክትጽውዖ] ከቢድ እዩ" ይብል ሴድሪክ።

"ኣዝዩ ሕማቕ ኣገላልጻ እዩ። ነዓይ ከምኡ እንተይልካኒ በቃ ይቐትለካ ኣለኹ" ክብል'ውን ወሲኹ የረድእ።

ኒፕሰይ ጥንቁቅ ከም ዘይነበረ ዝገልጽ ሴድሪክ፡ ዕውት ድሕሪ ምዃኑ'ውን ኣብቲ ዝዓበየሉ ገዛውቲ ምንባር ምቕጻሉ ውሑስ ከም ዘይነበረ እዩ ዝዛረብ።

"ኣብቲ መሸጢ ክዳውንቲ ትካሉ፡ ብዘይ ሓለዋ ክንቀሳቐስ ኣይምተገብኦን" ኢሉ።

"ዕውት ምዃኑ ዓብዪ ነገር'ኳ እንተኾነ ብዙሓት ጸላእቲ'ውን ነይሮምዎ'ዮም። [ንነብሱ] ፍጹም ዘይትንከፍ ሰብ ገይሩ'ዩ ዝሓስብ ነይሩ" ክብል ተዛሪቡ።

ኣባል ፖሊስ ነበር ብርያንት ቤንትለይ፡ ኣብቲ ኒፕሰይ ዝዓበየሉ ገዛውቲ ብዙሕ እዩ ሰሪሑ። ቅትለት እቲ ራፐር፡ ምስ'ቲ ጉጅለ (ጋንግ) ብዝተኣሳሰር ጎንጺ ከም ዝተፈጸመ ይኣምን።

"ነቲ ሰብ ክብሪ ኣይሃቦን። እዚ ድማ እቲ ዝዓበየ ሕጊ እዩ። ኣብ ከምዚ ዓይነት ከባቢ፡ ንሓደ ሰብ ክብሪ ክትከልኦ የብልካን። ከምኡ እንተገይረካ ግን ንነብስኻ ክትሕልዋ ድልው ክትከውን ኣለካ" ክብል የረድእ።

"ሕጊ እዚ ጎደናታት ከምኡ'ዩ። ሕጊ ናይዞም ጉጅለታት ከምኡ'ዩ" ይብል ቤንትለይ።

'ሓደ ካብቶም ብጽቡቕ ዝለዓሉ ሰባት ነይሩ'

ኣቕራብን ኣዳላውን ናይዚ ሰነዳዊ ምድላው ቤን ዛንድ፡ ኒፕሰይ ሓደ ካብቶም ጽቡቕ ስብእና ዘለዎም ሰባት ነይሩ ይብል።

ብዛዕባ ብዙሓት ሰባት ሰነዳዊ ምድላዋት ሰሪሕ እየ፤ ከም ኒፕሰይ ሃስል 'ከም ቅዱስ ዝረኣይ ሰብ' ግን ኣየጋጠመንን ድማ ይብል።

ካብቲ ልሙድ ናይ ፍሉጣት ሰባት ህይወት ዝተፈለየ መገዲ ነይርዎ። ኣብ ኢንስታግራም ብዝሒ ዝኽተልዎ ሰዓብቱ ኣየገድሶን። ኣብ ሓቀኛ ህይወቱ ሰዓብቲ ከፍሪ እዩ ዝደልይ ነይሩ።

ንማሕበረሰቡ ዘይረስዐ፣ ከባቢኡ ዝሓሸ ንምግባር ዝከኣሎ ዝገበረ እዩ። ተፈታዊ ክኸውን ዝኸኣለሉ ድማ በዚ ምኽንያት እዩ።

ኣብ ከባቢኡ ከም መርኣያ ዝግለጽን ተፈታውን ሰብ፡ ብኸመይ ደኣ ዳርጋ 10 ጥይት ተተኩስዎ ኣብ ኣፍ ደገ ናይ ንግዲ ትካሉን ይቕተል?

ኒፕሰይ ምስ ጉጅለታት (ጋንግ) ዝተሓሓዝ ህይወት ዘለዎ ሰብ እዩ።

ኣብ'ዞም ከምዚ ዝኣመሰሉ ጉጅለታት ብዙሓት ሕግታት እዮም ዘለዉ፤ ሓንቲ ጌጋ ከኣ ብዙሕ ዋጋ ተኽፍለካ።