እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ውሩይ ራፐር ጀይ-ዚ ፈላማይ ቢልዮነር ደራፊ ኮይኑ
ራፐር ጀይ-ዚ፡ ኣብ ሙዚቓ ፋሽንን ብዝገበሮ ወፍሪ ቀዳማይ ቢልዮነር ደራፋይ ክኸውን ከም ዝኽኣለ ናይ ኣሜሪካ መጺሄ፡ ፎርብስ ሓቢሩ።
ፎርብስ፡ ሃብቲ ጀይ-ዚ ኣብዚ ስዓት እዚ ሓደ ቢልዮን ዶላር ከም ዝበጸሐ ሓቢሩ።
እዚ በዓል ቤት ውርይቲ ደራፊት ብዮንሰ ዝኾነ ድምጻዊ ፍሉይን ብቕዓቱ ዝሓለወ ነገራት ከፍሪ ብምክኣሉ ነዚ ክንድዚ ሃብቲ ከጥሪ ከም ዝኽኣለ ጸብጻብ ፎርብስ ይሕብር።
ኣብ ኒውዮርክ ዝርከብ ሻውላት (ድኻታት ዝነብርሉ ከባቢ) ዝተወልደ ጀይ-ዚ፡ ኣብ 1996 ዝዘርግሓ ኣልቦሙ እዩ ተፈላጥነት ከጥሪ ጀሚሩ።
ወዲ 49 ዓመት ጀይ-ዚ፡ ፎርብሰ ኣለዎ ካብ ዝበሎ ንብረት ንምዝርዛር።
- 75 ሚልዮን ዶላር ናይ ሙዚቃ ካታሎግ
- 410 ሚልዮን ዶላር ኣብ ብርክታት ኣረማንድ ዲ ብሪገናክ ቻምፕዮን፡ ዲዩዝ ኮኛክ።
- 70 ሚልዮን ዶላር ብርኪ ኣብ ኡበር።
- 100 ሚልዮን ዶላር ብርኪ ኣብ መፍረ ሙዚቃ ቲዳል።
- 50 ሚልዮን ዶላር ፍርያት ጥበብ
ብዓልቲ ቤቱ'ውን ካብ ፍርያት ሙዚቃ ዝረኸበቶ ኣስታት 335 ሚልዮን ዶላር ከም ዘለዋ እዩ ዝፍለጥ።