ሰላም ኢትዮ-ኤርትራ ኣብ ሙዚቃ ትግርኛ እንታይ ጽልዋ ኣሕዲሩ?

በረከት ወልዱ ካብቶም ኣብ ኢትዮጵያ ብሞያ ምውህሃድ ሙዚቃን ስራሕቲ ዜማን፡ ስሞም ቅድሚት ዝስርዑ ሰባት ሓደ እዩ። እዚ ብዙሓት ሓቢሮምዎ ክሰርሑ ዝመርጽዎ መንእሰይ፡ ናይ ኢትዮጵያውያን ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ኣብ መንጎ እተን ሃገራት ዝነበረ መንደቕ ጽልኢ ከይዓገቶ ቅድሚ ዕርቀ ሰላም ኢትዮጵያን ኤርትራን፡ ምስ ብዙሓት ኤርትራውያን ሰሪሑ እዩ።

በረከት ወልዱ ቅድሚ ዕርቀ ሰላም ኢትዮ ኤርትራ፡ ጥሪ 2018 ምስ ቢቢሲ ትግርኛ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕተት "ኣብ ሞንጎ ክልቲኤን ሃገራት ዘሎ ዘይምርድዳእ ብሰላም እንተ ዝፍታሕ፡ ንሓደ ቋንቋ ትግርኛ ብደርፍን ዜማን ከሀብትም ምኸኣለ ነይሩ" ኢሉ ነይሩ።

እነሆ ድማ ተስፍኡ ሰሚሩ መንደቕ ጽልኢ ምስ ፈረሰ፡ ምስ ኣዝዮም ብዙሓት ኤርትራውያን ብሓደ ኮፍ ኢሎም ዝሰርሑሉ ኩነታት ተፈጢሩ።

እዚ መንእሰይ፡ እቲ ዝተፈጠረ ሰላም ስዒቡ ኣብቲ ዓውዲ ዝመጸ ለውጢ እንትገልጽ ''ቅድሚ ሕዚ ብማሕበራዊ ሚድያን ኢሜይልን እናተለኣኣኽና ኢና ንሰርሕ ኔርና። ድሕሪ እቲ ሰላም ግን ብኣካል እናተራኸብና ምስራሕ ጀሚርና ኢና። በዓል ናሆም፣ ሚልዮን፣ ዳናይትን ካልኦት ዓበይቲ ስነጥበባውያንን ናብ ኢትዮጵያ እናመጹ ምሳና ምስራሕ ጀሚሮም ኣለዉ።

"ብኣካል ምስራሕ ከኣ ክንደየናይ ለውጢ ከምዘለዎ ምግላጽ ዘድልዮ ኣይኮነን። ብሓደ እናተላዘብካ እትሰርሖ ስራሕቲ ብዝበለጸ ዕዉት እዩ ዝገብረካ'' ይብል።

ኣብ ቀረባ እዋን ናብ ሰማዕቲ ዝበጽሐት 'ንጉሰይ' እትብል ደርፊ ኤደን ከሰተ፡ ዜማን ቅንብርን ብ በረከት ወልዱ ዝተሰርሐ ኮይኑ ግጥሚ ድማ ውቅያኖስ ጉዕሽ እዩ ሰሪሕዋ። ናይቲ ክሊፕ ስራሕቲ ቀረጻ ድማ፡ ብኤርትራዊ በዓል ሞያ ሲኒማቶግራፊ ፊሊፖ ሃፍታይ ኣብ ከተማ መቐለን ከባቢኣን እዩ ተሰሪሑ። እዛ ደርፊ ከም መርኣያ ዕዉት ስራሕቲ ሰብ ሞያ ሙዚቃ ክልቲአን ሃገራት ከም ዝኾነት በረከት ይገልጽ።

ካብ ቅድሚ ዕርቀ ሰላም ኢትዮ ኤርትራ ጀሚሩ፡ ምስ ተጋሩ ሰብ ሞያ ሙዚቃ ከባቢ ዓሰርተ ደርፍታት ከምዝሰርሐ ዝገልጽ ኤርትራዊ ድምጻዊ ሮቤል ሚካኤል ''ስነ ጥበብ ናይ ሓባር ስራሕ እዩ፤ ዓሌት፣ ሃይማኖት፣ ዶብ፣ ኣውራጃ ኣይፈልን እዩ'' ይብል።

ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ሰላማዊ ርክብ ምጅማሩ ስዒቡ ድማ ''ብዙሓት ስነ-ጥበባውያን ብሓባር ኮይኖም ምስራሕ ጀሚሮም ኣለዉ፤ ኣብቲ ዕብየት ናይቲ ስነጥበብ'ውን ዓብዪ ተራ እዩ ዘለዎ'' ዝብል ሮቤል ሚካኤል፤ ምስ ኢትዮጵያውያን በረኸት ወልዱ፣ ውቅያኖስ ጉዕሽን ኣስመሉን ኣድማዒ ስራሕቲ ምስርሑ ይገልጽ።

ሽሙ ኣብ ብዙሓት ደርፍታት እንረኽቦ ኢትዮጵያዊ ገጣሚ፡ ውቅያኖስ ጉዕሽ ናይ ብዙሓት ኤርትራውያን ደርፊ ብግጥሚ ተሳቲፉ እዩ።

ክሳብ ሕዚ ናብ ህዝቢ ኣብ ዝበጽሑ ስራሕቲ፡ ተስፋኣለም ኣራፋይነ (ቆርጫጭ)፣ ሮቤል ሚካኤል፣ ሮቤል ሃይለ፣ ኤደን ከሰተን ካልኦትን ብግጥሚ ዝተሳተፈ እንትኾን፡ ገና ዘይወጹ ድማ ናይ ኣብራር ዑስማን፣ ተመስገን ያሬድ፣ ዳናይት ዮሃንስን ካልኦትን ተሳቲፉ እዩ።

''ሰላም ክበሃል ከሎ ባዕሉ ጥቕሚ እዩ'' ዝብል ውቅያኖስ፡ ''ልዕሊ እቲ ርሒቕካ ተደዋዊልካ እትሰርሖ ቀሪብካ እትሰርሖ ስራሕ ዝያዳ ኣድማዒ ይኸውን። ብወገን ትግራይን ኤርትራን ንፉዓት ገጠምትን ዘየምትን ኣለዉ።

ክልቲኦም ተሓባቢሮም ድማ ኣድማዒ ስራሕ ምስራሕ ጀሚሮም ኣለዉ'' ክብል ይውስኽ። ከም ኣገላልጻ ውቅያኖስ ጉዕሽ፡ ሓቢርካ ምስራሕ ካብ ምድንፋዕ ሰላምን ስነ ጥበብን ብተወሳኺ ''ሓቢርካ ታሪኽካ ምስናድ'' 'ውን እዩ።

ርእይቶ ኣድመጽቲ እንታይ ይመስል?

''ከባብያዊ 'ሳውንድታት' እናወሃሃድካ ኣብ ምኻድ ጽቡቕ ስራሕቲ እናሰራሕና መጺና ኢና'' ዝብል ኣወሃሃዲ ሙዚቃ በረኸት ወልዱ፡ ምስ ኤርትራውያን ሰብ ሞያ እናተቐባበሉ ጽቡቓት ስራሕቲ ይሰርሑ ከምዘለዉ 'ፈራሕ ጎራሕ' እትብል ደርፊ ኤደን ከሰተ ከም ኣብነት የልዕል።

ኣብዛ ደርፊ፡ ሳክስፎን ኣሮን ሳጢር ካብ ኤርትራ፣ ክራር ድማ ቻፕሊን፣ ቤዝ ጊታር፣ ኪቦርድ፣ ዜማን ምውህሃድን በረኸት ወልዱ ካብ ኢትዮጵያ፣ ገጣሚ ኣንገሶም ተስፋ ሚካኤል ካብ ኤርትራ ዝተሳተፉላ እያ። ከም ውጽኢቱ ድማ እታ ደርፊ ጽቡቕ ተቐባልት ከምዝረኸበት ይገልጽ።

''ምስ ኤርትራውያን ኣሕዋትና ምስራሕና፡ ኣብቲ ግብረ መልሲ ክሰምዕ ከለኹ፡ እቲ ህዝቢ ደስ እዩ ዝብሎ። ጽቡቕ ግበረ መልሲ ኢና እንረክብ'' ይብል ገጣሚ ውቅያኖስ ጉዕሽ።

ድማጻዊ ሮቤል ሚካኤል ብወገኑ ''ትግርኛ ዘስተማቕር ሰብ ጽቡቕ ርእይቶ እዩ ዝህበና፤ ንሱ እዩ 'ውን ጽቡቕ ስራሕ ንክንሰርሕ ዘተባበዐና። ክሳብ ሕጂ ጽቡቕ እዩ ዘሎ'' ይብል።

ኣብ ቀጻሊ እንታይ ምዕባለታት ንጽበ?

ነቲ ጓይላ ቅዲ እናቐይርካ ዓለም ለኻዊ ብዝኾነን ካልኦት ህዝቢታት እውን ብዝሰምዕዎ መገዲ ሙዚቃ ንምስራሕ ፈተነ ይግበር ከምዘሎ ዝሕብር ሮቤል ሚካኤል ''ኣብ ቀጻሊ ከምዚ ዝኸዶ ዘሎ እንተኾይኑ ናብ ጽቡቕ ደረጃ ዝኸይድ ዘሎ ኮይኑ ይስመዐኒ'' ብምባል መጻኢ ግዘ ንሙዚቃ ትግርኛ ብሩህ ከምዝኾን ይትስፎ።

''ብዙሕ ሙዚቃታት ይሰራሕ ኣሎ። ብዙሕ ካብ ምስራሕ ድማ ዝሓሸ ነገር ኣብ ምርካብ ጥቕሚ ክህልዎ እዩ'' ዝብል በረከት ወልዱ ብወገኑ ሙዚቃ ትግርኛ ኣብ ካልኦት ቋንቋታት 'ውን ጸብለልታ ይረክብ ከምዘሎ፡ ኣብ 'ዩትዩብ' ዘሎ በዝሒ ተመልካቲ ከም ኣብነት ብምጥቃስ ይገልጽ።

ብተወሳኺ ትግርኛ ተዛረብቲ ዘይኮኑ ሰባት ብብዝሒ ትግርኛ ንምድራፍ ይፍትኑ ምህላዎም ከም ካሊእ ኣብነት የልዕል።

''እቲ ኩነታት እንተቐጺሉ ሙዚቃ ትግርኛ ኣብ ኣፍሪካ ይኹን አብ ዓለም ዝሓሸ ቦታ ክህልዎ ይኽእል እዩ'' ዝብል ውቅያኖስ ጉዕሽ ድማ ንኻልኦት ዓውዲታት ጥበብ 'ውን ጥጡሕ ባይታ ከምዝኾነ ይገልጽ።