ኮሮናቫይረስ፡ ኣብ ኣስመራ ሓንቲ ጓል 61 ዓመት ብኮቪድ-19 ሞይታ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ኣስመራ ሓንቲ ጓል 61 ዓመት ዜጋ ብኮሮናቫይረስ ከም ዝሞተት ሚኒስትሪ ጥዕና ሓቢሩ።
ኣብ ኤርትራ ክሳብ ሎሚ፡ 8 ሰባት በቲ ቫይረስ ሞይቶም ኣለዉ።
እቲ ሚኒስትሪ ሎሚ ኣብ ዘውጽኦ ሓበሬታ፡ ካልኦት 45 ተወሰኽቲ ሰባት በቲ ቫይረስ ተለኺፎም ከም ዘለዉ ገሊጹ።
እቶም "ኣብ ዝሓለፈ ሳልስቲ" መርመራ ዝተገብረሎም ዜጋታት፡ ኣብ ዞባታት ደቡብ፡ ጋሽ-ባርካን ማእከልን ኣብ ዝርከቡ መወሸቢ ማእከላት ዝተረኽቡ'ዮም።
ካልኦት 58 ሰባት ድማ ሓውዮም ካብ ሆስፒታላት ተፋንዮም።
ክሳብ ሎሚ ኣብታ ሃገር 3,163 ሰባት ክልከፉ እንከለዉ፡ ካብዚኦም እቶም 2,923 ሓውዮም ካብ ሆስፒታላት ዝተፋነዉ'ዮም።
እቶም 232 ከኣ "ገና ኣብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ዝርከቡ'ዮም"።
ብሰንኪ'ቲ ለበዳ ንኣስታት ሓደ ዓመት ተዓጽየን ዝርከባ ኣብያተ-ትምህርቲ ኤርትራ፡ ካብ ዕለት 1 ሚያዝያ 2021 ክኽፈታ ምዃነን ትማሊ ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ብትዊተር ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ገሊጹ ነይሩ።
እቲ ስጉምቲ፡ ኣካል ምፍኳስ ዕጽዋን እገዳታትን ናይቲ ለበዳ ምዃኑ'ውን እቲ ሚኒስተር የማነ ገብረመስቀል ጠቒሱ።
ኣብዚ ቀረባ እዋን ናህሪ ለብዒ ኮቪድ-19 ኣብ ኤርትራ፡ ብተዛማዲ፡ እናወሰኸ ይኸይድ ምህላዉ ይፍለጥ።
ኣብታ ሃገር ንኣስታት ሓደ ዓመት ተኣዊጁ ዝጸንሐ ተሪር ዕጽዋ፡ በብቑሩብ ይፈኩስ ምህላዉ ጸብጻባት ይሕብሩ።
እንተኾነ፡ ህዝባዊ መጓዓዝያ ሕጂ'ውን ተኣጊዱ ይርከብ።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







