ኮሮናቫይረስ፡ ክታበት ኦክስፈርድ-ኣስትራዘኒካ ‘ውሑስን ኣድማዕን ክታበት'ዩ’ ይብል ሕብረት ኣውሮጳ

ምንጪ ስእሊ, EPA
ሕብረት ኣውሮጳ ኣስትራዘኒካ ዝተበሃለ ክታበት ኮሮናቫይረስ ውሑስን ውጽኢታውን ከምዝኾነ ገሊጹ።
ትካል ምቁጽጻር ኣፋውስ ሕብረት ኣውሮጳ ነቲ ብኦክስፎርድ -ኣስትራዘኒካ ዝፈረየ ክታበት ኮሮናቫይረስ "ውሑስን ውጽኢታውን" ምዃኑ ከምዘረጋገጸ ኣፍሊጡ።
እቲ ትካል፡ ነቲ ሓሓሊፉ ዘጋጥም ዘሎ ምርጋእ ደም ምስቲ ክታበት ዘለዎ ርክብ ንምፍላጥ ከካይዶ ዝጸንሐ መጽናዕቲ ክቕጽሎ ምዃኑ ሓቢሩ'ሎ።
ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ እዋን፡ 13 ሃገራት ሕብረት ኣውሮጳ ነቲ ክታበት ምሃብ ድሕሪ ምቁራጸን'ዩ፡ እቲ ትካል ውጽኢት መጽናዕቱ ኣቕሪቡ።
ሕቡራት ሃገራት ብወገኑ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ሃገራት ነቲ ክታበት ምሃብ ክቕጽላ ጸዊዑ'ሎ።
ነቶም ዝለዓሉ ዘለዉ ስግኣታት መሰረት ብምግባር ኣብቲ ክታበት ናቱ ዳግመ መጽናዕቲ ዘካየደ ሕቡራት ሃገራት ውጽኢቱ ጽባሕ ዓርቢ ወግዓዊ ክገብር'ዩ።
ኣብዚ እዋን'ዚ ብዙሓት ሃገራት ኣውሮጳ ነቲ ብዝለዓለ መጠን እናወሰኸ ዝመጽእ ዘሎ ዝርግሐ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ንምቁጽጻር ተጸጊመን ይርከባ።
ክታበት ደው ናይ ምባል ውሳነ ዝተፈላለያ ሃገራት ምስቲ ኣቐዲሙ ዘጋጥም ዝነበረ ሕጽረት ቀረብ ክታባት ተደሪቡ ሻቕሎት ፈጢሩ'ሎ።
ትካል መድሃኒታት ኣውሮጳ ምስቲ ኣብ ደም ዝተረኣየ ዘይተለመደ ጸገም ብዝተሓሓዝ ንዘካየዶ መጽናዕቲ ውሑዳት ተርእዮታት ጥራይ እዩ መርሚሩ።
ዋና ዳይረክተር ናይቲ ትካል ኢመር ኩክ ብሓሙስ ኣብ ዝሃበቶ ጋዜጣዊ መግለጺ ክታበት ኣስትራዘኒካ 'ውሑስን ኣድማዒን ክታበት'ዩ' ኢላ።
ሃገራት ኣውሮጳ እንታይ ወሲነን?
ክሳብ ሕጂ 13 ካብ ኣባል ሃገራት ሕብረት ኣውሮጳ እቲ ክታበት ንኸይወሃብ ኣጊደን ኣለዋ። ናይዚ ምኽንያት ድማ ኣብ ገለ ነቲ ክታበት ዝወሰዱ ሰባት ደም ናይ ምርጋእ ጸገም ጥዕና ስለዝተረኣየ እዩ።
ጀርመን፣ ፈረንሳን ጣልያንን ድማ እቲ ክታበት ደው ንኽብል ዝወሰንኦ ውሳነ ከቐጽልኦን ዘይከቐጽልኦን ንምድምዳም ንውጽኢት እቲ ትካል'የን ክጽበያ ጸኒሐን።

ምንጪ ስእሊ, EPA
ኣቐዲመን ደው ንኽብል ዝወሰናሉ ምኽንያት ከኣ "ንቕድመ ጥንቃቐ" ብዝብል ከምዝኾነ ሓቢረን።
በዓል ሞያ ጥዕናን መራሒ ቦርድ ኣማኻሪ መንግስቲ ፈረንሳን ኣላይን ፊስችር "ናብቲ ደው ናይ ምባል ውሳነ ንኽንበጽሕ ዝገበሩ ውሑዳት ዘይተለመዱን ኣሸገርትን ጸገማት ጥዕና ነይሮም" ክብል የረድእ።
መንግስቲ ጀርመን ብወገኑ፡ ካብ ሞንጎ ነቲ ክታበት ዝወሰዱ ሰባት ኣብ ዝተወሰኑ ጸገም ምርጋእ ደም ክረኣይ ምኽኣሉ እቲ ክታበት ደው ንኸብል ከምዝተገደደ ይሕብር።
ትካል ኣፋውስ ኣውሮጳ ንውጽኢት መጽናዕቱ ወግዓዊ'ኳ እንተገበረ ሃገራት ግን ነቲ ሓበሬታ ክስዕብኦ ድየን ዕሽሽ ክብልኦ ብሕጂ ዝረአ ክኸውን'ዩ።
ሃገራት እቲ ዝወሃብ ዝነበረ ክታበት ደው ክብል ዘሕለፍኦ ውሳነ ብፖለቲከኛታትን ተመራመርትን ነቐፌታታት ክቐርበሉ ጸኒሑ'ዩ።
ኣስትራዘኒካ እንታይ ይብል?
እቲ ኩባንያ ስትራዘኒካ ከምዝብሎ እንተኾይኑ፡ እቲ ክታበት ምርጋእ ደም ክውስኽ ይገበር ኣሎ ንዝብል መደምደምታ ዝኾነ ዓይነት ጭብጢ የለን።
ክሳብ 8 መጋቢት ኣብ ዝነበረ እዋን ኣብ ሕብረት ኣውሮጳን ብሪጣንያን ልዕሊ 17 ሚልዮን ሰባት ከምዝተኸተቡ ብምዝኽኻር፡ ዛጊት ምስ ምርጋእ ደም ብዝተሓሓዝ ዝቐረቡ ጥርዓናት 37 ጥራይ ከምዝኾኑ ገሊጹ።
ቢቢሲ ዘዘራረቦ ዳይረክተር ጉጅለ ክታበት ኦክስፎርድ (ነቲ ክታበት ዘፍረየ ጉጅለ) ፕሮፌሰር ኣንድሪው ፖላርድ "ኣብታ ኣብ ኣውሮጳ ዝበዝሐ ክታበት [ኦክስፈርድ-ኣስትራዘኒካ] ዝተዋህበላ ብሪጣንያ ክስተት ምርጋእ ደም ከምዘየለ ዘረጋግጽ ዘተኣማምን ጭብጢ'ዩ" ክብል ተዛሪቡ።
ሓላፊ ጥዕና ብሪጣንያ ማት ሃንኮክ ኣብዚ ሰሙን ኣብ ዘሕለፎ መልእኽቲ'ውን፡ "ሰባት ንኪኢላታት ክሰምዑን ነቲ ክታበት ክወስዱን" ጸዊዑ ነይሩ።








![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







