ሓድሽ ዓሌት ኮሮናቫይረስ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ዚምባብወ 'ዓብሊሉ' ምህላው ተገሊጹ

መደቀሲ ሕሙማት ኮሮናቫይረስ ከተማ ቡላዋዮ ዚምባብወ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ሳይኖፋርም ነቲ ፈለማ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝተርኣየ ሓድሽ ዓሌት ኮሮናቫይረስ ክሳዕ ክነደይ ኣድማዒ ከም ዝኾነ ዛጊት እኹል መረዳእታ የሎን

መንግስቲ ዚምባብወ፡ እቲ ኣብ ጎረቤት ሃገር ደቡብ ኣፍሪቃ ዝተረኽበ ሓድሽ ዓሌት ኮሮናቫይረስ፡ ኣብ ሃገሩ ካብ ዝምዝገብ ዘሎ መልከፍታት 60 ሚኢታዊት ከም ዝሽፍን ኣፍሊጡ።

በዚ ዚምባብወ ካብ ደቡብ ኣፍሪቃ ወጻኢ በቲ "501.YV2" ዝተሰምየ ዓሌት ልዑል መልከፍቲ ዝመዝገበት ሃገር ኮይና ኣላ።

እቲ ሓድሽ ዓሌት ኣብ ቦትስዋና፡ ዛምብያ፡ ጋናን ጋምብያን 'ውን ተረኺቡ እዩ።

መንግስቲ ዚምባብወ ነዚ ዘፍለጠ፡ እቲ ኣብ መላእ እታ ሃገር ተነቢሩ ዘሎ ዕጽዋ ንኽልተ ሰሙን ድሕሪ ምንውሑ እዩ።

ብሰኑይ ካብ ቻይና ዝተለገሰ 200,000 ብልቃጥ ክታበት ሳይኖፋርም ናብታ ሃገር ክበጽሕ እንከሎ፤ ሓሙስ ምዕዳል ክጅምር እዩ።

1px transparent line
1px transparent line

እቲ ብቻይና ዝፈረየ ክታበታት ነቲ ፈለማ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝተርኣየ ሓድሽ ዓሌት ኮሮናቫይረስ ክሳዕ ክንደይ ኣድማዒ ከም ዝኾነ ዛጊት እኹል መረዳእታ የሎን።

ሮይተርስ ኣብዚ ወርሒ ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ፡ ብተመራመርቲ ሳይኖፋርም ዝተኻየደ ንኡስ መጠን መጽናዕቲ፡ እቲ ክታበት ኣብ ልዕሊ እቲ ሓድሽ ዓሌት ዘለዎ ኣድማዕነት ምስቲ ዋና ዓሌት ክወዳደር እንከሎ ዝደኸመ ኮይኑ እዮም ረኺቦምዎ።

ዚምባብወ ኣብ ወርሒ መጋቢት 600,000 ተወሳኺ ብልቃጥ ክትቅበል ትጽበይ ኣላ።

ኣብታ ሃገር መልከፍቲ ኮሮናቫይረስ ይጎድል እኳ እንተሎ መጠን ሞት 4 ሚኢታዊት ምዃኑ ግና ንሰብ መዚ ኣሻቒልዎም ከም ዘሎ ወኪል ቢቢሲ ካብ ሃራሬ ሓቢሩ።

ኣብ ዚምባብወ ዛጊት 35,000 ሰባት ብኮሮናቫይረስ ክልከፉ እንከለው፤ 1,410 ሞይቶም እዮም።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ደቡብ ኣፍሪካ፡ ነቲ ዝተረከበቶ ክታበት ኦክስፎርድ-ኣስትራዜነካ፡ ናብ ካልኦት ሃገራት ክወሃብ ንኣፍሪቃዊ ሕብረት ትህቦ ምህላዋ ተገሊጹ።

እታ ሃገር ነቲ ስጉምቲ ዝወሰደት፡ እቲ ብኦክስፎርድ ዝፈረየ ክታበት ኣስትራዜነካ ኣብ ልዕሊ እቲ ሓድሽ ዓሌት ዘለዎ ኣድማዕነት ድሩት ምዃኑ ርኽበታት ሓደ ንኡስ መጽናዕቲ ብምእማቱ እዩ።

ሚኒስተር ጥዕና ዝዌሊ ምኪዚ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ እቲ ኩነታት "ተስፋ ዘቕብጽ" እኳ እንተኾነ "እቲ ኣብ ወርሒ ለካቲት ክታበት ናይ ምዝርጋሕ መብጽዓና ኣብ ቦትኡ እዩ" ኢሉ።

ደቡብ ኣፍሪቃ ናይቲ ፍቓድ ዝጽበይ ዘሎ ጆንሰንን ጆንሰንን ዝተባህለ ክታበት 9 ሚልዮን ብልቃጥ ክተውሕስ እንከላ፡ ገለ ክፋሉ ኣብዚ ሰሙን ክትርከቦ ትጽቢት ይግበር።