ኮሮናቫይረስ፡ ኣብያተ ትልሂት ዳግም ንክኽፈቱ፡ ቅልጡፍ መርመራ ሓጋዚ ከም ዝኸውን ተገሊጹ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ቅልጡፍ መርመራ ኮሮናቫይረስ፡ ለይታዊ ትልሂታትን ኣብያተ ሲነማን ዳግም ንክኽፈቱ ክሕግዝ ከም ዝኽእል ቀዳማይ ሚኒስተር ብሪጣንያ ቦሪስ ጆንሰን ኣተንቢሁ።
ንሱ፡ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ቅልጡፍ መርመራ፡ "ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ክኽፈት ንዘይከኣለ ክፋላት ቁጠባ ጠቓሚ" ከም ዝኸውንን፤ ክታበት ተደሚርዎ ተግባራዊ ክኸውን ከም ዝኽእል ተዛሪቡ።
እንተኾነ ግና፡ ገና ብዙሕ ዝርርባት ይካየደሉ ከም ዘሎ'ውን ገሊጹ።
ሓደ መንግስታዊ ምንጪ ከም ዝሕብሮ ግና፡ "ሰባት ዝእከብሉ ዓበይቲ ፍጻመታት ውሑስ ብዝኾነ መገዲ ክኽፈቱ ገና ብዙሕ ስራሓት ክስርሑ ይግባእ"።
ኣብ ብሪጣንያ ለይታዊ ትልሂታት ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ብዝተነብረ ቀይድታት፡ ካብ ወርሒ መጋቢት ናይ ዝሓለፈ ዓመት ንደሓር ዕጹዋት ኣለው።
ብዙሓት ኣብያተ ሲነማ'ውን ኣካላዊ ርሕቐት ምህላው ኣጸጋሚ ኮይንወን ኣሎ።
ሰባት ንምዝላቕ እቲ ብሰንኪ እቲ ለበዳ ተነቢሩ ዘሎ ቀይድታት ብትዕግስቲ ክጽበዩ ከም ዘለዎም ዘዘኻኸረ ቦሪስ ጆንሰን፡ እቲ ዝውሰድ ስጉምቲ "ብጥንቃቐን ንድሕሪት ዘየምልስን" ክኸውን ከም ዝግባእ ተዛሪቡ።
ሚኒስተር ክታበታት ናድሂም ዛሃዊ፡ ንማእከን ዜና ኤልቢሲ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ፡ መንግስቲ ኣብ ቅልጡፍ መርመራን ሰነድ ክታበትን ክምርኮስ ምዃኑ ሓቢሩ።
ናድሂም ወሲኹ፡ ሰባት ንሰነድ ክታበቶም ኣብ ክንዲ ብወረቐት ኣብ ሞባይላቶም ኣብ ዘውርድዎ መተግበሪ ኤንኤችኤስ ክረኽብዎ ምኳኖም ገሊጹ።
ነቲ ክታበት ዝወሰደ ሰብ ነቲ ቫይረስ ከመሓላልፉ ይኽእል እንተኾይኑ ስለዘይተነጸረ ናብ ሲነማ ኮነ ናብ ካልእ ህዝቢ ዝእከበሉ ስፍራ ዝኣትው ሰባት ቅልጡፍ መርመራ ክገብሩ ዝሓሸ ምዃኑ ናድሂም ይገልጽ።
ኣቦ መንበር ማሕበር ኢንዱስትሪ ሰዓታት ለይቲ፡ ሚካኤል ኪል፡ ብወገኑ ወላ ለይታዊ ትልሂታት ክኽፈቱ እንተተፈቐደ፡ ምሕደራ ቅልጡፍ መርመራ ቀሊል ከም ዘይከውን ተዛሪቡ።
ንሱ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ፡ ኣብ መእተዊ እተን ትካላት፡ ዓማዊል ነጻ ምዃኖም ክሳዕ ዝረጋገጽ ን15 ደቃይቕ ክጽበዩ ክግደዱ ምዃኖምን፡ ነቲ ስራሓት ዘካይዱ ሰብ ሞያ ከም ዘድልዩን ሓቢሩ።
ቅልጡፍ መርመራ ኮቪድ-19፡ ካብ ውሽጣዊ ክፋል ኣፍንጫን ጎረሮን ዝውሰድ ቅምሶ ኣብ ሓደ ፈሳሲ ብምጥላቕ ዝካየድ ኮይኑ፤ ምስ ናይ ጥንሲ መርመራ ተመሳሳሊ እዩ።
ኣብ ሊቨርፑል ኣብ ዝተኻየደ ፈተነ እቲ ኣገባብ ክልተ ሲሶ ናይቶም ኣዝዮም ተመሓላለፍቲ እኳ እንተረኸበ፡ ብሓፈሻ ውጽኢታውነቱ 40% ኮይኑ እዩ ተረኺቡ።
እቲ መርመራ ነቶም ኣብ ዝቕጽል ሓደ ወይ ክልተ መዓልትታት ነቲ ቫይረስ ከመሓላልፉ ዝኽእሉ ሰባት ዘይክረክብ ይኽእል እዩ።








![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







