ሓደ ሲቪል መራሒ ሚያንማር ተቓውሞ ክቕጽል ጸዊዑ

ምንጪ ስእሊ, EPA
ሰራዊት እታ ሃገር ዕልዋ መንግስቲ ምስ ኣካየደ ካብቶም ካብ ስልጣኖም ዝተኣለዩ ሓደ ዝኾነ መራሒ ጉጅለ ሲቪል መራሕቲ ሚያንማር፡ እቲ ዝተጀመረ ናይ ለውጢ ተቓውሞ በርቲዑ ክቕጽል ጸዊዑ።
ማን ዊን ኻይንግ ታን፡ ከምዚ ዝበለ ኣብ ናይ ፈላማይ መግለጺኡ እዩ።
ንሱ፡ “እቲ ዘለናዮ ኩነታት ሃገርና ኣብ ፀልማት ዝኣተወትሉ እዋን እዩ፤ ክወግሕ ግን ቀሪቡ ኣሎ” ኢሉ።
ንሱ፡ ገለ ካብቶም ነቲ ዕልዋ መንግስቲ ዝተቓወሙ ኣባላት ባይታ ሃገር ዝመርሕ ዘሎ ኾይኑ፡ ካብቲ ዝተሓብአሉ ኾይኑ እዩ ነዚ መግለጺ ሂቡ።
ዛጊድ 12 ካብ ተቓወሞ ሰልፈኛታት ከምዝተቐትሉ ይዝረብ።
ኣብዛ በርማ እናተብሃለት’ውን እትጽዋዕ ሃገር፡ እታ ወተሃደራዊ ሓይሊ ለካቲት ሓደ ንዝተመርጸት መራሒት ኣንግ ሳን ሱቺ ካብ ስልጣና ኣልዩ፡ ስልጣን ካብ ዝቆጻጸር ጀሚሩ፡ ናይ ጎደና ተቓውሞታት ቀጺሎም ኣለዉ።
ንሳ፡ መራሒት ሃገራዊ ሊግ ንዲሞክራሲ ዝበሃል ሰልፊ እያ ነይራ። እቲ ንሳ እትመርሖ ውድብ፡ ኣብቲ ኣብ ዝሓለፈ ሕዳር ዝተኻየደ ሃገራዊ መረጻ እንተሰዓረ’ኳ፡ እቲ ሰራዊት እቲ መረጻ ምትላላት ከምዝነበሮ እዩ ዝገልጽ።
ገለ ኣባላት እዚ ወድብ ኮይኖም ተመረጽቲ ባይቶ ዝነበሩ መራሕቲ ካብ ምእሳር ኣምሊጦም፡ ኣብ በረኻ ዝርከቡ ኾይኖም፡ ብማህን ዊን ኻይንግ ታን ዝምራሕ ሓደ ኮሚቴ ድማ ኣጣይሶም ኣለዉ።
እዚ ኮሚቴ፡ ከም ሓቀኛ መንግስቲ ሚያንማር ኮይኑ ዓለምለኻዊ ኣፍልጦ ክረክብ እዩ ዝፅዕር ዘሎ።
ማህን ዊን ኻይንግ እንታይ እዩ ኢሉ?
እቲ መራሒ እቲ ጉጅለ፡ ኣብ ፌስቡክ ዘስመዖ ዘረባ፡ “እዚ እዋን ዜጋታት ኣንጻር እቲ ገጢሙና ዘሎ ጸልማት እዋን ዝፍተንሉ እዋን እዩ” ኢሉ።
“ቅድም ክብል ብዝተፈላለዩ ዓይነታት ምልካዊ ስርዓታት ክውጽዑ ዝጸንሑ ዓሌታትን ህዝብታትን፡ እቲ መድሕኖም ዝኾነ ፌዴራላዊ ስርዓት ንምድሓን እዚ ናይ ለውጢ ምንቅስቓስ [ተቓውሞ] ምግባር ናይ ሞትን ሕየተን ጉዳይ እዩ” ኢሉ።
ዋላ ኣፈላለይ እንተሃለየ’ውን ንዕኡ ኣጽቢብካ፡ ኢድ ንኢድ ተታሒዝካ ነቲ ‘ምልካዊ’ ዝበሎ ስርዓት ዝእለየሉ እዋን ምዃኑ ድማ ወሲኹ ተዛሪቡ።
እቲ ሰራዊት ግን፡ እዚ ንዓርሱ ኣፍልጦ ዝጠልብ ዘሎ ጉጅለ ዘይሕጋዊ ከምዝኾነን ምስኡ ዝተሓባበረ ዝኾነ ሰብ ብሃገር ክሕደት ከምዝሕተትን ኣጠንቂቑ ኣሎ።
ድሕረ ባይታ
ዘይሻራዊ ዓለም ለኻዊ ተዓዘብቲ፡ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሕዳር ዝተኻየደ መረጻ ምትላላት ተፈጺሞምዎ እዮም ዝብል ካብቲ ሰራዊት ዝነቐለ ቅረታት መርሚሮም፡ ውድቂ ገይሮምዎ እዮም።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ድማ እቲ ሰራዊት፡ ንሱቺ 600 ሽሕ ዶላርን ዓሰርተ ሓደ ኪሎ ወርቅን ብዘይሕጋዊ መገዲ ተቐቢላ ዝብል ክሲ ኣቕሪቡላ ኣሎ። እንተኾነ፡ ነቲ ክሲ መርትዖ ኣይተረኸቦን።
እታ ሲቪል መራሒት፡ ንዝሓለፉ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ኣብ ዘይተፈለጠ ቦታ ኣብ ቀይዲ እትርከብ ኮይና፡ ካልኦት ዝተፈላለዩ ክስታት’ውን ክቐርቡላ ጸኒሖም እዮም።
ካብኣቶም ሓደ ድማ፡ ዘይሕጋዊ መሳርሕታት ራድዮን ድሕነትን ሒዛ ነይራ ፤ ተፈራርሕ ነይራ ከምኡ ድማ ኣዋጃት ኮቪድ-19 ጥሒሳ ዝብሉን ካልኦትን ክስታት ቀሪቦምላ እዮም።
እቲ ወተሃደራዊ ጉጅለ ስልጣን ካብ ዝሕዝ ጀሚሩ፡ ነቶም ተቓውሞታት ንምግታእ ሓይሊ እናተጠቐመ ዝርከብ ኮይኑ፡ ዛጊድ ቅትለት 12 ሰባት ድማ ኣስዒቡ።
ዓለምለኸ ማሕበረሰብ ድማ፡ ነቲ ተግባር እናኾነነ ይርከብ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







