ክታበት ኮቪድ-19፡ ሎሚ ኣዲስ ኣበባ ኣትዩ

ብመንገዲ ዓለማዊ ተበግሶ ፕሮግራም ኮቫክስ ንኢትዮጵያ ዝተዓደለ 2.2 ሚልዮን ብልቃጥ ከታበት ጸረ ኮቪድ-19፡ ሎሚ ኣብ ሰዓታት ናይ ንግሆ ናብ ዓለምለኻዊ መዓርፊ ነፈርቲ ቦሌ ኣትዩ።

እቲ ናብ ኢትዮጵያ ዝኣተወ ክታበት፡ ኣስትራዜኔካ ዝተባሃለ ክታበት ምዃኑ ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ውድብ ጥዕና ዓለም ኣፍሊጡ።

እቲ ቤት ጽሕፈት፡ እዚ ብመንግዲ ኮቫክስ ናብ ኢትዮጵያ ዝኣተወ ክታበት ጸረ ኮቪድ 19፡ እቲ ውድብ ኩለን ሃገራት ማዕረ ተበጻሕነት እቲ ክታበት ንኽህልወን ዝግበር ዘሎ ጻዕሪ ዘርኢ እዩ ኢሉ።

እቲ ክታበት ነቶም ኣቐዲሙ ዝውሃቦም ሰብ ሞያ ጥዕናን ካልኦትን ንምፍላይ ቅድመ ምድላዋት ይገብሩ ምህላዎም ሚኒስትሪ ጥዕና ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ ነይሩ።

ኣቐድም ኣቢላ ሚኒስተር ጥዕና ኢትዮጵያ ዶክተር ሊያ ካሳ፡ እቲ ክታበት ነቶም ነቲ ሕማም ዝያዳ ተቓላዕቲ ብቐዳምነት ከምዝውሃብ ኣፍሊጣ ነይራ።

በዚ መሰረት ሰብ ሞያ ጥዕና፡ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ጥዕና ዝህቡን ኣብ ህዝባውያን መጓዓዝያታት ዝሰርሑን ቀዳምነት ከምዝውሃቦም ብምሕባር፡ ብደረጃ ሃገር ዝቖመ ሓይሊ ዕማም ኣብ ኣወሃህባ እቲ ክታበት ምቁጽጻር ከምዝገብር እታ ሚኒሰትር ሓቢራ ነይራ።

ኮቫክስ እንታይ እዩ?

ዓለማዊ ተበግሶ ፕሮግራም ኮቫክስ፡ ናብ ድኻታት ሃገራት ክታበት ጸረ ኮሮናቫይረስ ከከፋፍል ዝተመስረተ ዓለማዊ ማሕበር እዩ።

ፕሮግራም ኮቫክስ፡ ናብ ድኻታት ሃገራት ክታበት ጸረ ኮሮናቫይረስ ንኸከፋፍል፡ ካብ ምዕቡላት ሃገራት እዩ ገንዘባዊ ሓገዛት ዝግበረሉ።

ንኣብነት ዓባይ ብሪጣንያ ብመንገዲ ዩኬኤይድ ኣቢላ ንፕሮግራም ኮቫክስ 760 ሚልዮን ዶላር ሓገዝ ከምዝገበረት ኣብ ኢትዮጵያ ወኪል ዩኬኤይድ ክርስታያን ሮግ ብትዊተር ገሊጹ።

ፕሮግራም ኮቫክስ፡ ነተን ካብ ዓለም ነቲ ክታብት ብባጀተን ክዕድግኦ ኣይክእላን እየን ዝበለን ኣብ ምምዕባል ዝርከባ 190 ሃገራት ኣብ ውሽጢ ክልተ ዓመት 2 ቢልዮን ብልቃጥ ክታበት ጸረ ኮሮናቫይረስ ንኸባጽሕ ወጢኑ ይሰርሕ ኣሎ።

ብፍላይ ኸኣ እተን ድኻታት ዝብሃላ 92 ሃገራት፡ ማዕረ እተን ዓቕሚ ኣለወን ዝበሃላ 98 ሃገራት ክታበት ንኽበጽሐን ከምዝገብር እዩ ፕሮግራም ኮቫክስ ዝገልጽ።

ኢትዮጵያ ትርከበን ብርክት ዝበላ ሃገራት ኣፍሪቃ ኸኣ፡ ተጠቐምቲ ናይዚ ፕሮግራም እየን።

ኣፍሪቃ ብመንገዲ እዚ ዓለማዊ ተበግሶ፡ 220 ሚልዮን ብልቃጥ ክታበት ጸረ ኮሮናቫይረስ ክትረክብ እያ።

ፕሮግራም ኮቫክስ፡ ክሳብ ሕጂ 6 ቢልዮን ዶላር ሰልዲ ኣኪቡ ኣሎ፡ እንተኾነ እቲ ዝወጠኖ መደባት ንኸከናውን ብሕጂ 2 ቢልዮን ዶላር ከምዝተርፎ እዩ ዝገልጽ።

ሚኒስትር ጥዕና ኢትዮጵያ ዶክተር ሊያ ካሳ፡ ኢትዮጵያን ካልኦት ሃገራትን ምስ ፕሮግራም ኮቫክስ ኮይነን ዝሰርሓ ዘለዋ ሃገራት፡ ክሳብ መወዳእታ 2021 ብውሕዱ 20 ሚኢታዊት ካብ ህዝበን ክኸትባ ውጥን ኣውጽኤን ይሰርሓ ምሃላወን ምግላጻ ዝዝከር እዩ።

ኣብ ኢትዮጵያ ክሳብ ሕጂ ልዕሊ 165 ሽሕ ሰባት በቲ ቫይረስ ክተሓዙ እንከለዉ፡ 2420 ሰባት ኸኣ ሞይቶም ኣለዉ።

ሃገራት ናይጀርያ፡ ኬንያ፡ ጋና፡ ኣይቮሪኮስት፡ ጋምብያን ዲሞከራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎን ገለ ካብተን ብመንገዲ ኮቫክስ ክታበት ዝበጽሕን ሃገራት ኣፍሪቃ እየን።