'ኣብ ትግራይ 108 ጥርዓናት ጾታዊ ዓመጽ ኣብ ሆስፒታል ቀሪቡ' ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ

ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ (ኮሰመኢ) ሎሚ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ኣዋርሕ ጥራይ፡ 108 ጥርዓናት ጾታዊ ዓመጽ ናብ መደበር ጥዕና ከምዝቐረበ ገሊጹ።

እቲ ኮምሽን ኣብ መቐለ ካብ ዘለዉ ሰብ ሞያ ጥዕናን ካብ ቢሮ ጥዕና ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይን ንዝረኸቦ ሓበሬታ ምርኩስ ብምግባር፡ ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ኣዋርሕ ኣብ ሆስፒታል መቐለ 52፡ ኣብ ሆስፒታል ዓይደር 27፡ ኣብ ሆስፒታል ዓዲግራት 22 ከምኡ'ውን ኣብ ሆስፒታል ውቅሮ 7 ብሓፈሻ 108 ጸታዊ ዓመጻት ዝተፈጸመን ደቂ ኣንስትዩ ሕክምናዊ ሓገዛት ክረኽባ ናብቲ መደበራት ጥዕና ከምዝመጽኣ ሓቢሩ።

እቲ ኮምሽን ኣብ መግለጺኡ "እተን ጾታዊ ዓመጽ ዘጋጠመን ናብ መደብር ፖሊስን መደብር ጥዕናን ከይደን ጥርዓነን ከስምዓሉ ዝኽእላ ቦታታት ኣብ ገለ ቦታታት ስለዝዓነወ፡ እቲ ትኽክለኛ ብዝሒ ጾታዊ ዓመጽ ካብዚ ተገሊጹ ዘሎ ክዛይድ ከምዝኽእል ይግመት"ኢሉ።

ኣብታ ክልል ሰዓታት እቶ እቶ ተኣዊጁ ብምህላው ጸታዊ ዓመጽ ዘጋጠመን ደቂ ኣንስትዩ ሕክምናዊ ረድኤት ኣብ ግዚኡ ንኸይረኽባ ዕንቅፋት ኮይኑ ምህላዉ እቲ ኮምሽን ገሊጹ።

መጥቃዕቲ ዘጋጠሞም ህጻናት

እቲ ኮምሽን ብሰንኪ እቲ ኵናት ስነ ኣእምሮኣዊ ነውጺ ዘጋጠሞም ህጻናት ከምዝረኸበ'ውን ገሊጹ።

ኣብ ሆስፒታል ዓይድር ደቂሶም ሕክምናዊ ናብዮት ካብ ዝረኽቡ ዝነበሩ 20 ልዑል ስነኣእምሮኣዊ ነውጽን ስንባደን ካብ ዝነበሮም ህጻናት ተሓከምቲ እቶም 16 ብሰንኪ እቲ ኲናት ናብ ከምዚ ዓይነት ሕማም ዝተቓልዑ ምኳኖም ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ገሊጹ።

ኣብቲ ሆስፒታል ሕክምናዊ ናብዩት ካብ ዝግበረሎም ዘሎ ህጻናት ኢዶም ዝተቆረጹ፡ ዓይኖም ዝዓወሩን ኣብ ከብዶምን ኣብ ርእሶምን ዝተሃረሙ ከምዝርከብዎም እቲ ኮምሽን ኣብ ጸብጻቡ ኣስፊሩ ኣሎ።

ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ንቢሮ ጥዕና ክልል ትግራይ ብምጥቃስ "ምስቲ ኵናት ተታሓሒዙ ኣብታ ክልል ዝርከባ መደበራት ጥዕና ኣገልግሎት ደው ስለዘበላን ናብ መቀን ናብ ካልእን ሕጽረት ህዝባዊ መጓዓዝያ ስለዘሎ እቲ ሓደጋ ዘጋጠሞም ሰባት ሰኣን ሕክምናዊ ሓገዛት ይሞቱን ከቢድ ስንክልና የጋጥሞም ኣሎ" ኢሉ።

ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ካብ ሆስፒታል ዓይደር ብዝረኸቦ ሓበሬታ እቶም ኣብ ልዕሊ ህጻናት ዘጋጥሙ ዘለዉ ሓደጋታት ብሰንኪ ኣብ መሬት ብዝተቐበሩን ዝተደርበዩ ተፈንጀርትን ዝሰዓበ ምዃኑ ገሊጹ።

ኣብ ዘተፈላላየ ክሊ ዕድመ ዝርከቡ ህጻናት ኣዘራሪበ'የ ዝብል ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ፡ ስድረኦም ኣበይ ከምዘለዉ ዘይፈልጡን ብተባራሪ ጥይት ዝተሃረሙ ከምዝረኸበ ጠቂሱ።

ብተባራሪ ጥይት ካብ ዘተሃረሙ ህጻናት ኣብቲ ሆስፒታል ኣርባዕተ መዓልታት ኣብ ክፍሊ መእለዩ ጽኑዕ ሕሙማት ክንክን ተገይርሉ ዝሞተ ወዲ ዓርባዕተ ዓመት ህጻን ከምዝርከቦም'ውን ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ኣብ ጸብጻቡ ኣስፊሩ።

"ኣብ ልዕሊ ህጻናትን ደቂ ኣንስትዮን ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ዝምልከት፡ መንግስቲ ፍሉይ ኣተኩሮ ሂቡ ነዚ ገበን ዝፈጸሙ ሰባት ተሓተትቲ ክኾኑ: እቶም ሓደጋ ዘጋጠሞም ሰባት ኸኣ እኹል ሓገዛት ክግበረሎም የድሊ" ድማ ኢሉ።

ጉዳይ ጸጥታ

ናይቲ ክልል መደበኛ ኣባላት ፖሊስ ምሉእ ንምሉእ ናብ ስራሕ ስለዘይተመለሱ፡ ኣብቲ ክልል ስርቅን ጾታዊ መጥቃዕትን ከምኡ'ውን ዝተፈላለየ ገበናት ብብዝሒ ከምዝወሰኸ መግለጺ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ይጠቅስ።

እቲ ኮምሽን ብምስዓብ "ኣብቲ ክልል ዝርከቡ ሓይልታት ጸጥታ ፈደራል ምስቲ እቲ ክልል ዝጠልቦ ብዝሒ ብምንጽጻር ኣዝዩ ውሑድ ስለዝኾነ ኣብቲ ክልል ውሕስነት ጸጥታ ክረጋገጽ ፈታኒ ኮይኑ ኣሎ" ይብል።

ኣብ ዝተወሰነ ክፋል እታ ክልል ገና ውግእ ይካየድ ብምህላው'ውን ንመዓልታዊ ምንቅስቓስ ሰባት ደሪቱ: መሰረታዊ ቀረባት ክንድቲ ዝድለ ከይቀርብ ምኽንያት ኮይኑ ኣሎ።

ምስዚ ብዝተሓሓዝ ኣብቲ ክልል ዝነበረ ምምሕዳራዊ ትካላት ስለዝፈረሰ ኣብ 10 ኣብያተ ማእሰርቲ ዝነበሩ እሱራት ብምሉኦም ከምዝወጽኡን ሰነዳት እሱራት ዝሓዘ መዛግብቲ ከምዝተቃጸለን ንግዝያሚ ምምሕዳር እቲ ክልል ብምጥቃስ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ኣብ ጸብጻቡ ኣስፊሩ።

ብፍላይ ከቢድ ገበን ዝነበሮም እሱራት ሃዲንካ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ንምእታዎም ዝግበር ስራሕ በዳሂ ኮይኑ ከምዘሎ ጠቒሱ።

ትካላት ውሃብቲ ኣግልግሎት

ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ መደበራት ጥዕና ዕንወት ከምዘጋጠመ'ውን ገሊጹ።

ዝበዝሓ ኣምቡላንሳት ኣብ ትሕቲ ቢሮ ጥዕና እቲ ክልል ከምዘየለዋን፡ ኣምቡላንስ ብዘይምህላወን ሕጹጽ ሓገዛት ስለዘይወሃብ ሰብ ይመውት ከምዘሎ ኣብቲ ጸብጻብ ሰፊሩ ኣሎ።

"ኣብቲ ክልል ነቲ ዝነበረ ስርዓተ ኣገልግሎት ጥዕና ናብ ዝነበሮ ንምምላስ ኣሸጋሪ ካብ ዝገብሮ ነገር: ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ፡ ኣብ ምብራቕን ማእከላይን ዞባታት ትግራይ ዝርከቡ መደበራት ጥዕና ኣብ ትሕቲ እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር እቲ ክልል ስለዘየለን ደሞዝ ሰራሕተኛታትን መድሃኒትን ከምኡ'ውን ዓቕሚ ሰብ ኣብ ዝግበኦ ቦታ ኣብ ግዚኡ ክብጽሕ ስለዘይክኣለ እዩ" ይብል እቲ መግለጺ።

ኣብ መቐለን ኣብ ዓዲ ጉዶምን ዝርከባ መደበራት ጥዕና ብተዛማዲ ኣብ ዝሓሸ ኩነታት ዝርከባ ኮይነን፡ ኣብ ዓድዋ፡ ኣኽሱምን ሽረን ዝርከባ መደበራት ጥዕናታት ግን ዕንወት ኣጋጢምወን ከምዘሎ እቲ መግልጺ ኣብ ጸብጻቡ ኣስፊሩ።

ካበዚ ብተወሳኺ ኣቶም ኣብ መደበራት ጥዕና ዝሰርሑ ዝነበሩ ሰራሕተኛታት ገሊኦም ስለዝተፈናቐሉ፡ እቶም ዝተረፉ ኸኣ ደሞዞም ወይ ገንዘቦም ካብ ባንኪ ከውጽኡ ስለዘይከኣሉ፡ መሰረታዊ ጠለባቶም ከማልኡ ከምዘይክኣሉ ኣነጺሩ።

ስደተኛታትን ተፈናቀልትን

ኣብ ክልል ትግራይ ካብ ዝርከቡ ኣርባዕተ መዓስከራት ስደተኛታት ኣብ ሸመልባን ሕጻጽን ዝነበሩ ኤርትራውያን ስደተኛታት ፋሕ ከምዝበሉን ክልቲኤን መዓስከራት ከምዝዓነዋን ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ሓቢሩ።

ቅድሚ እቲ ኵናት ምጅማሩ ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ሸመልባ ኣስታት 8500 ኤርትራውያን ስደተኛታት ከምዝነበሩን ድሕሪ እቲ ኵናት ግን ብግምት ኣስታት 5000 ናብ ሸራሮን ሽረን ከምዝተበተኑን እቶም ዝተረፉ 3500 ግን ብፍቃዶምን ብዘይፍቃዶምን ናብ ዝተፈላለየ ቦታታት ከምዝተወሰዱን እቲ ኮምሽን ጠቒሱ ።

ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ሕጻጽ'ውን ብግምት ኣስታ 13000 ስደተኛታት ከምዝነበሩ ዝገልጽ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ፡ ካብዚኦም እቶም 8000 ናብ ከተማታት ሽረን ሸራሮን ፍሕ ኢሎም ኢሉ።

"ዝበዝሑ እቶም ስደተኛታት መጽለልን መሰረታዊ ነገራትን ኣብ ዘይረኽበሉ ኩነታት ከምዝርከቡ ሓበሬታ ኣለና" ክብል ኣፍሊጡ'ሎ።

ኮኣብ ሸሞንተ ተፈናቐልቲ የዕቊቦምሉ ዘለዉ ኣብያተ ትምህርቲ ብኣካል ድሕሪ ምዕዛብ "እቲ ዝቐርብ ዘሎ መሰረታዊ ነገራት ኣዝዩ ውሑድ እዩ" ኢሉ።