እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ትግራይ ጾታዊ ዓመጻት ይፍጸሙ ኣለዉ ዝብል ጸብጻብ ኣዝዩ ከምዘሻቐላ ፍልይቲ ወኪል ሕቡራት ሃገራት ገሊጻ
ኣብ ክልል ትግራይ ከቢድ ጾታዊ ዓመጽ ይፍጸም ከምዘሎ ዝገልጹ ጸብጻባት ኣዝዮም ከምዘሻቐልዋ ፍልይቲ ወኪል ሕቡራት ሃገራት ኣብ ጉዳያት ናይቶም ኣብ ግጭታት ዝፍጸሙ ጾታዊ ዓመጻት ገሊጻ።
ፕራሚላ ፓተን ትማሊ ኣብ ዘውጽኣቶ መግለጺ፡ ሰባት ኣባላት ስድራቤቶም ክጋሰሱ ብሓይሊ ይግደዱ ከምዘለዉን፡ ውታሃደራት ብጥቕሚ ኣገዲዶም ጾታዊ ርክብ ይፍጽሙ ኣለዉ ዝብል ክስታትን ከምዝበጽሓ ሓቢራ።
"ኣብታ ርእሰ ከተማ [ክልል ትግራይ] ዝኾነት መቐለ'ውን ልዑል ቁጽሪ ዘለዎ ጾታዊ ዓመጻት ተፈጾሞም ዝብል ክሲ ኣሎ" ክትብል ሓቢራ።
ጠለባት መከላኸሊ ጥንሲን መርመራ ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ሕማማትን ሃንደበት ከምዝወሰኸ ንትካላት ጥዕና ብምጥቃስ ገሊጻ።
ኩሎም ወገናት ካብቲ ተግባር ክቑጠቡን ዓለምለኻዊ ሕጊ ከኽብሩን'ውን ጸዊዓ።
ብሰንኪ'ቲ ኵናት ተፈናቒሉ ዝርከብ ይኹን ብሓፈሻ ኩነታት ኣብቲ ክልል ዘሎ ህዝቢ ከምዘሻቐሎም ዝተፈላለዩ ትካላት ረዲኤት ይገልጹ ኣለዉ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ብወገኑ፡ ናብቲ ክልል ኣድላዪ ዝብሃል ናይ መግቢን ሕክምናዊ ቀረባትን ናብቲ ህዝቢ ከምዝሰደደን ምስ መሻርኽቲ ትካላት ረዲኤት ይተሓባብር ከምዘሎን'ዩ ዝገልጽ።
ቁጽሪ ናይቲ ተመዛቢሉ ዘሎ ህዝቢ ብዙሕ ብምዃኑ ግን እቲ ዝስደድ ዘሎ ሓገዝ ምስኡ ከምዘይመጣጠን ጸብጻባት የመልክቱ።
ትካላት ረዲኤት ብወገኖም ብዘይገደብ ናብቲ ክልል ክኣትዉ ከምዘይክኣሉ'ዮም ዝዘረቡ።
እታ ፍልይቲ ወኪል ኣብ መግለጺኣ፡ "ኣብ ሓያሎ መዓስከራት ስደተኛታት ኣብ ልዕሊ ደቂንስትዮን ኣዋልድን ጾታዊ ዓመጻት ይፍጸም ከምዘሎ ዝገልጹ ጸብጻባት'ውን እናወሰኹ ይኸዱ ኣለዉ" ክትብል ጠቒሳ'ላ።
ኩነታት ናይቶም ኣብ 4 መዓስከራት ስደተኛታት ዘለዉ ኣስታት 100 ሽሕ ኤርትራውያን ካብ ሓለዋ ሕቡራት ሃገራት ወጻኢ ንሓደጋ ከምዝተቓልዑ ይዝከር። ብፍላይ ኩነታት መዓስከራት ሽመልባን ሕጻጽን ሕጂ'ውን ብንጹር ኣይተፈልጠን።
ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ናብተን መዓስከራት ክበጽሕ ካብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ፍቓድ ከምዘይረኸበ ገሊጹ ነይሩ።
'ብሄር መሰረት ዝገበረ ቅትለታት'
ኣብዝሓለፈ ሰሙን፡ ኣብ ክልል ትግራይ ገበናት ኵናት ተፈጺሙ ክኸውን ከምዝኽእል ሕብረት ኣውሮጳ ስክፍትኡ ገሊጹ ነይሩ።
ሰባት ብሰንኪ ብሄሮም ይቕተሉ ከምዘለዉን ጾታዊ ዓመጻት ይፍጸም ከምዘሎን ዝገልጽ ጸብጻባት ይበጽሖ ከምዘሎ ሓላፊ ጉዳያት ወጻኢ ናይቲ ሕብረት ጆሰፕ ቦረል ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ጠቒሱ።
"ብሄር መሰረት ዝገበረ ጎነጽ፣ ቅትለታት፣ ሰፊሕ ዝምታ፣ ጾታዊ ዓመጽ፣ በስገዳድ ስደተኛታት [ናብ ኤርትራ] ምምላስን ተኽእሎ ገበናት ኵናትን ከምዝተፈጸሙ ዝገልጹ ንሓድሕዶም ዝቃደዉ ጸብጻባት ይበጽሑና ኣለዉ" ይብል ኣብቲ ዘውጽኦ መግለጺ።
"ኣብ ባይታ ዘሎ ኩነታት ኪኖ ውሽጣዊ ናይ 'ሕግን ስርዓትን ስርሒት'ዩ" ክብል ድማ ኣጠንቂቑ ነይሩ።
ኣብ መጀመርታ ወርሒ ሕዳር፡ ሓይልታት ክልል ትግራይ ንመዓስከራት ሰራዊት ፈደራል ድሕሪ ምቁጽጻሮም ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ነቲ ኣብቲ ክልል ስልጣን ሒዙ ዝነበረ ውድብ ህወሓት ንምልጋስ ወታሃደራዊ መጥቃዕቲ ፈንዮም።
መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ኣብ መወዳእታ ናይቲ ወርሒ ኣብቲ ኵናት ከምዝተዓወተ'ኳ እንተገለጸ፡ እቲ ኩነታት ሕማቕ ከምዘሎ'ዩ ዝግለጽ።