ብዓል ኣቶ ጃዋር ምሕሳም መግቢ ከቋርጹ ብሽማግለታትን ፖሎቲከኛታትን ንዝቐረበሎም ምሕጽንታ ተሓሲመሞ

ምንጪ ስእሊ, Kamil Shemsu
ንመበል 12 መዓልቶም ኣድማ ምሕሳም መግቢ ዘካየዱ ዘለዉ ብዓል ኣቶ ጃዋር፡ ነቲ ምሕሳም መግቢ ከቋርጽዎ ብመራሕቲ ሃይማኖትን ፖሎቲከኛታትን ንዝቐረበሎም ምሕጽንታ ተሓሲሞሞ።
እቶም ድሕሪ ሞት ውሩይ ናይ ኣሮሞ ድምጻዊ ሃጫሉ ሁንዴሳ ተኸሲሶም ኣብ ቀይዲ ዝርከቡ ኣቶ ጃዋር መሓመድ፡ ኣቶ በቀለ ገርባ፡ ኣቶ ሸምሰዲን የጣሃን ሃምዛ ኣዳነን ኣብ ልዕሊ ቤተሰቦምን ፖሎቲካውያን መራሕትን ዝካየድ ዘሎ ማእሰርትን ምፍርራሕን ድው ንኽብል ንምጽዋዕ'ዮም ሎሚ ንመበል 12 መዓልቶም መግቢ ተሓሲሞም ዘለዉ።
ብጀካ እዞም ኣርባዕተ ጥርጡራት ምስ ናይ ኣርባዕቲኦም ክሲ ብዝተኣሳሰር ኣብ ቀይዲ ዝርከቡ ውልቀሰባት'ውን ነቲ ኣድማ ምሕሳም መግቢ ከምዝተጸንበርዎ ሓደ ካብ ጠበቓታት ጃዋር መሓመድ ዝኾነ ኣቶ ምስጋኑ መለታ ትማሊ ንቢቢሲ ሓቢሩ።
ካልእ ጠበቓ ኣቶ ጃዋር መሓመድ ዝኾነ ኣቶ ከድር ቤሎ ንቢቢሲ ከምዝሓበሮ፡ ቅድሚ ሕጂ ጠበቓታቶምን መቅርቦምን እኳ መግቢ ክበልዑ እንተተማሕጸንዎም ነቲ ምሕጽንታ ክቕበልዎ ከምዘይክኣሉ ገሊጹ።
ሎሚ'ውን ፍሉጣት ፖሎቲከኛታትን መራሕቲ ሃይማኖትን ናብቲ ተኣሲረሙሉ ዘለዉ ቃሊቲ ብምኻድ እቶም ክሱሳት ነቲ ኣድማ ምሕሳም መግቢ ደው ከብልዎ እኳ እንተሓተትዎም፡ እቲ ኣድማ ምሕሳም መግቢ ዘካይዱ ዘለዉ ተኸሰስቲ ነቲ ምሕጽንታ ከምዘይተቐበልዎ ኣቶ ከድር ንቢቢሲ ሓቢሩ።
"ካብ ፖሎቲከኛታት ኣቦ ወንበር ግንባር ሓርነት ኦሮሞ ኣቶ ዳውድ ኢብሳ፡ ኣቲ ሌንጮ ለታ፡ ኣቶ ባቴ ኤርጌሳ ከምኡ'ውን ካብ መራሕቲ ሃይማኖት ስታዝ ካሚል ሸምሱ ናብ ቃልቲ ብምኻድ እንተለመንዎም ፍቃደኛታት ክኾኑ ግን ኣይክኣሉን"
ካልእ ካብ ጠበቓታት ኣቶ ጃዋር መሓመድ፡ ኣቶ ምስጋኑ ሙለታ፡ እቶም መራሕቲ ሃይማኖትን ፖሎቲከኛታት ነቲ ኣድማ ምሕሳም መግቢ ደው ንክብልዎ ክልምንዎም እንከለዉ ኣብቲ ቦታ ከምዝነበረ እዩ ዝሕብር።
"ብዓል ኣቶ ጃዋር ኣዝዮም እዮም ተዳኺሞም ዘለዉ፡ ጃዋር ብዙሕ ክዛረብን ክስጉምን ኣይክእልን እዩ፡ ኣካላቱ ደኹሙ እዩ፡ ሓካይም'ውን ከይዛረብ እዮም ዝመኽርዎ ነይሮም" ክብል ንቢቢሲ ሓቢሩ።
"እቶም ንሽምግልና ዝኸዱ ሰባት መግቢ ብልዑ ኢሎም ለሚኖሞም ንሶም ግን ፍቃደኛታት ክኾኑ ኣይክኣሉን" ይብል።
ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት ሓካይም "መርመራ ምስ ገበርሎም ማይ እንተዘይሰትዮም ገለ ክፋል ኣካላቶም ካብ ስራሕ ወጻኢ ክኸውን ከምዝኽእል ምስ ነገርዎም ማይ ብሓይሊ ክወስዱ ጀሚሮም፡ መግቢ ግን ክሳብ ሕጂ ብጎሮሮኦም ኣይወረደን" ኣቶ ምስጋኑ ሙለታ ንቢቢሲ ሓቢሩ።
ንምንታይ ምሕሳም መግቢ?
ብዓል ኣቲ ጀዋር መሓመድ ኣድማ ምሕሳም መግቢ ዘካየድሉ ዘለዉ ቀንዲ ዕላማ፡ ኣብ ልዕሊ ፖሎቲከኛታት ዝወርድ ዘሎ ምንግልታዕን ምእሳርን ከምኡ'ውን ንዕኦም ንምብጻሕን ውዕሎ ፍርዶምን ንምክትታል ዝመጽኡ ሰባት ዝበጽሖም ዘሎ ማእሰርትን ምፍርራሕን ደው ንኽብል እዩ።
ኣቲ ጀዋር መሓመድን ኣቶ በቀለ ገርባን ዝርከብዎም ብዙሃት ፖሎቲከኛታት ድሕሪ ሞት ውሩይ ናይ ኦሮሞ ድምጻዊ ሃጫሉ ሁንዴሳ ብዝተለዓለ ዕግርግር ተተሓሒዙ ኣብቲ ዕግርግር ኢድ ነይርኩም'ዩ ብዝብል ክሲ'ዮም ኣብ ቀይዲ ኣትዩም።
ልክዕ ከም ናይ ብዓል ኣቶ ጀዋር መሓመድ ላዕለዎት ሓለፍቲ ግንባር ሓርነት ኦሮሞ'ውን ኣብ ኣድማ ምሕሳም መግቢ እዮም ዝርከቡ።
ኣቶ ሚካኤል ቦረን ኣቶ ኬነሳ ኣያና ቤት ፍርዲ ብዋሕስ ተፈቲሖም ጉዳዮም ኣብ ደገ ኮይኖም ክከታተሉ እኳ ብይን እንተሃበ፡ ፖሊስ ግን ነቶም እሱራት ካብ ቀይዲ ስለዘየውጽኦም ነቲ ውሳነ ናይ ፖሊስ ንምቅዋም ኣብ ኣድማ ምሕሳም መግቢ ከምዝርከቡ ጠበቓኦም ኣቶ ቱሊ ባይሳ ንቢቢሲ ሓቢሩ።
ኮምሽነር ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ዶክተር ዳንኤል በቀለ እቲ ኣድማ ምሕሳም መግቢ ነቶም ተኸሰስቲ (እሱራት) ናብ ዝኸፈአ ደረጃ ከየውድቖም ምክትታል ከምዘድልዮም ገሊጹ።
ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ብዓርቢ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ "እቶም እሱራት ኣድማ ምሕሳም መግቢ ንኸካይዱ ምክንያት ዝኾነ ነገር ኣብ ቤት ፍርዲ ከምኡ'ውን ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ቆላሕታ ክውሃቦ ኣለዎ" ኢሉ።
ንምዃኑ ኣድማ ምሕሳም መግቢ ክሳብ ክንደይ ውጽኢታዊ እዩ?
ኣድማ ምሕሳም መግቢ ሓደ ካብ ሰለማዊ ኣገባብ ተቓውሞ እዩ።
ኣብ ታሪኽ ከኣ ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ብምዃን ብምሕሳም መግቢ ተቓውምኦም ዘስምዑ ፍሉጣት ሰባት ኣለዉ።
ሓደ ካብ ክፍለ ግዝኣት ህንዲ ዝተሰጎገ ንጉስ ሓዉ ንኽምለስ ኣድማ ምሕሳም መግቢ ምግባሩ ኣብ ጥንታዊ ታሪኽ ሰፊሩ ኣሎ።
ኣይርላንድ ሃይማኖት ክርስትና ቅድሚ ምቕባላ፡ ጥሜት ሓደ ካብ ኣገባብ መቕጻዕቲ ገይራቶ ነይራ።
ኣብ ኣየርላንድ፡ ሓደ ሰብ በደል ምስ ዝፍጽም፡ እቲ ዝተበደለ ኣብ ኣፍደገ በሳሊ ከይዱ ብኣድማ ምሕሳም መግቢ ምስ ዝመውት ቀተልቱ እቶም በደልቱ'ዮም ዝብል ሕጊ ነይርዋ።
እቶም ኣድማ ምሕሳም መግቢ ዘካይዱ ሰባት ኣብ ልዕሊ 'በደልትና'ዮም' ዝብልዎም ሰባት ስነኣእምሮኣዊ ጸቕጢ ንምፍጣር ኢሎም እዮም ዘካይድዎ።
ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ምርጫ ንክሳተፋ ንኽፍቀደለን ኣድማ ምሕሳም መግቢ ኣካይደን ምንባረን'ውን ይፍለጥ።
ብፍላይ ማርዮን ደንሉፕ ዝተባህለት ተጣባቒት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ 1909 ንመሰል ደቂ ኣንስትዮ ዓዲ እንግሊዝ ኢላ ዘካየደቶ ኣድማ ምሕሳም መግቢ ዝያዳ ትዝከር።
ማርዮን ደንሉፕ "ድራር እንታይ ኢኺ ትበልዒ?" ተባሂላ ምስ ተሓተተት፡ "ቆራጽነተይ" ኢላ ትምልስ ምንባራ ኣብ ታሪኻ ሰፊሩ ኣሎ።
ጉዳይ ኣድማ ምሕሳም መግቢ ክልዓል እንከሎ ብግሉሕ ስሙ ካብ ዝጠቀሱ ሓደ ድማ ፍሉጥ ህንዳዊ ተቓላሳይ ማህተማ ጋንዲ እዩ።
ብዛዕባ ኣድማ ምሕሳም መግቢ መጽሓፍ ዝጽሓፈ ፕሮፌሰር ሻርማን ኣፕት ራሰል ኣብ ዕስራ ክፍለ ዘመን ፖሎቲካዊ ሕቶ ንምቕራብ ኣድማ ምሕሳም መግቢ ሓደ ካብ ኣገባባት ኮይኑ ምህላዉ እዩ ኣብ መጽሓፉ ኣስፊሩ።
ኣድማ ምሕሳም መግቢ ውጽኢት የምጽእ እዩ፡ ጎኒ ጎኑ ኸኣ ብዘይ ውጽኢት ዝፈሸለ ኣድማ ምሕሳም መግቢ ከምዝነበረ ፕሮፌሰር ራሰል ይጠቅስ።
ኣብ ኣድማ ምሕሳም መግቢ ዝርከብ ሰብ ንክንደይ መዓልታት ክጸንሕ ይክእል?
ኣብ ዝበዝሐ ኣድማ ምሕሳም መግቢ እቶም ተቓውሞ ዘካይዱ ሰባት መግቢ ደው ኣቢሎም ፈሳሲ ጥራይ ከምዝወስዱ ሰብ ሞያ ይሕብሩ።
ኣብ መጀመርታ ሰለስተ መዓልታት ኣብ ሰብነቶም ብዝጸንሐ ግልኮስ መጠናዊ ሓይሊ ክረኽቡ ይጸንሑ።
ብድሕሪ እዚ ኩሊቶም ኣብ ኣካላቶም ንዘሎ ስብሒ ከሕቅቖ ከምዝጅምር ሰብ ሞያ ጥዕና ይጠቕሱ።
ድሕሪ እዚ ግን ኣካላቶም ብጥምየት ክትጥቃዕ ስለዝጅምር መላግቦታቶም ንኣካላቶም ምጻር ይስእን፡ እዚ ደረጃ እዚ ኸኣ ሓደገኛ መድረኽ እዩ።
ሳይንቲፊክ ኣመሪካ ዝተባህለ መርበብ ሓበሬታ ኣብ ገጻቱ ኣብ ዘስፈሮ ምርምራዊ ጽሑፍ፡ ሓደ ሰብ ብዘይ መግቢ ንኽንደይ መዓልታት ክጸንሕ ይኽእል ንዝብል ሕቶ፡ ኣብ ክብደት ሰብነት፡ ኩነታት ጥዕና፡ ኣብ ዓይነት ጀነቲካዊ ተፈጥሮን ኣብ መጠን ዝርኽብዎ ብዝሕን ዓይነተትን ፈሳሲ ከምዝምርኮስ ጠቒሱ ኣሎ።
ማህተማ ጋንዲ ኣብ መበል 74 ዓመቱ ን21 መዓልታት መግቢ ከይለኸፈ ፈሳሲ ጥራይ እናወሰደ እዩ ኣድማ ምሕሳም መግቢ ኣካይዱ።
ብሪቲሽ መዲካል ጆርናል ንሰብ ሞያ ብምውካስ ኣብ ዘስፈሮ ጽሑፍ'ውን ን28፡ 36፡ 38 ከምኡ'ውን 40 መዓልታት ብዘይምቁራጽ ኣድማ ምሕሳም መግቢ ዝገበሩ ሰባት ከምዘለዉ ጠቒሱ ኣሎ።
ኣብ 1981 ኣብ ኣየርላንድ ብኣድማ ምሕሳም መግቢ ተቓውሞ ዘካይዱ ዝነበሩ 10 ሰባት ኣብ ውሽጢ 46 ክሳብ 73 መዓልታት ክሞቱ ክኢሎም እዮም።
ሰብ ኣብ ኣድማ ምሕሳም መግቢ ክጸንሓሉ ዝኽልእ መዓልታት ካብ ሰብ ናብ ሰብ ክፈላለ ከምዝክእል ዝገልጹ ሰብሞያ: ማእካለይ ገምጋም ሓደ ኣብ ኣድማ ምሕሳም መግቢ ዝርከብ ብህይወት ክጸንሓሉ ዝኽእል መዓልታት 21 ምዃኑ ይጠቕሱ።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







