ብዓል ኣቶ ጃዋር መሓመድ ንመበል 11 መዓልቲ መግቢ ተሓሲሞም ከምዘለዉ ጠበቓኦም ገሊጹ

በቀለ ገርባ፣ ጃዋር መሐመድን ሓምዛ ኣዳነን

ምንጪ ስእሊ, Yadi Pictures, BBC, Hamza Borena FAcebook

ኣቶ ጃዋር መሓመድ፡ ኣቶ በቀለ ገርባ፡ ኣቶ ሓምዛ ኣዳነን ኣቶ ሸምሰዲን ጠሃን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኮይኖም ዘካይድዎ ዘለዉ ኣድማ ምሕሳም መግቢ ሎሚ መበል 11 መዓልታት ከምዘቑጸረ ኣባላት ስድርኦምን ጠበቓታቶምን ንቢቢሲ ሓቢሮም።

ጃዋርን ብጾቱን ብገበናት ሽበራ፡ ምጥፍፋእ ቴለኮም ከምኡ’ውን ምጥሓስ ሕጊ ምምሕዳርን ምቁጽጻርን ኣጽዋር ዝብሉ ቀንዲ ካብቶም ዝቐረብሎም ክስታት’ዮም። ንሳቶም ግን እቲ ክስታት ፖለቲካዊ ሃቐነ ዘለዎ'ዩ ብምባል ይነጽግዎ።

እቶም ኣብ ቀይዲ ዝርከቡ ክሱሳት፡ ድሕሪ’ቲ ኣብ መወዳእታ ውርሒ ሰነ 2019 ዘጋጠመ ቅትለት ፍሉጥ ስነጥበባዊ ሃጫሉ ሁንዴሳን ዝሰዓበ ኣማኢት ሰባት ዝተቕትልሉ ናዕቢ’ዮም ተኣሲሮም።

ብጀካ እዞም ኣርባዕተ ጥርጡራት ምስ ናይ ኣርባዕቲኦም ክሲ ብዝተኣሳሰር ኣብ ቀይዲ ዝርከቡ ውልቀሰባት'ውን ነቲ ኣድማ ምሕሳም መግቢ ከምዝተጸንበርዎ ሓደ ካብ ጠበቓታት ኣቶ ጃዋር መሓመድ ዝኾነ ኣቶ ምስጋኑ መለታ ሓቢሩ።

እቲ ጠበቓ ትማሊ ንብዓል ኣቶ ጃዋር መሓመድ ከምዝበጽሖም ምብሕባር "መግቢ ካብ ዝሕሰሙ ትማሊ 11 መዓልቲ ኣቁጺሮም ኣለዉ፡ ኣዝዮም ተዳኺሞም ድማ'ዮም ጸኒሖሙኒ" ክብል ንቢቢሲ ሓቢሩ።

ብዓልቲ ቤቱ ንኣቶ በቀለ ገርባ ወይዘሮ ሃና ረጋሳ ብወገና: ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበረቶ ቃለ መሕተት ብዓልቤታ ኣብ ኣድማ ምሕሳም መግቢ ከምዝርከብ እያ ገሊጻ።

ጠበቓ ኣቶ ምስጋኑ መለታ: እቶም ምስ ክሲ ብዓል ኣቶ ጀዋር መሓመድ ብዝተኣሳሰር ኣብ ቀይዲ ዝርከቡ ተኸሰስትን ጋዜጤኛ ኦሮሞ ሚድያ ኔትዎርክ መለሰ ዲሪብሳን ምሕሳም መግቢ ካብ ዝጀምሩ ሸዱሽተ መዓልቲ ከምዘቑጸሩ ገሊጹ።

ብዓልቲ ቤት ጋዜጤኛ መለሰ ዲሪብሳ፡ ወይዘሮ ታደለች መርጋ ብዓል ቤታ ኣብ ምሕሳም መግቢ ከምዝርከብን ነቲ ትሰደሉ መግቢ ኣይበልዖን'የ ኢሉ ይመልሶ ምህላዉ ንቢቢሲ ሓቢራ።

ጃዋር መሃመድ

ምንጪ ስእሊ, MAHEDER HAILESELASSIE TADESE

ጠበቓ ኣቶ ምስጋኑ "ገሊኦም ብሰብ ተደጊፎም እዮም ካብቲ ተኣሲረሙሉ ዘለዉ ክፍሊ ዝወጽኡ፡ ብፍላይ እቶም ድሒሮም ነቲ ኣድማ ዝተጸንበርዎ ኣዝዩ ከቢድዎም ኣሎ" ኢሉ።

"ሓካይም ብዓል ኣቶ ጃዋር መሓመድ መርመራ ምስ ገበሩሎም ማይ እንተዘይሰትዮም ገለ ካብ ውሽጣዊ ኣካላቶም ካብ ስራሕ ወጻኢ ክኸውን ከምዝኽእል ምስ ሓበርዎም'ዮም ብሓይሊ ማይ ዝሰትዩ ዘለዉ፡ መግቢ ግን ክሳብ ሕጂ ኣይለኸፉን" ክብል ጠበቓ ኣቶ ምስጋኑ መለታ ንቢቢሲ ሓቢሩ።

ንምንታይ ምሕሳም መግቢ?

ብዓል ኣቲ ጀዋር መሓመድ ኣድማ ምሕሳም መግቢ ዘካየድሉ ዘለዉ ቀንዲ ዕላማ፡ ኣብ ልዕሊ ፖሎቲከኛታት ዝወርድ ዘሎ ምንግልታዕን ምእሳርን ከምኡ'ውን ንዕኦም ንምብጻሕን ውዕሎ ፍርዶምን ንመክትታል ዝመጽኡ ሰባት ዝበጽሖም ዘሎ ማእሰርትን ምፍርራሕን ደው ንኽብል እዩ።

ኣቲ ጀዋር መሓመድን ኣቶ በቀለ ገርባን ዝርከብዎም ብዙሃት ፖሎቲከኛታት ድሕሪ ሞት ውሩይ ናይ ኦሮሞ ድምጻዊ ሃጫሉ ሁንዴሳ ብዝተለዓለ ዕግርግር ተተሓሒዙ ኣብቲ ዕግርግር ኢድ ነይርኩም'ዩ ብዝብል ክሲ'ዮም ኣብ ቀይዲ ኣትዩም።

ልክዕ ከም ናይ ብዓል ኣቶ ጀዋር መሓመድ ላዕለዎት ሓለፍቲ ግንባር ሓርነት ኦሮሞ'ውን ኣብ ኣድማ ምሕሳም መግቢ እዮም ዝርከቡ።

ኣቶ ሚካኤል ቦረን ኣቶ ኬነሳ ኣያና ቤት ፍርዲ ብዋሕስ ወጺኦም ጉዳዮም ኣብ ደገ ኮይኖም ክከታተሉ እኳ ብይን እንተሃበ፡ ፖሊስ ግን ነቶም እሱራት ካብ ቀይዲ ስለዘየውጽኦም ነቲ ውሳነ ናይ ፖሊስ ንምቅዋም ኣብ ኣድማ ምሕሳም መግቢ ከምዝርከቡ ጠበቓኦም ኣቶ ቱሊ ባይሳ ንቢቢሲ ሓቢሩ።

ኮምሽነር ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ዶክተር ዳንኤል በቀለ እቲ ኣድማ ምሕሳም መግቢ ነቶም ተኸሰስቲ (እሱራት) ናብ ዝኸፈአ ደረጃ ከይቅድቖም ምክትታል ከምዘድልዮም ምግላጹ እቲ ኮምሽን ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ጠቒሱ ነይሩ።

ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ብዓርቢ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ "እቶም እሱራት ኣድማ ምሕሳም መግቢ ንኸካይዱ ምክንያት ዝኾነ ነገር ኣብ ቤት ፍርዲ ከምኡ'ውን ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ቆላሕታ ክውሃቦ ኣለዎ" ኢሉ።

ንምዃኑ ኣድማ ምሕሳም መግቢ ክሳብ ክንደይ ውጽኢታዊ እዩ?

ኣድማ ምሕሳም መግቢ ሓደ ካብ ሰለማዊ ኣገባብ ተቓውሞ እዩ።

ኣብ ታሪኽ ከኣ ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ብምዃን ብምሕሳም መግቢ ተቓውምኦም ዘስምዑ ፍሉጣት ሰባት ኣለዉ።

ሓደ ካብ ክፍለ ግዝኣት ህንዲ ዝተሰጎገ ንጉስ ሓዉ ንኽምለስ ኣድማ ምሕሳም መግቢ ምግባሩ ኣብ ጥንታዊ ታሪኽ ሰፊሩ ኣሎ።

ኣይርላንድ ሃይማኖት ክርስትና ቅድሚ ምቕባላ፡ ጥሜት ሓደ ካብ ኣገባብ መቕጻዕቲ ገይራቶ ነይራ።

ኣብ ኣየርላንድ፡ ሓደ ሰብ በደል ምስ ዝፍጽም፡ እቲ ዝተበደለ ኣብ ኣፍደገ በሳሊ ከይዱ ብኣድማ ምሕሳም መግቢ ምስ ዝመውት ቀተልቱ እቶም በደልቱ'ዮም ዝብል ሕጊ ነይርዋ።

እቶም ኣድማ ምሕሳም መግቢ ዘካይዱ ሰባት ኣብ ልዕሊ 'በደልትና'ዮም' ዝብልዎም ሰባት ስነኣእምሮኣዊ ጸቕጢ ንምፍጣር ኢሎም እዮም ዘካይድዎ።

ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ምርጫ ንክሳተፋ ንኽፍቀደለን ኣድማ ምሕሳም መግቢ ኣካይደን ምንባረን'ውን ይፍለጥ።

ብፍላይ ማርዮን ደንሉፕ ዝተባህለት ተጣባቒት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ 1909 ንመሰል ደቂ ኣንስትዮ ዓዲ እንግሊዝ ኢላ ዘካየደቶ ኣድማ ምሕሳም መግቢ ዝያዳ ትዝከር።

ማርዮን ደንሉፕ "ድራር እንታይ ኢኺ ትበልዒ?" ተባሂላ ምስ ተሓተተት፡ "ቆራጽነተይ" ኢላ ትምልስ ምንባራ ኣብ ታሪኻ ሰፊሩ ኣሎ።

ጉዳይ ኣድማ ምሕሳም መግቢ ክልዓል እንከሎ ብግሉሕ ስሙ ካብ ዝጠቀሱ ሓደ ድማ ፍሉጥ ህንዳዊ ተቓላሳይ ማህተማ ጋንዲ እዩ።

ብዛዕባ ኣድማ ምሕሳም መግቢ መጽሓፍ ዝጽሓፈ ፕሮፌሰር ሻርማን ኣፕት ራሰል ኣብ ዕስራ ክፍለ ዘመን ፖሎቲካዊ ሕቶ ንምቕራብ ኣድማ ምሕሳም መግቢ ሓደ ካብ ኣገባባት ኮይኑ ምህላዉ እዩ ኣብ መጽሓፉ ኣስፊሩ።

ኣድማ ምሕሳም መግቢ ውጽኢት የምጽእ እዩ፡ ጎኒ ጎኑ ኸኣ ብዘይ ውጽኢት ዝፈሸለ ኣድማ ምሕሳም መግቢ ከምዝነበረ ፕሮፌሰር ራሰል ይጠቅስ።

ኣብ ኣድማ ምሕሳም መግቢ ዝርከብ ሰብ ንክንደይ መዓልታት ክጸንሕ ይክእል?

ኣብ ዝበዝሐ ኣድማ ምሕሳም መግቢ እቶም ተቓውሞ ዘካይዱ ሰባት መግቢ ደው ኣቢሎም ፈሳሲ ጥራይ ከምዝወስዱ ሰብ ሞያ ይሕብሩ።

ኣብ መጀመርታ ሰለስተ መዓልታት ኣብ ሰብነቶም ብዝጸንሐ ግልኮስ መጠናዊ ሓይሊ ክረኽቡ ይጸንሑ።

ብድሕሪ እዚ ኩሊቶም ኣብ ኣካላቶም ንዘሎ ስብሒ ከሕቅቖ ከምዝጅምር ሰብ ሞያ ጥዕና ይጠቕሱ።

ድሕሪ እዚ ግን ኣካላቶም ብጥምየት ክትጥቃዕ ስለዝጅምር መላግቦታቶም ንኣካላቶም ምጻር ይስእን፡ እዚ ደረጃ እዚ ኸኣ ሓደገኛ መድረኽ እዩ።

ሳይንቲፊክ ኣመሪካ ዝተባህለ መርበብ ሓበሬታ ኣብ ገጻቱ ኣብ ዘስፈሮ ምርምራዊ ጽሑፍ፡ ሓደ ሰብ ብዘይ መግቢ ንኽንደይ መዓልታት ክጸንሕ ይኽእል ንዝብል ሕቶ፡ ኣብ ክብደት ሰብነት፡ ኩነታት ጥዕና፡ ኣብ ዓይነት ጀነቲካዊ ተፈጥሮን ኣብ መጠን ዝርኽብዎ ብዝሕን ዓይነተትን ፈሳሲ ከምዝምርኮስ ጠቒሱ ኣሎ።

ማህተማ ጋንዲ ኣብ መበል 74 ዓመቱ ን21 መዓልታት መግቢ ከይለኸፈ ፈሳሲ ጥራይ እናወሰደ እዩ ኣድማ ምሕሳም መግቢ ኣካይዱ።

ብሪቲሽ መዲካል ጆርናል ንሰብ ሞያ ብምውካስ ኣብ ዘስፈሮ ጽሑፍ'ውን ን28፡ 36፡ 38 ከምኡ'ውን 40 መዓልታት ብዘይምቁራጽ ኣድማ ምሕሳም መግቢ ዝገበሩ ሰባት ከምዘለዉ ጠቒሱ ኣሎ።

ኣብ 1981 ኣብ ኣየርላንድ ብኣድማ ምሕሳም መግቢ ተቓውሞ ዘካይዱ ዝነበሩ 10 ሰባት ኣብ ውሽጢ 46 ክሳብ 73 መዓልታት ክሞቱ ክኢሎም እዮም።

ሰብ ኣብ ኣድማ ምሕሳም መግቢ ክጸንሓሉ ዝኽልእ መዓልታት ካብ ሰብ ናብ ሰብ ክፈላለ ከምዝክእል ዝገልጹ ሰብሞያ: ማእካለይ ገምጋም ሓደ ኣብ ኣድማ ምሕሳም መግቢ ዝርከብ ብህይወት ክጸንሓሉ ዝኽእል መዓልታት 21 ምዃኑ ይጠቕሱ።