ኣቶ ጃዋር መሓመድ ዝርከቦም ክሱሳት ሎሚ ኣብ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም

ምንጪ ስእሊ, Yadi Pictures, BBC, Hamza Borana/Facebook
ኣቶ ጃዋር መሓመድን ኣቶ በቀለ ገርባን ዝርከብዎም ብሽበራን ካልኦት ጉዳያት ብዝተሓሓዝን ኣብ ቀይዲ ዝርከቡ 21 ክሱሳት ሎሚ ሰሉስ ኣብ ቤትፍርዲ ኣዲስ ኣበባ ቀሪቦም።
ኣብቲ ሎሚ ዝዋዓለ መጋባእያ፡ እቶም ክሱሳት ዘቕርበዎ ናይ ክሲ መከላኸሊ ምጉት ቤት ፍርዲ ነጺግዎ።
እቶም ክሱሳት፡ እቲ ክሲ ተፈጺምሉ ዝተባህለ ቦታ ክልል ኦሮሚያን ኣዲስ ኣበባን ብምዃኑ፡ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፌደራል ጨንፈር ልደታ ክርእዮ ስልጣን ስለዘይብሉ ጉዳዮም ናብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ክልል ኦሮምያ ክሰጋገር ሓቲቶም ምንባሮም ይፍለጥ።
ገለ ካብቶም ዝቐረቡሎም ክስታት ወታሃደራዊ ብረት ናይ ምቁጽጻርን ምምሕዳርን ኣዋጅ ምጥሓስን ከምኡ’ውን ናይ ቴለኮም ምጥፍፋእ ዝርከብዎም ኮይኖም፡ ካብዚኦም ንምክልኻል ዘቕረብዎ ሕቶ’ውን ብቤት ፍርዲ ተቐባልነት ኣይረኸበን።
እቲ ዝቐረበሎም ክሲ ሕገ መንግስቲ ዝህቦ ማዕረነት ዝጠሓስ ብምዃኑ ክቋረጽ ዘቕረብዎ ጠለብ’ውን ብምሉእ ድምጺ ተነጺጉ’ሎ።
ኣብ ገለ ካብቶም ጉዳያት ግን ዓቃቢ ሕጊ ነቶም ክስታት ኣመሓይሹ ከቕርብ ተኣዚዙ’ሎ።
በዚ መሰረት እቲ ዓቃቢ ሕጊ ክስታቱ ኣምሓይሹ ድሕሪ ሓደ ወርሒ ክምለስ ኣብ ዘቕረቦ ጠለብ ክሱሳት ተቓዊሞሞ ኣለዉ።
ገለ ካብቶም ክሱሳት እቲ ምንዋሕ ግዜ ኣብቲ ክካይድ ዝሕሰብ ዘሎ ሃገራዊ ምርጫ ከይሳተፉ ዝገብር ብምዃኑ ክሓጽር ሓቲቶም።
ቤት ፍርዲ ንክልቲኡ ወገን ብምስማዕ ኣብ ዝመጽእ 14 ጥሪ (22 ጥሪ 2021) ናይዚ ዓመት ክምለሱ ውሳነ ሂብዎም ኣሎ።
ኣቶ ጃዋር መሓመድ ዝርከቦም ገለ ካብቶም ክሱሳት፡ ኣብታ ሃገር ከቢድ ናይ ጸጥታ ስግኣት ብምህላዉ፡ ኣብ ዘለውሉ ቦታ ኮይኖም ጉዳዮም ክከታተሉ ዝቕረብዎ ሕቶ ተቐባልነት ብዘይ ምርካቡ ከም ዝሓዘኑ ብምግላጽ፡ ንዝበጽሖም ሓደጋ ተሓታቲ እቲ ቤት ፍርዲን ኣኽበርቲ ሕግን ምዃኖም ኣጠንቂቖም።
ኣኽበርቲ ሕጊ ብወገኖም፡ እቲ ውሳነ ምግዳድ ዘይኮነ ከም ኣማራጺ ዝቐረበ ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ብዛዕባ ድሕነቶም ከምዝከታተሉ ቃል ኣትዮም።
እቶም ክሱሳት ድሕሪም’ቲ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ሰነ 2020 ዝተፈጸመ ቅትለት ውሩይ ኢትዮጵያዊ ስነጥበባዊ ሃጫሉ ሁንዴሳ እዮም ኣብ ቀይዲ ኣትዮም።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







