ኢትዮጵያ፡ ጥዕና ጃዋር መሓመድን በቀለ ገርባን 'ኣብ ኣስጋኢ ኩነታት' ከምዝርከብ ተገሊጹ

ፖለቲከኛታት ኣይተ ጃዋር መሓመድን ኣይተ በቀለ ገርባን

ምንጪ ስእሊ, Jawar Mohammed/FB

ኣብ ማእሰርቲ ዝርከቡ ጀዋር መሓመድን በቀለ ገርባን ዝርከብዎም ፖለቲከኛታት ኣብ ኣድማ ምሕሳም ምግቢ ከም ዝርከቡ ተፈሊጡ።

ሓደ ካብ ጠበቓታቶምን ቤተሰብ ፖለቲከኛ ጃዋር መሓመድን ንቢቢሲ ከም ዝሓበርዎ እቶም ፖለቲከኛታት ኣብ ምሕሳም መግቢ ሻድሻይ መዓልቶም ስለ ዘቑጸሩ፤ ጥዕንኦም ኣብ ኣስጋኢ ኩነታት ይርከብ።

ሓፍቲ ጃዋር መሓመድ ዝኾነት ራቢያ ሲራጅ፡ ክልቲኦም ዝርከብዎም እሱራት ፖለቲከኛታት ኣዝዮም ተዳኺምም ከም ዝርኣየቶም ተዛሪባ።

ንሳ፡ "ሕዚ ሪእዬኦም እየ ዝምለስ ዘለኹ። 'ቃልሲ ነካይድ ስለ ዘለና ዋላ ሓደ ነገር ኣይንበልዕን' ኢሎምኒ። ሰብ ከመይ ኢሉ ማይ'ኳ ከይጠዓመ ይጸንሕ? ደው ምባል ኣብዩዎም እየ ሪእየዮም። ደው ኢሎም ሰብ ከዛርቡ ኣይክእሉን። ሎሚ መዓልቲ ሻድሻይ መዓልቶም እዩ። ኣነ ብዓይነይ ምርኣይ ከቢዱኒ በኺየ ገዲፈዮም ወጺኤ" ኢላ።

በዓል ጃዋር፡ 'ብመስዋእቲ መናእሰይ ዝተረኸበ ዓወት ኣሕሊፍና ኣይንህብን' ከም ዝብሉ ድማ ወሲኻ ተዛሪባ።

ትማሊ ክልተ ኣምቡላንስ ኣብኡ ደው ኢለን ክጽበያ ከም ዝረአየትን እንተወዲቖም ክለዓሉ ከም ዘይክእሉን ግምታ ሓቢራ።

ሓደ ካብ ጠበቓታት በዓል ጃዋር ዝኾነ ኣይተ ቱሊ ባይሳ ብወገኑ፡ ብሰሉስ ናብ ቤት ማእሰርቲ ከይዱ ንኹነታት እቶም እሱራት ከም ዝረኣየን ንሱ'ውን ተዳኺሞም ከም ዝረኸቦምን ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

"ሰለስተ ጠበቓታት ኮይንና ብምኻድ ንኣይተ በቀለ፣ ኣይተ ጀዋር፣ ኣይተ ሃምዘን ኣይተ ሸምሰዲንን ሪኢናዮም። ካልእ እዋን ንሕና ጠበቓታቶምን ምስኣቶም እንራኸበሉ ቦታ ዝተፈለየ ነይሩ። ሎሚ ግን ናብቲ ቦታ ክመጽእ ስለ ዘይከኣሉ ናብ ውሽጢ እተዉ ተባሂልና ናብቲ ዝድቅሱሉ ክፍሊ ኣቲና ኢና ረኺብናዮም" ኢሉ።

ኣርባዕቲኦም ኣብ ፍራሽ ደቂሶም ከም ዝረኸቡዎም እንተኾነ ኣዝዮም ከም ዝተዳኸሙን ክንቀሳቐሱ ከም ዘይክእሉን እቲ ጠበቓ ገሊጹ።

ኣይተ ቱሊ ወሲኹ ድማ፡ "ከፍ ስለ ዘይብሉ ዳቂሶም ከለዉ ኢና ኣዛሪብናዮም። ከም ዝተጎድኡ ኣብ ገጾም ይረኣይ ነይሩ። መጠን ግሉኮሶም ነኪዩ'ሎ። ብፍላይ ኣይተ በቀለ ገርባ መጠን ግሉኮሱ ኣዝዩ ከም ዝነከየን ዝለዓለ ክትትል ከም ዘድልዮን ብሓኻይም ከም ዝተነገሮም'ዮም ገሊጾምልና" ኢሉ።

ጠበቓ ቱሊ ከም ዝብሎ ትማሊ ቅድሚ ቐትሪ ናይ ውልቆምን መንግስታውን ሓኻይም ብሓባር ናብቲ ቤት ማእሰርቲ ከይዶም ንበዓል ጃዋር ርእዮምዎም'ዮም።

ንሳቶም፡ ብጠበቓታቶም ኣቢሎም ኣብ ዝጽሓፍዎ መመልከቲ ደብዳበ፡ ብምኽንያት እቲ ምሕሳም ምግቢ ኣብ ጥዕንኦም ጸገም እንተጋጢሙን እንተወዲቖምን ናብ ናይ ውልቆም ሓኸይም እምበር መንግስቲ ናብ ዘዳልዎም ሓካይም ክውሰዱ ድልየት ከም ዘይበሎም ኣፍሊጦም ኣለዉ።

ምኽንያት ምሕሳም ምግቢ እቶም ፖለቲከኛታት እንታይ'ዩ?

እቲ ለውጢ ንሳቶም ዝተሳተፍሉን ቄሮን ቀሬን ዝመርሕዎ ኮይኑ እናሃለወ፡ ኣብ ልዕሊ መራሕቲ ውድባት ኦሮሞ ማእሰርትን ኣብ መረጻ ከይሳተፉ ምስራዝን ጠጠው ንክብል ዝዓለመ ምዃኑ እቲ ጠበቓ ይዛረብ።

ወሲኹ፡ እቶም እሱራት ፖለቲከኛታት ኣብ ልዕሊ ሚድያታት ኦሮሞ ይካየድ ኣሎ ዝበሉዎ ዓፈና ጠጠው ንኽብል ከም ዝደልዩ ገሊጾምለይ ኢሉ።

"ብሓፈሻ ልዕልና ሕጊ ይኽበር ኣይኮነን ዘሎ። ስለዚ ንሕና ኣብ ቤት ማእሰርቲ ስለ ዘለና መግቢ ብምሕሳም ሰላማዊ ተቓውሞ ክንገልጽ ስለ ዝወሰንና ኢና ነዚ ንገብር ዘለና ዝብል'ዩ ሓሳቦም።"

ድሕረ ባይታ 'ቲ ክሲ

ኣብ ልዕሊ ጃዋር መሓመድን በቀለ ገርባን ዝርከቦም 24 ተኸሰስቲ ካብ ዝቐረቡ 10 ክስታት እቶም ሽድሽተ ንክስረዙ፡ ብ22 ጥሪ 2021 ዝወዓለ መጋባእያ ቤትፍርዲ ወሲኑ።

እቶም ኣብ ቀይዲ ዝርከቡ ክሱሳት፡ ድሕሪ'ቲ ኣብ መወዳእታ ውርሒ ሰነ 2019 ዘጋጠመ ቅትለት ፍሉጥ ስነጥበባዊ ሃጫሉ ሁንዴሳን ዝሰዓበ ኣማኢት ሰባት ዝተቕትልሉ ናዕቢ'ዮም ተኣሲሮም።

ጃዋርን ብጾቱን ብገበናት ግብረ-ሽበራ፡ ምጥፍፋእ ቴለኮም ከምኡ'ውን ምጥሓስ ሕጊ ምምሕዳርን ምቁጽጻርን ኣጽዋር ዝብሉ ቀንዲ ካብቶም ዝቐረብሎም ክስታት'ዮም።

እቶም እሱራት ነቲ ክሲታት ክነጽግዎ ጸኒሖም'ዮም።

ብፍላይ ኣቶ ጃዋር፡ ማእሰርቱ ኣብቲ ዝመጽእ ምርጫ ከይሳተፍ ዝተወሰነ ፖለቲካዊ ክሲ'ዩ ክብል ይምጉት።

ንመሰላት ህዝቢ ኦሮሞ ክቃለስ ዝጸንሐ ጃዋር መሓመድ፡ ኣባል ሰልፊ ኦሮሞ ፌደራሊስ ኮንግረስ (ኦፌኮ) ኮይኑ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ኣብ ስልጣን ድሕሪ ምምጽኡ'ዩ ካብ ኣመሪካ ናብ ኢትዮጵያ ኣትዩ።

ጃዋር ኣብ 2013 ነቲ ኣንጻር መንግስቲ ኢሂወዴግ ካብ ርሑቕ ዘካይዶ ዝነበረ ፖለቲካዊ ገስጓሳቱ ንምሕያል ኦሮሚያ ሜድያ ኔትዎርክ (OMN) ዝብል መደበር ሳተላይት ቴሌቪዥን መስሪቱ።

ኣብዚ እዋን'ዚ እቲ ንሱ ዝመስረቶ መደበር ቴሌቪዢን'ውን ኣብ ኢትዮጵያ ከይሰርሕ ብመንግስቲ ተኣጊዱ ይርከብ።