ሩስያ ዲፕሎማሰኛታት ሰለስተ ሃገራት ኣውሮጳ ኣባሪራ

ሩስያ ኣብ ፈለማ ናይዚ ሰሙን፡ ንኣሌክሲ ናቫልኒ ብምድጋፍ ኣብ ዝተኻየደ ሰላማዊ ሰልፊ ከም እተሳተፉ ዝገለጸቶም ዲፕሎማሰኛታት ጀርመን፡ ሽወደንን ፖላንድን ኣባሪራ።

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ፡ እቶም ዲፕሎማሰኛታት ኣብ 23 ጥሪ ኣብ ዝተኻየደ "ዘይሕጋዊ ሰልፊ ተቓውሞ" ከም እተሳተፉ ሓቢሩ።

ሃገራት እቶም ዲፕሎማሰኛታት ከምኡ'ውን ብሪጣንያ፡ ፈረንሳን ኣውሮጳዊ ሕብረትን ነቲ ምስጓግ ኮኒነንኦ ኣለዋ።

ኣሌክሲ ናቫልኒ ንፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ብምንቃፍ ዝፍለጥ ተቓዋሚ ፖለቲከኛ እዩ።

እቲ ምስጓግ፡ ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣውሮጳዊ ሕብረት ጆሴፍ ቦረል ምስ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ ሰርጌ ላቭሮቭ ኣብ ሞስኮ ድሕሪ ምርኻቡ ድሕሪ ሒደት ሰዓታት እዩ ተገሊጹ።

ብ23 ከምኡ'ውን 31 ጥሪ ንኣሌክሲ ናቫልኒ ንምድጋፍ ኣብ ዝተኻየደ ሰላማዊ ሰልፊ፡ ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ድሕሪ ምስታፎም፤ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ተኣሲሮም እዮም።

እቲ ምስጓግ "ቅንዕና ዘይብሉ" ምዃኑ ዝገለጸት ጀርመን፤ ሩስያ ዳግመ ግምት እንተዘይጌራ "ብዘይምላሽ ከም ዘይሓለፍ" ሓቢራ።

ናታ ዲፕሎማት ኣብቲ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ምስታፉ ዝገልጽ ሓበሬታ መሰረት ዘይብሉ እዩ ዝበለት ሽወደን'ውን ግቡእ ምላሽ ናይ ምሃብ መሰላ ኣብ ቦትኡ ከም ዘሎ ገሊጻ።

ፖላንድ ብወገና እቲ ናይ ምስጓግ ስጉምቲ "ኣብ ዝምድና ክልቲአን ሃገራት ንዘሎ ቅልውላው ዘዕርግ" እዩ ኢላ።

ጆሴፍ ቦሬል ንኣውሮጳዊ ሕብረት ወኪሉ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ "ነቲ ውሳነ ኣዝዩ ከም ዝኹንኖን እቶም ዲፕሎማሰኛታት ምስ መዝነቶም ኣብ ዘይመጣጠን ንጥፈታት ተሳቲፎም ንዝብል ክሲ'ውን ከም ዝነጽጎን" ሓቢሩ።

ሰርጌ ላቭሮቭ ግና፡ ብምኽንያት ኣተሓሕዛ ናቫልኒ፡ ብኣውሮጳዊ ሕብረት ዝውሰድ ናይ እገዳ ስጉምቲ ሕጋዊ ከም ዘይከውን ተዛሪቡ።

ጀርመንን ፖላንድን ንኣምባሳደራት ሩስያ ብምጽዋዕ ኣብቲ ምስጓግ ዘለወን ዕቃበታት ከም ዝገለጻሎም ሓቢረን።

ኣሌክሲ ናቫልኒ መን እዩ?

ወዲ 44 ዓመት ፖለቲከኛ ናቫልኒ ካብ 2011 ጀሚሩ፡ ኣንጻር ብልሽውና ፕረዘዲንት ፑቲን ብምጉስጓስ ይፍለጥ።

ኣብ ዝሓለፈ ነሓሰ ኣብ ምብራቓዊ ሩስያ ተመሪዙ ንሕክምና ናብ ጀርመን ተወሲዱ። ክእሰር ምዃኑ መንግትቲ ሩስያ ወላ'ኳ እንተኣጠንቐ፡ ኣብ መወዳእታ ናይ ዝሓለፈ ጥሪ፡ ናብ ሃገሩ ተመሊሱ።

ኣብ 2014 ተወንዚፉ ብዝጸንሐ ብይን፡ ንሰለስተ ዓመትን ፈረቓን ከም ዝእሰር ኣኽበርቲ ሕጊ ገሊጾም። ኣብ ናይ ገዛ ማሕዩር ዝጸንሖ ግዜ ኣብ ግምት ብምእታው እቲ ብይን ብሓደ ዓመት ከም ዝጎደለ'ውን ተገሊጹ።

ፑቲን ነታ ሃገር ብብልሽውና ይመርሓ ከም ዘሎን፡ ናይቲ ብምምራዝ ዝተፈጸሞ ፈተነ ቅትለት ተሓታቲ ምዃኑን ናቫልኒ ይኸስስ።

ናብ ሩስያ ድሕሪ ምምላሱ ብዩትዩብ ኣብ ዝዘርግሖ ቪድዮ፡ ካብ ሓደ ሩስያዊ ቢልዮነር ንፑቲን ዝተለገሰ ምዃኑ ዝገለጾ ናይ ሓደ ዓቢይ ቪላ ምስሊ ዘርጊሑ።

ፑቲን ኣብ ዝሃቦ ምላሽ ግና ወናኒ ናይቲ ቪላ ምዃኑ ንዝገልጽ ክሲ ነጺግዎ። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣርካዲ ሮተንበርግ ዝተባህለ ንፑቲን ቀረባ ዝኾነ ቢልዮነር፡ ነቲ ቪላ ቅድሚ ክልተ ዓመት ከም ዝዓደጎ ተዛሪቡ።

ናቫልኒ ኣብቲ ቀሪብሉ ዘሎ ክሲ: ምንእኣስ ገዳይም ካልኣይ ኲናት ዓለም ብዝምልከት ለካቲት 12 ናብ ቤትፍርዲ ክቐርብ እዩ።