ጀርመን ኣብ ልዕሊ ሩስያ ማዕቐብ ክተንብር ፀቕጢ ይግበረላ ኣሎ

ጀርመን መስመር ነዳዲ ሩስያ ንክትዓፁ፡ ሓያል ድፍኢት ይግበረላ ኣሎ።

እዚ ኣብ ልዕሊ ጀርመን ዝግበር ዘሎ ፀቕጢ ዝዓርግ ዘሎ፡ ነቓፊ መንግሰረቲ ሩስያ ዝኾነ ኣሌክሲ ናቫልኒ፡ ኣብ ጀርመን ተሓኪሙ ናብ ሩስያ ምስተመለስ፡ ድሕሪ ምእሳሩ እዩ።

ንሩስያን ኣውሮጳን ዘተኣሳስር ንግዲ ብቐሊሉ ዝረኣይ ኣይኮነን፤ ኣውሮጳ'ውን 40 ሚእታዊት ነዳዲ ካብ ሩስያ እያ ትረክብ።

እዚ ገዚፍ መስመር ነዳዲ፡ ካብ ሩስያ ኪንጊሴፐን ክሳብ ግራስዋልድ ጀርመን ዝዝርጋሕ እዩ።

እዚ ከኣ፡ ብብዙሓት ሃገራት ዝሓልፍን ኣብ ባሕሪ ባልቲክ ዝተቐበረን፡ ኣዝዩ ዝተሓላለኸ ገዚፍ ፕሮጀክት እዩ።

ቁጠባ ጀርመን ብሩስያ ዝተኣሰረ ክኸውን ይኽእል እዩ ዝብል ስግኣት፡ ካብ መፈለምታ እዚ ፕሮጀክት ጀሚሩ ይዝረበሉ ነይሩ።

ሕዚ ከኣ ብሰንኪ ማእሰርቲ ኣሌክሲ ናቫልኒ፡ ጀርመንን ሩስያን ይሰሓሓባ ኣለዋ።

ብዙሓት ሃገራት'ውን፡ ጀርመን ኣብ ልዕሊ ሩስያ ማዕቐብ ክትድንግግ፡ ፀቕጢ ይገብራ ኣለዋ።

ብፍላይ ድማ፡ ነቲ ካብ ሩስያ ክሳብ ጀርመን ዝተዘርግሐ ፕሮጀክት መስመር ነዳዲ ንኸተቋርጾ'ዩ ንጀርመን ሓያል ፀቕጢ ዝግበረላ ዘሎ።

'ኖርድ ስትሪም 2' ዝብል ስያመ ዝተውሃቦ እዚ ፕሮጀክት፡ ኣብ ኣውሮጳ ዓበይቲ ካብ ዝበሃሉ ፕሮጀክታት ሓደ እዩ።

ኣባላት ቤት ምኽሪ ሕብረት ኣውሮጳ'ውን፡ ኣባል ሃገራት ኣብ ልዕሊ ሩስያ ኩሉ ዓይነት ማዕቐብ ብምንባር፡ ፀቕጢ ክፈጥራ ፀዊዖም ኣለዉ።

ኣብ ሩስያ ምስተመረዘ፡ ኣብ ጀርመን ክሕከም ዝፀንሐ ኣሌክሴ ናቫልኒ፡ ሕክምንኡ ወዲኡ ናብ ሃገሩ ምስ ተመለሰ፡ ገና ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ እንከሎ እዩ፡ ኣብ ቀይዲ ኣትዩ።

ቅድም ክብል፡ ኣሜሪካ ኣብዚ ገዚፍ መስመር ነዳዲ ማዕቐብ ምድንጋጋ ይዝከር።

እዚ ማዕቐብ፡ ኣብ ልዕሊ እታ ነዚ መስመር ነዳዲ ትዝርግሕ ዘላ ናይ ሩስያ ገዛፍ መርከብ እዩ፡ ተነቢሩ።

ኣሜሪካ፡ እዚ መስመር ነዳዲ፡ ሩስያ ኣብ ኣውሮጳ ዝህልዋ ፅልዋ ዘዛእድ'ዩ ክትብል ጸኒሓ እያ።

እዛ ትራምፕ ስልጣን ንክለቅቕ ሒደት መዓልታት ምስተረፎ፡ ግዳይ ማዕቐብ ኣሜሪካ ዝኾነት መርከብ፡ ፎርቹና ትበሃል።

ሓድሽ ፕረዝደንት ኣሜሪካ ጆ ባይደን'ውን እንተኾነ፡ ነዚ ማዕቐብ ከምዝድክፎን ከምዘይኣልዮን'ዩ ዝገልጽ።

ቅድም ክብል ዶናልድ ትራምፕ፡ ነዚ ውዕሊ መስመር ነዳዲ፡ ንኣውሮጳ ሕማቕ ውዕሊ እዩ፡ ብምባል ተቓዊምዎ ነይሩ።

ኣብዚ ቀረባ ግዜ ኣብ ጉዳይ እዚ ማዕቐብ ብጋዜጠኛታት ሕቶ ዝቐረበላ መራሒት ጀርመን ኣንጌላ ሜርክል፡ እቲ ፕሮጀክት ሩስያ ንጀርመን ትልእኾ መጠን ነዳዲ ብዕፅፊ ዝውስኽ ወሳኒ ፕሮጀክት ምዃኑ ብምግላፅ፡ እንተኾነ መንግስታ ነዚ ጉዳይ ምስ ምምሕዳር ባይደን ከምዝዝትየሉ ሓቢራ።

እዚ 2460 ኪሎሜትር ዝሽፍን መስመር ነዳዲ፡ 94 ሚእታዊት ተዛዚሙ እዩ።

እዚ ፕሮጀክት፡ ኣብ መወዳእታ 2019 ኣሜሪካ ብሰንኪ ዘንበረቶ ማዕቐብ ንሓደ ዓመት ተቛሪፁ ነይሩ።

ኣብ መወዳእታ ዓመተ 2020'ውን፡ እቲ ቀንዲ ቱቦታት ናይ ምቕባር ስራሕቲ ዝሰርሕ ትካል ስርሑ ከቋርፅ ተገዲዱ ነይሩ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ግና፡ መርከብ ፎርቹና፡ ኣብ ትሕቲ ማያዊ ኣካላት ጀርመን መስመር ነዳዲ ናይ ምቕባር ስራሕታ ብምዝዛም፡ ኣብ ዴንማርክ ስርሓ ንምጅማር ትሸባሸብ ነይራ። ይኹን'ምበር እዚ ማዕቀብ፡ እዚ ስራሕ ክቋረፅን፡ መርከብ ፎርቹና ከኣ፡ ኣብ ባሕሪ ባልቲክ ደው ክትብልን ኣገዲድዋ ኣሎ።

ንፕረዝደንት ቭላድሚር ፑቲን ብምንቃፍ ዝፍለጥ ወዲ 44 ዓመት ኣሌክሲ ናቫልኒ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ነሓሰ ብኖቪቾክ ዝበሃል ናይ መትኒ መርዚ ምምራዙ ይዝከር፤ ድሕሪኡ ብህፁፅ ኣብ ጀርመን፡ በርሊን ኣብ ዝርከበ ሆስፒታል ድሕሪ ዝተገበረሉ ሕክምናዊ ክንክን ክሓዊ ክኢሉ።

ናቫልኒ፡ ምስሓወየ ናብ ሃገረይ ክምለስ እየ ብምባል፡ ናብ ሩስያ ምምላሱ፡ ንብዙሓት ኣስደሚሙ እዩ።

ኣሌክሲ ናብ ሩስያ እንክምለስ፡ ኣብታ ንሱ ዝተጓዓዘላ ነፋሪት ብዙሓት ጋዜጠኛታት ምስኡ ተጓዒዞም፤ እቲ ዝተሰግአ ግና ኣይተረፈን፤ ካብ በርሊን ናብ ሩስያ ምስኣተወ ኣብ ቀይዲ ኣትዩ።

ማእሰርቲ ኣሌክሲ ናቫልኒ ስዒቡ ድማ፡ ብዙሓት ሃገራት፡ ንሩስያ ኮኒነናኣ።

ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ጀርመን ሃይኮ ማስ፡ ማእሰርቲ ኣሌክሲ ናቫልኒ፡ ኣብ ሞንጎ ጀርመንን ሩስያን ፀገም ከምዝፈጥር ገሊፁ፤ ኣብ ጉዳይ ፕሮጀክት እዚ መስመር ነዳዲ ኣሉታዊ ፅልዋ ከምዝህልዎ'ውን፡ ኣአንፊቱ ነይሩ።

ኣብዚ ሰሙን ድማ፡ ሃይኮ ማስ ናብ ዋሽንግተን ብምኻድ ንመዘንኡ ኣንቶኒ ብሊንከን ክረክብ፡ ትፅቢት ይግበር።