ተመሪዙ ኣብ ሕክምና ዝጸንሐ መራሒ ተቓዋሚ ሩስያ ካብ ሆስፒታል ወጺኡ

ንፕረዚደንት ፑቲን ብምንቃፍ ዝፍለጥ መራሒ ተቓዋሚ መንግስቲ ሩስያ፡ ኣለክሲ ናቫንሊ፡ ካብቲ ክሕከመሉ ዝጸንሐ ኣብ በርሊን ዝርከብ ሆስፒታል ወጺኡ፡፡

ኩነታት ኣለክሲ ኣዐርዩ ስለዝተመሓየሸ፡ ዝግብረሉ ዝነበረ ሕክምናዊ ክትትል ጠጠው ከምዝበለ፡ ክሕከመሉ ዝጸንሐ ጀርመናዊ ሆስፒታል ቻሪተ ገሊጹ፡፡

እቲ ፍሉጥ መራሒ ተቓዋሚ ኖቪቾክ ብዝተብሃለ ባእታ ምስተሰመመ እዩ ናብቲ ሆስፒታል ኣትዩ፡፡

ስእሉ ኣብ ማሕበራዊ ዝጠቀዐ ናቫንሊ፡ እቶም ሓካይም ንክድሕን ዝካኣሎም ኩሉ ከምዝገበሩ ገሊጹ፡፡

ደገፍቱ ብትእዛዝ ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ክምረዝ ከምዝተገበረ እዮም ዝኸሱ፡፡ መንግስቲ ሩስያ ግን ኣይወዓልኩዎን ይብል፡፡

ኣብ እዋን ጉዕዞ ነፋሪት፡ ዝሓለፈ 20 ነሓሰ ኣቆጻጽራ ኣውሮጳ፡ ውኒኡ ስሒቱ ምስወደቐ ፡ ኣብ ጀርመን ናብ ዝርከብ ሆስፒታል ቻሪተ ተወሲዱ፡፡

ነቲ ወዲ 44 ዓመት ተሓካሚ፡ ን32 መዓልታ:ት ናይ 24 ሰዓት ጽኑዕ ክትትል ሓዊሱ ሕክምና ክገብረሉ ከምዝጸንሐ ዝሓበረ እቲ ሆስፒታል: እቶም ሓካይም ‘‘ ሙሉእ ብሙሉእ ክድሕን ይኽእል እዩ’’ ኢሎም ከምዝኣምኑን፡ እንተኾነ እቲ ሓያል ምምራዝ ኣብ ቀጻሊ እንታይ ሳዕቤን ከምጽኣሉ ይኽእል ንዝብል ግን ንምግማቱ ገና ከምዝኾነ ሓቢሩ፡፡

መንግስቲ ጀርመን ነቲ ረኺበዮ ዝበሎ ኣሌክሲ ናቫንሊ ዝተመረዘሉ ኖቮቾክ ዝተብሃለ ባእታ፡ ኣብ ፈረንሳን ሽወደንን ኣብ ዝርከቡ ቤተ-ፈተነታት እውን ደጊሙ ከምዘረጋገጾ ሓቢሩ፡፡

መንግስቲ ሩስያ ግን፡ ብዛዕባ እቲ ባእታ ዝተረኸበ መረዳእታ ከምዘየለ እዩ ዝምጉት ዘሎ፡፡

ድሕሪ እቲ ምርመራ ሕብረት ኣውሮጳ፡ ‘‘መንግስቲ ሩስያ ዘይሻራዊ ብዝኾነ ወገን ከጻርዮን እቶም ነቲ ተግባር ዝፈጸሙ ናብ ፍርዲ ክቐርቡን’’ ሓቲቱ ነይሩ፡፡

ቀዳማይ ሚኒስተር ዓባይ ብሪጣንያ ቦሪስ ጆንሰን እውን ‘‘ጠገለ ዘይብሉ’’ ብምባል ንምምራዝ እቲ መራሒ ተቓዋሚ ነቒፉ እዩ፡፡