ብሪጣንያ፡ ኣብ ምረዛ ሰላዪ-ነበር ስክሪፓል "ልዑል ተኽእሎ" ኢድ ሩስያ ኣሎ ትብል

ቀዳመይቲ ሚኒስተር ብሪጣኒያ ተሬዛ መይ እቲ ናይ ሩስያ ሰላይ ነበር ሰርገይ ስክሪፓልን ጓሉን ብስርሓት ሩስያ ዝዓይነቱ ወተሃደራዊ ደረጃ ዘለዎ ነርቭ ከምዝተመረዙ ንኣባላት ባይቶ ገሊጻ።

እቲ ኣብ ብሪጣኒያ ሳልስበሪ ዝተባህለት ከተማ ዝተፈጸመ ምረዛ ብሩስያ ተገይሩ ክኸውን "ልዑል ተኽእሎ" ከምዘሎ ድማ ሓቢራ።

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ'ታ ሃገር ድማ ንኣምባሳደር ሩስያ ኣብ'ታ ሃገር ጸዊዑ መብርሂ ክህብ ሓቲትዎ'ሎ።

ክሳብ ሰሉስ ምሽት ዘሎ እዋን ብመንግስቲ ሩስያ "ዝእመን መልሲ" እንተዘይተዋሂቡ ድማ ብሪጣኒያ ብሩስያ "ምጥቃም ዘይሕጋዊ ሓይሊ" ነይሩ ኢላ ክትምድም'ያ ኢላ እታ ቀዳመይቲ ሚኒስተር። እቲ ኣብ መጥቃዕቲ ዝወዓለ ቀመም (ከሚካል) ድማ ኖቪቾክ ዝዓይነቱ ምዃኑ ሓቢራ።

"እዚ መጥቃዕቲ'ዚ ወይ ብሃገረ ሩስያ ዝተፈጸመ ቀጥታዊ ስጉምቲ ኣንጻር ሃገርና'ዩ ወይ ከአ መንግስቲ ሩስያ ነቲ ኣዕናዊ ዝኾነ ቀመማዊ ነርቭ ምቁጽጻር ስኢና ኣብ ኢድ ካልኦት ከምዝድቕ ገይራ'ላ ማለት'ዩ" ኢላ ተሬዛ መይ።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ብሪጣንያ ቦሪስ ጆንሰን ድማ ንኣምባሳደር ሩስያ ሃገሩ "ምሉእ ዘይጉዱል" መግለጺ ብዛዕባ መደብ (ፕሮግራም) ኖቪቾክ ነቲ ዓለም-ለኻዊ ውድብ ክልከላ ኬሚካላዊ ኣጽዋራት ክትህብ ሓቲትዎ'ሎ ኢላ።

ብሪጣኒያ ከቢድቲ ስጉምትታት ንምውሳድ ድልውቲ ክተክውን ከምዘለዋን፡ እኹል መልሲ ናይ ሩስያ ምስ ዘይህሉ ድማ፡ እቲ ጉዳይ ንረቡዕ ኣብ ቅድሚ ኮሞንስ (ላኦለዋይ ባይቶ ብሪጣኒያ) ክቐርብ'ዩ ኢላ ተሬዛ መይ።

እቲ ጡረተኛ ኣባል ወተሃደራዊ ስለያ ነበር ስክሪፓልን ጓል 33 ዓመት ዝኾነት ጓሉን ብ4 መጋቢት እዮም ኣብ ሓደ ናይ ከተማ ሳሊስበሪ ናይ ጎደና ኮፍ መበሊ (ቤንች) ዘልሓጥ ኢሎም ተረኺቦም። ገና ድማ ኣብ ሆስፒታል ኣብ ጽንኩር ግን ከአ ዝተረጋግአ ኩነታት ይርከቡ።

ንዐኦም ንምሕጋዝ ዝፈተነ ሰርጌንቲ ኒክ በይሊ ድማ ብጽኑዕ ሓሚሙ ይርከብ፡ ምስ ቤተሰቡ ግን ክዛረብ ክኢሉ'ሎ።

ሚስተር ስክሪፓል ን ኤም ኣይ ሽዱሽተ (ትካል ስለያ ብሪጣኒያ) ምስጢራት ኣሕሊፍካ ተባሂሉ ኣብ 2004 ብመንግስቲ ሩስያ ተፈሪዱ ነይሩ፡ እንተኾነ ግን ኣብ መንጎ ክልቲኤን ሃገራት ብዝተገብረ "ምልውዋጥ ሰለይቲ" ተለቒቑ ኣብ ብሪጣኒያ ዑቕባ ተዋሂብዎ ክነብር ጸኒሑ'ሎ።

ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያ ብሪጣኒያ ኣምበር ራድ ብዛዕባ'ቲ ጉዳይ ንምዝታይ ኣኼባ ናይ'ቲ ኮብራ ተባሂሉ ዝፍለጥ ናይ ህጹጽ እዋን ኮሚቴ መንግስቲ ንሰሉስ ክግበር ጸዊዑ'ሎ።

ኖቪቾክ እንታይ እዩ?

- ብቋንቋ ሩስያ ኖቪቾክ ማለት "ሓዲሽ መጻኢ (ሓዲሽ ስራሕ)" ማለት'ዩ። ኣካል ናይ ኣብ ሰብዓታትን ሰማንያታትን (1970ታትን 1980ታትን) ብሶቬት ሕብረት ብምስጢር ናይ ዝተማህዙ ምዕቡላት ዓይነት ነርቭታት ድማ'ዩ።

- ሓደ ኤ-230 ቀመም ኬሚካል ካብ ሓሙሽተ ክሳብ ሸሞንተ ዕጽፊ ካብቲ ንሓደ ሰ ቪ ኤክስ (VX) ንላዕሊ መራዚ'ዩ ድማ ይበሃል። ኣብ ውሽጢ ሒደት ደቓይቕ ድማ ሰብ ክቐትል ይኽእል።

- ገሊኡ ፈሳሲ ክኸውን እንከሎ፡ ብደረቕ (ዕጹም) መልክዕ'ውን ከምዘሎ ይግመት። ገሊኦም ዓይነታት "ክልተኣዊ ወይ ጽምዳዊ ኣጽዋር" ኣለዉ ይበሃል፡ እዚ ማለት ድማ ውሑድ መርዚ ዘለዎም ጽምዲ ኮይኖም ይስርሑ'ሞ ምስተሓወሱ ኣዝዮም መርዛማት ይኾኑ።

- ሓደ ካብቲ ዓይነታት ነርቭ ምክልኻል ሩስያ ከም ቀመማዊ ኣጽዋር ክጥቀመሉ ፍቓድ ተዋሂቡ ይበሃል።

- ብዓለም-ለኻዊ ተቖጻጸርቲ ከምዘይርከብ ተገይሩ'ኳ ተሰሪሑ እንተነበር፡ ህላዊኡ በቶም ተቖጻጸርቲ ተረኺቡ'ዩ።

"እዚ ናይ ኣጽዋር ደረጃ ዘለዎ ነርቭ ተጠቒምካ ኣብ ሓንቲ ከተማ ናይ ብሪጣኒያ ዝተገብረ ናይ ቅትለት ፈተነ፡ ኣብ ስክሪፓልን ጓሉን ጥራይ ዝዓለመ ገበን ኣይኮነን" ኢላ ተሬዛ መይ ኣብ ቅድሚ ኮሞንስ ቀሪባ ኣብ ዝሃበቶ መብርሂ።

"ኣንጻር ብሪጣኒያ ዝዓለመ ብሃውሪ ዝተኻየደን ህይወት ብዙሓት ሰባት ኣብ ሓደጋ ዘውደቐን ዘይሃላፍነታዊ ተግባር'ዩ" ድማ ኢላ። ብሪጣናውያን ፈላጣት ድማ'ዮም ኣብ ፖርቶን ዳውን ላቦራቶሪ (ቤተ-ምርመራ) ነቲ ዓይነት ነርቭ ኣለልዮሞ ኢላ።

ሩስያ ቅድሚ ሕጂ ነቲ ነርቨ ኣፍሪያቶ'ያ ገና ኸአ ከተፍርዮ ተኽእሎ ኣለዋ ኢላ።

ንሩስያ ንምውቃስ ዝተወስደ ውሳነ ድማ "ኣብ ሕሉፍ ብመንግስታዊ ምወላ መንግስቲ ሩስያ ዝተፈጸሙ ቅትለታትን፡ ሩስያ ንገለ ሰዳዕቲ ከም ቅኑዕ ዕላማ (ታርጌት) እያ ትርእዮም ዝብል ናይ ባዕልና ገምጋምን ተመርኲሱ እዩ ተወሲዱ" ድማ ኢላ።

መራሒ ተቓዋሚ ሰልፊ ሰራሕተኛታት (ሌበር ፓርቲ) ጀረሚ ኮርቢን ግን ተወሳኺ ወጥሪ ንዘይምፍጣር ምስ ሩስያ "ብርቱዕ ዘተ" ምግባር የድሊ ኢሉ።

"ምርኢት ሰርከስ"

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ሬክስ ቲለርሰን ድማ ሃገሩ ምስቲ ንሩስያ ዝወቅስ ውሳነ ብሪጣኒያ ከምትሰማማዕ ገሊጹ። "እቶም ነቲ ገበን ዝፈጸሙን እቲ ገበን ክፍጸም ትእዛዝ ዝሃቡን፡ ዕቱብን ግቡእን ሳዕቤን ናይቲ ገበን ክስከሙ ከምዘለዎም ንሰማምማዕ ኢና" ኢሉ ንሱ። "ኣብ ጎኒ መሻርኽትና ዝኾነት ብሪጣኒያ ድማ ደው ንብል፡ ምውህሃድ ግብረ-መልስና ድማ ክንቅጽል ኢና" ኢሉ።

ብሰኑይ ድማ ተሬዛ መይ ምስ ፕረሲደንት ፈረንሳ ኣማኑኤል ማክሮን ተዘራሪባ "ክልቲኦም ድማ ብዛዕባ'ቲ ዓብይ ጎነጻዊ ባህርያት ናይ ሩስያ ተዛትዮምን ምስ መሻርኽቲ እናተላዘብካ ዝተወሃሃደ ግብረ-መልሲ ምሃብ ከምዘድሊ ድማ ተሰማሚዖም" ኢሉ ወሃብ ቃል ተሬዛ መይ።

ዋና ጸሓፊ ኔቶ (ወተሃደራዊ ቃል ኪዳን ሰንሜን ኣትላንቲክ) ጀንስ ስቶልተንበርግ ድማ ዝኾነ ይኹን ምጥቃም ነርቭ "ዘስካሕክሕን ዘይቅቡልን" ኢዩ ድሕሪ ምባል፡ ሰበ-ስልጣን'ቲ ውድብ ምስ ብሪጣኒያ ርክባት የካይዱ ከምዘለዉ ገሊጹ።

ዳውኒን ስትሪት (ቤተ-መንግስቲ ብሪጣኒያ) ግን እቲ ነገር ጉዳይ "ዓንቀጽ ሓሙሽተ" (ኣርቲክል ፋይፍ) ኣይኮነን ኢሉ። ብመሰረት ዓንቀጽ ሓሙሽተ ናይ ኔቶ ሕገ-ደንቢ፡ ኣብ ልዕሊ ሓንቲ ኣባል ሃገር ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ኩለን ኣባል ሃገራት ከምዝተፈጸመ ይቑጸር።

ወሃቢት ቃል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ ማርያ ዛኻሮቫ መግለጺ ተሬዛ መይ "ምርኢት ሰርከስ ኣብ ፓርላማ ብሪጣኒያ'ዩ" ነይሩ ኢላ።

"እቲ መደምደምታ ፍሉጥ'ዩ፡ ንሱ ድማ፡ ኣብ ምትኹታኽ ዝተመርኮሰ ተወሳኺ ሓበሬታን ናይ ፖለቲካ ጎስጓስን'ዩ" ኢላ።

ሩስያ በቲ ጉዳይ ትውቀስ ኣንተኾይና ብቢቢሲ ተሓቲቱ ኣብ ዝሃቦ መልሲ፡ ፕረሲደንት ቭላድሚር ፑቲን "ንመዓሙቕ ናይቲ ጉዳይ መርምርዎ'ሞ ሽዑ ክንዘራረበሉ ኢና" ዝብል መስሊ ሂቡ።

ርክብ ናይ ቦሪስ ጆንሰንን ኣምባሳደር ሩስያ ኣብ ብሪጣንያ ኣለክሳንደር ያኮቬንኮን "ህዱእን ጽኑዕን" ነይሩ ኢላ ናይ ቢቢሲ ናይ ፖለቲካ አዲተር ላውራ ኩነስበርግ። እቶም ክልተ ሰብኡት ናይ ኢድ ሰላምታ ኣይተለዋወጡን፡ ጆንሰን ግን ቁጠዕ ናይ ህዝቢ ብሪጣኒያ ገሊጹ ኢላ።

እዚ ከምዚ'ሉ እንከሎ፡ ሓደ ነቲ ኣብ ከባቢ'ቲ ስክሪፓልን ጓሉን ዘልሓጥ ኢሎም ዝተረኸቡሉ ኮፍ መበሊ (ቤንች) ዝተገብረ ክርደና ጥሒሱ ዝኣተወ ሰብኣይ ንኣርባዕተ ወርሒ ክእሰር ተፈሪዱ'ሎ። እቲ ገበነኛ ምዃኑ ዝኣመነ ኣቦ ሰለሰተ ቆልዑት ዝኾነ ጃሚ ናይት ዝተባህለ ሰብኣይ ኣብቲ እዋን ሰኺሩ ከምዝነበረን ንሩስያውያን ዘዋርድ ጸርፍታት ይጻረፍ ከምዝነበረን ነቲ ቤት ፍርዲ ተነጊርዎ።