ኢትዮጵያ፡ ኣብ ኤምባሲ ኢማራት ‘መጥቃዕቲ ክፍጽሙ ወጢኖም’ ዝበለቶም ጥርጡራት ኣሲራ

ኣገልግሎት ብሄራዊ መረዳአታ

ምንጪ ስእሊ, NISS

ኣብ ልዕሊ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ ኤምባሲ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ መጥቃዕቲ ክፍጽሙ ብሕቡእ ይንቀሳቐሱ ነይሮም ዝተብሃሉ 15 ሰባት ከምዝተኣሰሩ ተገሊጹ።

ኣገልግሎት ሃገራዊ ድሕነትን መረዳእታን ኢትዮጵያ፡ ንመራኸብቲ ብዙሓን ውሽጢ ዓዲ ኣብ ዝለኣኾ መግለጺ እዩ ነዚ ኣፍሊጡ።

እቲ ኣገልግሎት፡ እቶም ጥርጡራት ‘ኣብ ንብረትን ህይወትን ከቢድ ጉድኣት ከብጽሑ፣ ከምኡ’ውን ምስሊ ኣዲስ ኣበባ ከበላሽዉ ኣብ ምድላው እናሃለዉ ኣብ ቀይዲ ውዒሎም’ ኢሉ።

ሮይተርስ፡ ኣብ’ቲ ጉዳይ ካብ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢማራት ርእይቶ’ኳ እንተሓተተ፡ መልሲ ኣይረኸበን።

ኣገልግሎት ሃገራዊ ድሕነትን መረዳእታን ኢትዮጵያ፡ እቶም ጥርጡራት ነቲ መጥቃዕቲ ክፍጽሙ ‘ካብ ናይ ደገ ኣካላት’ መምርሒ ከም ዝተቐበሉ ይገልጽ።

ነቲ መጥቃዕቲ ንምፍጻም ዘዳለውዎ ብረታትን ነተጉትን፡ ከምኡ’ውን ሰነዳት ከም ዝተረኸበ’ውን ሓቢሩ።

ነዚ ጉጅለ ይመርሕ ነይሩ ዝተባህለ ወዲ 35 ዓመት ኣብ ቀይዲ ከም ዝኣተወ’ውን ተገሊጹ’ሎ።

እቲ ኣብ ቀይዲ ዝኣተወ ወዲ 35 ዓመት ጥርጡር፡ ነዚ መጥቃዕቲ ንምውዳድ ‘ብዓሰርተታት ኣሸሓት ዝቑጸር ዶላር ኣመሪካ’ ካብ ወጻኢ ተላኢኹሉ ክብል ኣገልግሎት ሃገራዊ ድሕነት ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ሓቢሩ።

ካልእ ተመሳለሊ መልእኽቲ ዝተዋህቦ ሕቡእ ጉጅለ’ውን ኣብ ሱዳን ካርቱም ኣብ ዝርከብ ኤምባሲ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ መጥቃዕቲ ክፍጽም ይዳሎ ነይሩ ዝበለ እቲ መግለጺ፡ ሃገራዊ ድሕነት ኢትዮጵያ ምስ ቤት ጽሕፈት ጸጥታ ሱዳን ተዋዲዱ ከም ዝሰርሐ ኣፍሊጡ።

መራሒ ናይ’ዚ ‘ሕቡእ ጉጅለ’ ኣብ ስዊድን ዝነብር ምዃኑን ኣብ’ታ ሃገር ኣብ ቀይዲ ከም ዝኣተወን’ውን ተገሊጹ’ሎ።

ካልኦት 21 ኣብ ዝተፈላለየ ዓለም ዝነብሩ ጥርጡራት ኣብ ቀይዲ ንምውዓል ይሰርሕ ኣለኹ ድማ ኢሉ ኣገልግሎት ሃገራዊ ድሕነትን መረዳእታን ኢትዮጵያ።