እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ስኮትላንድ ካብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ዝግበር በረራ ኣጊዳ
ስኮትላንድ፡ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ንምግታእ ካብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ናብ ግዝኣታ ዝግበሩ በረራታት ነፈርቲ ከልኪላ።
መንግስቲ ስኮትላንድ ኣብ ልዕሊ ካልኦት ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ከምኡ'ውን ካብ ርዋንዳን ብሩንድን ናብ እታ ሃገር ዝግበሩ ተወሰኸቲ በረራታ ኣጊዳ'ላ።
ዜጋታት ብሪጣንያን ኣይሪሽን ዘይኮኑ ወይ ከኣ መንበሪ ፍቓድ ናይ ዓባይ ብሪጣንያ ዘይብሎም ሰባት'ውን ብኣኽበርቲ ሕጊ ካብ ዶባታ ክትመልስ ምዃና ኣፍሊጣ።
ካብ ዱባይን ኣቡዳቢን ተበጊሰን ናብ ስኮትላንድ ዝበራ ነፈርቲ ካብ ሎሚ ድሕሪ ቀትሪ ጀሚረን ክኣትዋ ኣይክፍቀደለንን’ዩ።
ሓላፊ መጓዓዝያ ስኮትላንድ ሚካኤል ማቴሶን “ኮሮናቫይረስ ኣብ ስኮትላንድ ኮነ ኣብ መላእ ዓለም ኣብ ጥዕና ደቂ ሰባት ስግኣት ኮይኑ ይቕጽል ስለዘሎ መልከፍቲ ንምግታእ ስጉምቲ ክንወስድ ኣለና” ኢሉ።
እዞም ዝተወስዱ ስጉምትታት ሓደሽቲ መልከፍትታት ብፍላይ እቲ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝተራእየ ሓዲሽ ዓይነት ኮሮናቫይረስ ናብ ስኮትነንድ ንኸይኣቱ ዝተወስደተ ስጉምቲ ኣገዳሲ ከምዝኾነ ሚካኤል ሓቢሩ።
ዜጋታት ስኮትላንድ ኣገዳስቲ ዘይኮኑ ጉዕዞታት ደው ከብሉ ከምዝግባእ’ውን እቲ ሓላፊ ሚዒዱ።
ዱባይ ኣብ መፈለምታ እዚ ወርሒ ኣብ መዝገብ ውሸባ ስኮትላንድ ስለዝኣተወት ካብታ ሃገር ዝመጽኣ ዝኾነ ሰብ ን10 መዓልቲ ንብሕቱ ክውሸብ ይግደድ ነይሩ።