ናዕቢ መናእሰይ ቱኒዛውያን ሳልሳይ መዓልቲ ኣቑፂሩ

ቱኒዝያ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብ ርእሰ ከተማ ቱኒዝን ካልኦት ብዙሓት ከተማታት እታ ሃገርን ፡ ኣብ ሞንጎ ሰልፈኛታትን ፖሊስን ጎንፅታት ከምዝነበረ ተገሊፁ።

እዚ ሰፊኑ ዘሎ ውጥረት ትማሊ ሰንበት ሳልሳይ መዓልቲ ዘቑፀረ እንትኾን፡ ሰብመዚ እታ ሃገር 'ናዕቢ' ብምባል ገሊፀሞ ኣለዉ።

ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዝወፅኡ ስእልታትን ተንቀሳቐስቲ ምስልታትን፡ መገድታት ብዝነድድ ጎማ ተዓፅዮም፡ ፖሊስ ንመናእሰይ እንከጓይይ የርእዩ።

ሰብመዚ እታ ሃገር፡ ንብረት ዘዕነዉን ትካላት ንግድን ባንክታትን ንምዝማት ዝፈተኑን ዝበሎም ልዕሊ 200 ሰባት ከምዝተኣሰሩ ገሊፆም።

ጠለብ እቶም መናእሰይ እንታይ ምዃኑ ኣይፍለጥን። እንተኾነ ኣብ ቱኒዝያ ሰፊሕ ዘይምዕጋብን ነዊሕ ዘቑፀረ ቁጠባዊ ፀገማትን ኣሎ።

ዋጋ ሸቐጣት ካብ ምውሳኽ ብተወሳኺ፡ ሲሶ መንኣሰይ እታ ሃገር ሸቕሊ ኣልቦ እዮም።

ቅድሚ 10 ዓመታት ኣብታ ሃገር ዝተኻየደ ሰውራ ዋላ’ኳ ናብ ዲሞክራሲ እንተምረሐ፡ እዚ፡ ብዙሕ ስራሕን ዕድላትን ክፈጥር እዩ ዝብል ተስፋ ምቕምሳሉ ግና፡ ንብዙሓት ዘጉሃየ ኮይኑ ኣሎ